ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጴጥሮስ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድዩ ነይሩ፧

ጴጥሮስ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድዩ ነይሩ፧

“ካርዲናል ሆርሄ ማርዮ በርጎልዮ ዝለዓለ ጳጳስ፡ መበል 256 ተካኢ ጴጥሮስ ኰይኑ ተመሪጹ ኣሎ።”—ቫቲካን ኢንፎርሜሽን ሰርቪስ፡ ከተማ ቫቲካን፡ 13 መጋቢት 2013።

“ጳጳስ ሮማ ነቲ ኻብ የሱስ ክርስቶስ ፍሉይ ስልጣን እተዋህቦ ቕዱስ ጴጥሮስ ዚትክእ ብምዃኑ፡ ኣብ ኵላ ቤተ ክርስትያን መሰል ጸብለልትነት ኣለዎ።” —ዘ ፕራይመሲ ኦቭ ዘ ቢሾፕ ኦቭ ሮም ዱሪንግ ዘ ፈርስት ስሪ ሰንችሪስ፡ 1903፡ ብቪንሰንት ኢርሞኒ።

“ጳጳስ ሮማ ተካኢ እቲ ብሩኽ ጴጥሮስ ኣይኰነን ዚብል እንተሎ፡ ውጉዝ ይኹን [ማለት ከም መናፍቕ ይርአ]።”—ቀዳማይ ዋዕላ ቫቲካን፡ 18 ሓምለ 1870።

ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሚልዮናት ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ፡ ነቲ ብ1870 ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ቫቲካን ዝወጸ ኣዋጅ፡ ከም ቀያዲ ትምህርቲ እታ ቤተ ክርስትያን ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ትምህርቲ እዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ድዩ፧ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ብሓቂዶ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ዚትከኡ እዮም፧ ንምዃኑኸ ጴጥሮስ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድዩ ነይሩ፧

“ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ”

እቲ ብ1870 ካብ እተገብረ ዋዕላ ቫቲካን ዝወጸ ኣዋጅ፡ ብቐዳምነት ኣብቲ ንማቴዎስ 16:16-19ን ንዮሃንስ 21:15-17ን እተዋህቦ ትርጉም እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብዚ እንረኽቦ ኣብ መንጎ የሱስን ጴጥሮስን እተገብረ ዝርርብን ኣብ ካልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻባትን፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ታሪኽ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ክርስትና ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ ይሕብር እዩ። አረ የሱስ ምስ ጴጥሮስ ንፈለማ ግዜ ምስ ተራኸበስ፡ ጴጥሮስ ኣብ ህይወቱ ኸም ከውሒ ዝበለ ባህርይ ኺህልዎ ምዃኑ ተነብዩ እዩ። (ዮሃንስ 1:42) ግናኸ፡ ክርስቶስ ንጴጥሮስ ካብ ካልኦት ጸብልል ከም ዚብል ገይርዎ ድዩ፧

ኣብ ማቴዎስ 16:17, 18፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ንስኻ ጴጥሮስ [ትርጉሙ፡ “ከውሒ”] ኢኻ። ንማሕበረይ [“ንቤተ ክርስቲያነይ፡” ትርጉም 1990] ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ” ኢልዎ እዩ። * የሱስ ከምዚ ኺብል ከሎ፡ “ንቤተ ክርስትያኑ” ወይ ንጉባኤኡ ኣብቲ ሰብ ዝዀነ ጴጥሮስ ከም ዚሃንጻ ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ንጴጥሮስ፡ ርእሲ ዅሎም ካልኦት ሰዓብቲ የሱስ ከም ዚኸውን ድዩ ዚንገሮ ነይሩ፧ እቲ ዘረባ እቲ ኺዝረብ ከሎ ኣብኡ ዝነበሩ ኻልኦት ሃዋርያት፡ ንቓላት የሱስ ብኸመይ ተረዲኦምዎ፧ ድሕርዚ፡ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ መኖም ከም ዚዓቢ ይከራኸሩ ምንባሮም ወንጌላት ይነግረና እዩ። (ማቴዎስ 20:20-27፣ ማርቆስ 9:33-35፣ ሉቃስ 22:24-26) የሱስ ንጴጥሮስ ድሮ ኻብ ኵሎም ጸብለልታ ዘለዎ ወይ ዝለዓለ ገይርዎ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ እቶም ሃዋርያት መኖም ከም ዚዓቢ ምተኻራኸሩዶ፧

