ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ካብ ቍንጅና ዚበልጽ ነገር ረኸብኩ

ካብ ቍንጅና ዚበልጽ ነገር ረኸብኩ

ብ1984፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ምሸት ኣዝየ ህብብቲ ሰብ ኰንኩ፣ ቅድሚኡ ግና ተራ ጐርዞ እየ ነይረ። ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ወይዘሪት ሆንግ ኮንግ ብምዃን ኣኽሊል ተሸለምኩ። ስእለይ ድማ ኣብ ገበር መጽሔታትን ጋዜጣታትን ወጸ። ደርፍታትን ሳዕስዒትን መደረታትን ከቕርብ፡ ናይ ተለቪዥን ፕሮግራማት ከአንግድ፡ ኣነ ዝበለ ጽቡቕ ክዳውንቲ ክኽደን ከምኡ እውን ምስ ከም ኣመሓዳሪ ሆንግ ኮንግ ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ፍሉጣት ሰባት ክራኸብ ክኢለ እየ።

ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት፡ ኣብ ፊልምታት ክዋሳእ ጀመርኩ፣ ካብዚ ፊልምታት እዚ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ቐንዲ ተዋሳኢት እየ ነይረ። ወሃብቲ ዜና ታሪኸይ ይሓትቱኒ፡ ሰኣልቲ እውን ይስእሉኒ ነበሩ፣ ካልኦት ድማ ኣብ ምርኢታቶም ክዋሳእን ሓደስቲ እተኸፍተ ቦታታት ክምርቐሎምን ምስኣቶም ክምሳሕን ክድረርን ይዕድሙኒ ነበሩ። ኰታስ፡ ኣትኵሮ ዅሎም ሰባት ኣባይ እዩ ነይሩ።

ኣብ ኣክሽን ፊልም ክዓዪ ኸለኹ

ድሕሪ ግዜ ግና፡ ኵሉ እቲ ዝረኸብክዎ ነገራት ከምቲ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ሰሓቢ ኸም ዘይኰነ ተረዳእኩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ሓደገኛ ዝዀነ ኣክሽን ፊልምታት እየ ዝዋሳእ ነይረ። ተዋሳእቲ ሆንግ ኮንግ ከም ተዋሳእቲ ሆሊዉድ፡ መጕዳእቲ ንኸይወርደካ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ ዚዋሳእ ሰብ ብዙሕ ኣይጥቀሙን እዮም ነይሮም፣ ስለዚ፡ ከም ሞተር ብሽክለታ እናዘወርካ ብልዕሊ ማኪና ምዝላል ዝኣመሰለ ሓደገኛ ትርኢት ባዕለይ እዋስኦ ነበርኩ። መብዛሕትኡ እተዋሳእኩሉ ፊልምታት ዘይስነ ምግባራውን ዓመጽ ዝመልኦን እዩ ነይሩ፣ ገሊኡ ድማ ኣጋንንታዊ ተግባራት ዜርኢ ነበረ።

ብ1995 ንሓደ ኣፍራዪ ፊልም ተመርዓኽዎ። ኵሉ እቲ ሓጐስ ከም ዜምጽእ ዚሕሰብ ነገራት፡ ማለት ቍንጅናን ሃብትን ፈቃር ብዓል ቤትን እኳ እንተ ነበረኒ፡ እጭነቕን እጕህን ነበርኩ። ስለዚ፡ ምውሳእ ክሓድጐ ወሰንኩ።

ኣብ ግዜ ቝልዕነተይ ንዝነበረኒ እምነት ዘከርኩ

ሓደ መዓልቲ ንእሽቶ ጓል ከለኹ ንዝነበረኒ እምነት ክዝክር ጀመርኩ። ሽዑ፡ ቀዳም ቀዳም ኣነን ሓብተይን ናብ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ስድራ ቤት ንኸይድ ነበርና። እቲ ጆይ መግራዝ ዝስሙ ኣቦ፡ ነተን ሰለስተ ደቁን ንዓናን መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና ነበረ። ስድራ ቤቶም ምውቕትን ፍቕሪ ዝነበራን እያ ነይራ፣ ጆይ ድማ ንሰበይቱን ንደቁን ብኣኽብሮት እዩ ዚሕዘን ነይሩ። ምስታ ስድራ ቤት ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምኻድ የሐጕሰኒ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ሓቢርና ናብ ዓበይቲ ኣኼባታት ንኸይድ ነበርና። ናይ ብሓቂ ዜሐጕስ እዋን እዩ ነይሩ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክኸውን ከለኹ ድሕንነት ይስምዓኒ ነበረ።

