ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

የሆዋ “ኣቦ ዘኽታማት” እዩ

የሆዋ “ኣቦ ዘኽታማት” እዩ

ዓመት ዓመት፡ ብዙሓት መንእሰያት ኣዕሩኽ የሆዋ ኪዀኑ ይመርጹ እዮም። (መዝ 110:3) የሆዋ ንነፍሲ ወከፍኩም ኣጸቢቑ ይሓልየልኩም እዩ። ንዜጋጥመኩም ብድሆታት ይርድኦን ምእንቲ ኸተገልግልዎ ኺሕግዘኩምን ድማ ቃል ኣትዩ እዩ። ብሓደ ወላዲ ትዓቢ እንተ ኣሊኻ፡ የሆዋ “ኣቦ ዘኽታማት” ምዃኑ ኣይትረስዕ።” (መዝ 68:5) ኣብ ቤትካ ዘሎ ዅነታት ብዘየገድስ፡ ብስልጠና የሆዋ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ።—1ጴጥ 5:10

ነታ ዕዉታት ተጋደልቲ እምነት—ብሓደ ወላዲ ዚዓብዩ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ካብ ኣብነት ታሚን ቻርለስን ጂሚን እንታይ ንምሃር፧

  • ኣብ መዝሙር 27:10 ነቶም ብሓደ ወላዲ ዚዓብዩ ዚኸውን እንታይ መረጋገጺ እዩ ዘሎ፧