ጴጥሮስከ ንቓላት የሱስ ብኸመይ ተረዲእዎ፧ እስራኤላዊ ዀይኑ ስለ ዝዓበየ፡ ነቲ ብዛዕባ “እምኒ” ወይ “እምኒ ዅርናዕ” ዚገልጽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ ትንቢታት ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ኢሳይያስ 8:13, 14፣ 28:16፣ ዘካርያስ 3:9) ንሓደ ኻብቲ ትንቢታት ጠቒሱ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኺጽሕፈሎም ከሎ፡ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ “እምኒ መኣዝን፡” እቲ መሲሕ ዝዀነ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። ጴጥሮስ ነታ ፔትራ እትብል (የሱስ እውን ኣብ ማቴዎስ 16:18 እተጠቕመላ) ናይ ግሪኽኛ ቓል ንክርስቶስ በይኑ ኸም እተመልክት ገይሩ እዩ ተጠቒሙላ።—1 ጴጥሮስ 2:4-8

ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ካልእ እሙን ሰዓቢ የሱስ እዩ ነይሩ። እሞኸ የሱስ ንጴጥሮስ ካብ ካልኦት ጸብለል ዝበለ ቦታ ኸም ዝሃቦ ይኣምን ነይሩ ድዩ፧ ብዛዕባ እቲ ጴጥሮስ ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሮ ቦታ ኺገልጽ ከሎ፡ ሓደ ኻብቶም “ኣዕኑድ ከም ዝዀኑ መሰልቲ” ምዃኑ ኣሚኑሉ እዩ። እምበኣር፡ ሓደ ‘ዓንዲ’ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ “ኣዕኑድ” ከም ዘለዉ እዩ ዚኣምን ነይሩ። (ገላትያ 2:9) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ የሱስ ንጴጥሮስ ርእሲ ቤተ ክርስትያን ወይ ጉባኤ እንተ ዚገብሮ ነይሩ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ዓንዲ መሳሊ ወይ በቶም ኣመንቲ ዝዀነ ብጾቱ ኸም ዓንዲ ጌርካ ዚርአ ጥራይ ዝዀነ፧

ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ጴጥሮስ ንሰባት ዘርኣዮም ሕማቕ ኣተሓሕዛ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ብኣኽብሮት ግናኸ ብግልጺ፡ “ኣብ ጌጋ ስለ ዝረኸብክዎ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ” ኢሉ ኣሎ። (ገላትያ 2:11-14ትርጉም 1990) እምበኣር፡ ጳውሎስ፡ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ ወይ ንጉባኤኡ ኣብ ጴጥሮስ ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ዘይፍጹም ሰብ ከም ዝሃነጻ ኣይሓስብን እዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ እታ ጉባኤ ኣብቲ መሰረታ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከም እተሃንጸት እዩ ዚኣምን ነይሩ። ስለዚ ድማ እዩ ጳውሎስ፡ “እቲ ኸውሒ እቲ . . . ክርስቶስ እዩ” ዝበለ።—1 ቈረንቶስ 3:9-11፣ 10:4

“ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ . . .”

ስለዚ፡ ነቲ፡ “ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ” ዚብል ቃላት ብኸመይ ክንርድኦ ኣሎና፧ ነዚ ቝንጽል ሓሳብ እዚ ብልክዕ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ከነንብቦ ኣሎና። የሱስን ጴጥሮስን ብዛዕባ እንታይ እዮም ዚዛራረቡ ነይሮም፧ ቀቅድሚኡ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም፧” ኢሉ ሓቲትዎም ነይሩ። ጴጥሮስ ድማ ከየማትአ፡ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ መሊሱሉ ነይሩ። ሽዑ፡ የሱስ ንጴጥሮስ ድሕሪ ምንኣዱ፡ “ንቤተ ክርስትያኑ” ወይ ንጉባኤኡ ኣብቲ ጴጥሮስ እምነቱ ዝገለጸሉ ብዝይዳ ድልዱል ዝዀነ “ኸውሒ፡” ማለት ኣብ ገዛእ ርእሱ ኸም ዚሃንጻ ገሊጹሉ።—ማቴዎስ 16:15-18