ብኣንጻሩ ግና፡ ኣብ ቤተይ ኣዝዩ ሕማቕ ነገራት የጋጥመኒ ነበረ። ኣደይ ብኣካይዳ ኣቦይ ኣዝያ ትጕህን ትጭነቕን ነበረት። ጓል ዓሰርተ ዓመት ኣቢለ ምስ ኰንኩ፡ ኣደይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእካብ ገደፈቶ። ኣነ ኸኣ ብፍርቂ ልበይ እናተመላለስኩ፡ ጓል 17 ዓመት ምስ ኰንኩ ተጠመቕኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግና ዘይክርስትያናዊ ኣነባብራ ኽነብር ብምጅማረይ ኣባል እታ ጉባኤ ዀይነ ክቕጽል ኣይከኣልኩን።

ክምለስ ወሰንኩ

ካብ ዝምርዖ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ኣብቲ ኸባቢ ኻብ እትርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ክልተ ሽማግለታት ኪበጽሑኒ መጹ። ናብ የሆዋ ኣምላኽ ብኸመይ ክምለስ ከም ዝኽእል ገለጹለይ፣ ሲንዲ እትብሃል ሚስዮናዊት ንኽትሕግዘኒ ድማ ምድላዋት ገበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እምነተይ ቅሂሙ ስለ ዝነበረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ዜረጋግጽ መርትዖ ኸተቕርበለይ ንሲንዲ ሓተትክዋ። ንሳ ኸኣ ነቲ ድሮ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣየትኒ። ድሕሪ ግዜ፡ ናይ ቀረባ መሓዙት ኰንና፣ ምስኣ ዀይነ ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዕ ምስ ዓደመትኒ ድማ ሓንጎፋይ ኢለ ተቐበልክዎ። የሆዋ፡ ክሕጐስ ዚደልየኒ ፈቃር ኣምላኽ ምዃኑ ንመጀመርታ ግዜ ኸማስወሉ ጀመርኩ።

ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንደገና ክኸይድ ምስ ጀመርኩ፡ ካብቲ ምስ መሳርሕተይ ዘሕልፎ ዝነበርኩ እዋን፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃን ዝያዳ ኸም ዜሐጕስ ተገንዘብኩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ብቝልዕነተይ ዘሕለፍክዎ ሕማቕ ተመክሮታት ንዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ዘይኣምንን ንገዛእ ርእሰይ ከም ዘይፈትዋን እዩ ገይሩኒ። ሓንቲ ኣባል እታ ጉባኤ ግና ነዚ ስምዒታዊ ጸገማት ብኸመይ ክዋጽኣሉ ኸም ዚኽእል ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣየትኒ፣ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ብኸመይ ከጥሪ ኸም ዚኽእል እውን ተመሃርኩ።

ካብ ቍንጅና ዚበልጽ ነገር

ብ1997 ኣነን ብዓል ቤተይን ናብ ሆሊዉድ፡ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ. ገዓዝና። ኣብኡ ኸኣ፡ ሰባት ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ጥበብ ኪጥቀሙ ኣብ ምሕጋዝ ብዝያዳ ኽዓዪ ጀመርኩ። ህብብቲ ተዋሳኢት ፊልም ካብ ምዃን ንላዕሊ፡ ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር ዝያዳ ዕግበት ኣምጽኣለይ። ንኣብነት፡ ኣብ 2002 ምስታ ቕድሚ ነዊሕ እዋን ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝፈልጣ ሸሪ ተራኸብኩ። ኣብ ህይወትና ተመሳሳሊ ተመክሮታት ኢና ኣሕሊፍና። ቀቅድሚ እታ ወይዘሪት ሆንግ ኮንግ ኰይነ እተሸለምኩላ ዓመት፡ ሸሪ ወይዘሪት ሆንግ ኮንግ ኰይና ተሸሊማ ነበረት። ኣነ ኽሽለም ከለኹ፡ ኣኽሊል ዝደፍኣትለይ እውን ንሳ እያ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ከም ተዋሳኢት ፊልም፡ ጸኒሓ ድማ ከም ኣፍራዪት ፊልም ብምዃን ምስ ህቡባት ዳይረክተራት ዓየየት። ናብ ሆሊዉድ እውን ግዒዛ ነበረት።

ሸሪ፡ ሕጹያ ብሃንደበታዊ ሕማም ልቢ ኸም ዝሞታ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣሕዘነትኒ። ካብቲ እትኽተሎ እምነት ቡድህና ምጽንናዕ ኣይረኸበትን። ልክዕ ከማይ ንሳ እውን እቲ ኻልኦት ሰባት ዚምነይዎ ምሹእ ህይወት እዩ ነይሩዋ፣ ገና ግና ጕህይትን ንማንም ሰብ ዘይትኣምንን እያ ነይራ። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ኸካፍላ እኳ እንተ ጀመርኩ፡ ብሰንኪ እቲ ዝዓበየትሉ እምነት ቡድህና፡ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከተማስወሉ ኸበዳ።

ሸሪ መሓዛይ ኣብቲ ፊልም ዝዳለወሉ ቦታ

ሓደ መዓልቲ ብ2003 ሸሪ ኻብቲ ፊልም እትሰርሓሉ ዝነበረት ከተማ ቫንኮቨር፡ ካናዳ ደወለትለይ። ካብታ ኸተማ ውጽእ ኢልካ ናብ ዚርከብ ገጠራት ብማኪና ትጕዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ብጽባቐ እቲ ኸባቢ እናተደነቐት ከላ፡ ሃንደበት “መን እዩ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፧ በጃኻ ንገረኒ። መን እዩ ስምካ፧” ብምባል ዓው ኢላ ኸም ዝጸለየት ነገረትኒ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ብጥቓ ሓደ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝሓለፈት፡ የሆዋ ዚብል ስም ረኣየት። እዚ፡ መልሲ ጸሎታ ዀይኑ ስለ እተሰምዓ ድማ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቕልጡፍ ክትራኸብ ደለየት። ኣነ ኸኣ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣራኸብክዋ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ከኣ ኣብታ ኣብ ቫንኮቨር እትርከብ ጉባኤ ቻይንኛ ኽትእከብ ጀመረት።

ድሕሪ ግዜ፡ ሸሪ “እዞም ሰባት እዚኦም ብሓቂ ስለ ዚግደሱለይ፡ ስምዒተይ ነጻ ዀይነ ኽነግሮም እኽእል እየ” በለትኒ። እዚ ድማ ንዓይ ኣሐጐሰኒ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ዓውዲ ፊልምታት ትዓይየሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ናይ ሓቂ ፈተውቲ ኣይነበርዋን። ኣብ ኣኼባታት ምእካብ ቀጸለት። ይኹን እምበር፡ ብ2005 ኣብ ቻይና ኽልተ ዓበይቲ ፊልምታት ንኽትሰርሕ ውዕል ፈሪማ ስለ ዝነበረት፡ ናብ ሆንግ ኮንግ ተመልሰት። እቲ ዜሐጕስ ግና ብ2006 ርእሳ ንየሆዋ ወፍያ፡ ኣብቲ ኣብ ሆንግ ኮንግ እተኻየደ ዓብዪ ኣኼባ ተጠምቀት። ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከተገልግሎ እኳ እንተ ደለየት፡ ብሰንኪ ስራሓ ግና ከምኡ ኽትገብር ኣይከኣለትን፣ በዚ ድማ ሕጕስቲ ኣይነበረትን።

