ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንርእስኻ ኻብ ከሓድቲ ኣዕቝባ

ንርእስኻ ኻብ ከሓድቲ ኣዕቝባ

ሰይጣንን ሰዓብቱን ንእምነትና ንምድኻም መብዛሕትኡ ግዜ ንሓሶት ምስ ሓቂ ይሓዋውስዎ እዮም። (2ቈረ 11:3) ንኣብነት፡ ኣሶራውያን ንህዝቢ ኣምላኽ ተስፋ ንምቝራጽ ፍርቂ ሓሳትን ውጹእ ሓሶትን ተጠቒሞም እዮም። (2ዜና 32:10-15) ከሓድቲ ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ሜላታት ይጥቀሙ እዮም። ንትምህርትታት ከሓድቲ ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧ ከም መርዚ ጌርና ኽንርእዮ ይግባእ። ፈጺምካ ኸተንብቦን ክትምልሰሎምን ክትደግሞን የብልካን። ብዛዕባ የሆዋን ውድቡን ጥርጣረ ዚዘርእ ሓበሬታ ቐልጢፍካ ኣለልዮን ንጸጎን።—ይሁ 3, 4

ነታ “ብእምነት ተጋደል”!—ቍንጽል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ነቲ ኣብ ኢንተርነት ዚግበር ምይይጥ ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ነቲ ኣብ ሮሜ 16:17 ዚርከብ ምኽሪ ኽንስዕቦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