ነቲ፡ “ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ” ዚብል ቃላት የሱስ ብኸመይ ክንርድኦ ኣሎና፧

ሓያሎ “ኣበው ቤተ ክርስትያን” ምስዚ ብምስምማዕ፡ እቲ ኣብ ማቴዎስ 16:18 ተጠቒሱ ዘሎ ኸውሒ፡ ክርስቶስ ከም ዝዀነ ጽሒፎም ኣለዉ። ንኣብነት፡ ኣጉስቲን ኣብ ሓምሻይ ዘመን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ጴጥሮስ፡ ‘ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ’ ስለ ዝበሎ እዩ ጐይታና፡ ‘ንቤተ ክርስትያነይ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ’ ዝበለ። ስለዚ፡ ኣብቲ ንስኻ እተኣመንካሉ ኸውሒ እየ ንቤተ ክርስትያነይ ዝሃንጻ እዩ ኢልዎ።” ኣጉስቲን ብተደጋጋሚ፡ “እቲ ኸውሒ (ፔትራ) ክርስቶስ እዩ” ይብል ነይሩ እዩ።

ኣጉስቲንን ካልኦትን ብመሰረት እቲ ሕጂ ዘሎ ሰረተ እምነት ካቶሊክ እንተ ዚፍረዱ፡ መናፍቓን ምተባህሉ ነይሮም። ኡልሪኽ ሉስ ዚብሃል ስዊዘርላንዳዊ ስነ ሃይማኖተኛ ከም ዝበሎ እሞ ኸኣ፡ እቲ ሎሚ ዘለዉ ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዚሰማምዑሉ ርእይቶ፡ በቲ ብ1870 እተገብረ ዋዕላ ቫቲካን ከም ኑፋቐ ጌርካ ምተወግዘ ነይሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተካኢ ጴጥሮስ ድዩ፧

ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት” ወይ “ጳጳስ” ዚብል መዓርግ ኣይፈልጦን እዩ ነይሩ። ክሳዕ ታሽዓይ ዘመን፡ ብዙሓት ናይ ሮማ ዘይኰኑ ጳጳሳት ወይ ኣቡናት ነቲ መዓርግ ንርእሶም ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ ክሳዕ መወዳእታ መበል 11 ዘመን እኳ ሳሕቲ እዩ ኸም ወግዓዊ መዓርግ ኰይኑ ዜገልግል ነይሩ። ብዘይካዚ ድማ፡ እቲ ንጴጥሮስ ተዋሂብዎ ዚብሃል ጸብለልትነት ናብ ተካእቱ ተመሓላሊፉ ዚብል እምነት ዝነበሮም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣይነበሩን። ስለዚ፡ ማርቲን ሄንግል ዚብሃል ጀርመናዊ ምሁር፡ “ናብቲ ጸኒሑ ጸብለልትነት ጵጵስና ዝዀነ ኣረኣእያ ዜብጽሕ፡ እዚ ኢልካ ኽትገልጾ እትኽእል ታሪኻዊ ወይ ስነ ሃይማኖታዊ መገዲ የልቦን” ኢሉ ደምዲሙ እዩ።

እሞ ደኣ ጴጥሮስ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድዩ ነይሩ፧ ተካእቲኸ ነይሮምዎዶ፧ ንጸብለልትነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዚገልጽ ትምህርቲ ካቶሊክከ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ኣለዎዶ፧ ብልክዕ ክንዛረብ እንተ ዄንና፡ ንሰለስቲአን እዘን ሕቶታት እዚአን፡ ‘ኣይፋልን’ ዚብል መልሲ እዩ ዘለወን። ይኹን እምበር፡ የሱስ ንቤተ ክርስትያኑ፡ ማለት ነታ ናይ ሓቂ ጉባኤኡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ሃኒጽዋ እዩ። (ኤፌሶን 2:20) እምበኣር፡ ንነፍሲ ወከፍና፡ ‘ነታ ናይ ሓቂ ጉባኤ ረኺበያ ድየ፧’ እትብል ሕቶ ኸተገድሰና ኣለዋ።

^ ሕ.ጽ. 8 ፍልይ ዝበለ መግለጺ እተዋህቦ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ ዅሉ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብቲ ብ1956 እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ እተወስደ እዩ።