ንኻልኦት ብምሕጋዝ ዚርከብ ሓጐስ

ብ2009 ሸሪ ኣብ ህይወታ ዓበይቲ ለውጥታት ገበረት። ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኸተገልግሎ፡ ነቲ ኣብ ዓውዲ ፊልም ዝነበራ ዕዮ ኽትሓድጎ ወሰነት። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸኣ ብዙሓት ሓደስቲ ፈተውቲ ኣጥረየት። ናይ ምሉእ ግዜ ሰባኺት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ኰነት፣ ሰባት ዝበለጸ መገዲ ህይወት ኪረኽቡ ምሕጋዝ ድማ ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሳ።—ማቴዎስ 24:14

ድሕሪ እዚ ሸሪ፡ ነቶም ኣብታ ኣብ ሆንግ ኮንግ እትርከብ ዕቤት እተርኢ ጕጅለ ተዛረብቲ ቛንቋ ነፓል ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምሕጋዝ ቋንቋ ነፓል ከተጽንዕ ወሰነት። መብዛሕትኦም ኣብ ሆንግ ኮንግ ዚነብሩ ነፓላውያን፡ ቋንቋ እንግሊዝኛ ወይ ቻይንኛ ብዙሕ ስለ ዘይክእሉን ባህሎም እተፈልየ ስለ ዝዀነን፡ ዕሽሽ ይብሃሉን ይንዓቑን እዮም። ሸሪ፡ ነዞም ሰባት እዚኦም፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ ምሕጋዝ ኣዝዩ ኸም ዜሐጕሳ ነገረትኒ። ንኣብነት፡ ሓደ መዓልቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ከተገልግል ከላ፡ ብዛዕባ የሱስ እተወሰነ ፍልጠት ዘለዋ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ግና ምንም ዘይትፈልጥ ነፓላዊት ሰበይቲ ረኸበት። ሸሪ ነታ ሰበይቲ፡ የሱስ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኡ ኸም ዝጸለየ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣየታ። እታ ሰበይቲ ናብቲ የሆዋ ዝስሙ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክትጽሊ ኸም እትኽእል ምስ ፈለጠት፡ ነቲ ብስራት ንምቕባል ልባ ኸፈተት። ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ሰብኣያን ጓላን እውን መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ጀመሩ።—መዝሙር 83:18፣ ሉቃስ 22:41, 42

ሸሪ ኣብዚ ሕጂ እዋን

ሸሪ ናይ ምሉእ ግዜ ሰባኺት ኰይና ብምግልጋላ ኣዝያ ኸም እተሓጐሰት ምስ ረኣኹ፡ “ከምቲ ንሳ እትገብሮ ዘላ ንኸይገብር ዝዓግተኒ እንታይ እዩ፧” ኢለ ንገዛእ ርእሰይ ሓተትክዋ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣነ እውን ኣብ ሆንግ ኮንግ እየ ዝቕመጥ ነይረ። ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ኣብ ምምሃር ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽካፈል፡ ህይወተይ ከተዓራሪ ወሰንኩ። ንኻልኦት ጽን ኢልካ ምስማዕን ቃል ኣምላኽ ንኺርድኡ ምሕጋዝን ናይ ሓቂ ሓጐስ ዜምጽእ ኰይኑ ረኸብክዎ።

ሰባት ንቓል ኣምላኽ ኪርድእዎ ምሕጋዝ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዜምጽእ ኰይኑ ረኺበዮ እየ

ንኣብነት፡ ንሓንቲ ወትሩ ትጕህን ትነብዕን ዝነበረት ቬትናማዊት ሰበይቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሓላ ኽኢለ እየ። ሕጂ እታ ሰበይቲ ኣብ ህይወታ ሕጕስቲ እያ፣ ምስታ ጉባኤ ምሕባር ከኣ ባህ እዩ ዜብላ።

ኣነን ሸሪን ካብ ቍንጅና ኣዝዩ ዚበልጽ ነገር ረኺብና ኢና። ኣብ ዓውዲ ፊልም ምዕያይ ባህ ዜብልን ህቡብነት ከም እትረክብ ዚገብርን እኳ እንተ ዀነ፡ ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ምምሃር ግና ንየሆዋ ኽብሪ ስለ ዜምጽእ ዝያዳ እዩ ዜሐጕስ። ንሓቅነት እተን “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ዚብላ ቓላት የሱስ ብሓቂ ተመኲርናየን ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35