ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

“መጽሓፍ ቅዱስ ውሩይ ሃይማኖታዊ መጽሓፍ እዩ። ግናኸ፡ መጽሓፍ ጓኖት እዩ፡ ንቻይናውያን እውን ዚምልከት ኣይኰነን።”—ሊን፡ ካብ ቻይና።

“ኣብ ሃይማኖተይ ሂንዱነት እንጥቀመሉ ቕዱሳት መጻሕፍቲ እኳ ኽርድኦ ኣይከኣልኩን። ከመይ ኢለ እየ ደኣ እሞ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክርድኦ ዝኽእል፧”—ኣሚት፡ ካብ ህንዲ።

“መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ጥንቲ መጽሓፍ ብምዃኑን ብብዝሒ ዝርጋሐኡ ቐዳማይ ከም ዝዀነ ስለ ዚንገረሉን ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ። ቅዳሕ እዚ መጽሓፍ እዚ ግና ብዓይነይ ርእየ ኣይፈልጥን እየ።” —ዩሚኮ፡ ካብ ጃፓን።

ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢሮም ይርእይዎ እዮም። ግናኸ፡ ብዛዕባ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ዚፈልጥዎ የብሎምን። ኣብ እስያ ዚነብሩ ሚልዮናት ሰባት ምስዚኣቶም ኪምደቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብተን መጽሓፍ ቅዱስ ብብዝሒ ዚዝርግሓለን ሃገራት እውን እንተ ዀነ፡ ከምዚ ዓይነት ሽግር ኣሎ።

ይኹን እምበር፡ ‘እንታይ ክዓብሰለይ ኢለ እየ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክርድኦ ዝጽዕር፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። እዚ ቕዱስ መጽሓፍ እዚ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ምርዳእካ፡ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ፦

  • ዕግበትን ሓጐስን ምርካብ

  • ጸገማት ስድራ ቤት ምፍታሕ

  • ጭንቀት ምጽዋር

  • ምስ ሰባት ዘሎካ ርክብ ምምሕያሽ

  • ገንዘብካ ብጽቡቕ ምክዋን

ከም ኣብነት፡ ነታ ኣብ ጃፓን እትነብር ዮሺኮ እስከ ንውሰድ። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ትሕዝቶ ኸም ዘለዎ ሕቶ ስለ ዝፈጠረላ፡ ከተንብቦ ወሲና። እሞኸ ኸመይ ኰይኑ ረኺባቶ፧ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወተይ ዕላማ ኸም ዚህልዋን ንመጻኢ ተስፋ ኸም ዚህልወንን ገይሩኒ። ሕጂ ውሽጠይ ባዶነት ኣይስምዓንን እዩ” ብምባል ስምዒታ ትገልጽ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣሚት እውን ንመጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ኺምርምሮ ወሲኑ። ድሕሪኡ ኸኣ፡ “ብሓቂ እየ ተገሪመ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ዚኸውን ግብራዊ ሓበሬታ ኣለዎ” ኽብል ክኢሉ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወት ሚልዮናት ሰባት ዓብዪ ጽልዋ የሕድር እዩ። እሞኸ ንስኻ እውን ብኸመይ ከም ዚጠቕመካ ስለምንታይ ባዕልኻ ዘይትምርምሮ፧