ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 106

ፍቕሪ ነማዕብል

ፍቕሪ ነማዕብል

(1 ቈረንቶስ 13:1-8)

  1. 1. ንዅሉ ባህርያት ኣምላኽና፡

    ከነንጸባርቕ’ዩ ድሌትና፣

    ምናዳ ግን ነማዕብል ፍቕሪ፡

    ’ታ ብመንፈሱ እትፈሪ፣

    ክእለት እኳ እንተ ኣሎና፡

    ብዘይ ፍቕሪ ኸንቱ ምዀንና፣

    ንለምን ከነማዕብል ፍቕሪ፡

    እትርአ ብቓል፡ ብግብሪ።

  2. 2. ፍቕሪ ወትሩ ኽትህብ ትደሊ፣

    ብዛዕባ ኻልኦት ትሓሊ።

    ፍቕሪ ኸቶ ኣይትቕየምን፣

    በደል’ውን ጥራስ ኣይትሕዝን።

    ፍቕሪ ለዋህ ኵሉ ትጻወር፣

    ኵሉ ኽኢላ’ውን ትነብር፣

    ከቢድ ፈተና’ኳ ኣይስዕራን፣

    ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን።