ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ነበሮም—ቍንጽል (ዊልያም ቲንደል)

ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ፍቕሪ ኣብ ዕዮኡ ተራእዩ እዩ፣ ንሕና እውን ካብ ዕዮኡ ኽሳዕ ሕጂ ንጥቀም ኢና።

ንስም ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ናብ ቦታኡ ዝመለስዎ ኽልተ ተርጐምቲ

ስም ኣምላኽ ናብ ቦታኡ ኺምለስ ዜድልዮ ስለምንታይ እዩ፧ ንምዃኑ ብሓቂዶ የገድስ እዩ፧

ሁልድሪክ ዝዊንግሊ፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ

ብ16 ክፍለ ዘመን፡ ዝዊንግሊ፡ ሓያሎ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ረኺቡ፣ ካልኦት ከምኡ ምእንቲ ኺገብሩ እውን ሓጊዙ እዩ። ካብ ህይወቱን ካብ እምነቱን እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

ደሲደርዩስ ኢራስመስ

“ምስዞም ሎሚ ዘለዉ ሰብ ዝና ዚመዓራረ መራሒ ተሓድሶ” ተባሂሉ ተጸዊዑ እዩ። ህቡብ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ በዴል—ንዝሓሸ ምርዳእ መጽሓፍ ቅዱስ ንእሽቶ ስጕሚ

ን300 ዓመት ዚኣክል ብቛንቋ ኣይርላንድ እተተርጐመ እንኮ መጽሓፍ ቅዱስ

ኤሊያስ ሃተር ዘዳለዎ ንኡድ መጽሓፍ ቅዱሳት እብራይስጢ

ኤልያስ ሃተር፡ ኣብ መበል 16 ዘመን ዝነበረ ምሁር፡ ብፍላይ ኣገደስቲ ዝዀና ኽልተ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ ኣሕተመ።

ለፈቭረ ዴታፕለ—ተራ ሰባት ቃል ኣምላኽ ኪፈልጡ ደለየ

ምጽራር እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ሸቶኡ ኺወቅዕ ዝጸዓረ ብኸመይ እዩ፧