መዝሙር 38:1-22
ናይ ዳዊት መዝሙር፡ ንመዘከርታ።
38 ኦ የሆዋ፡ ብቝጥዓኻ ኣይትግንሓኒ፣ብነድርኻ ኣይትኣርመኒ።+
2 ፍላጻታትካስ ወጊኤናኒ ኣለዋ፣ኢድካ ኸኣ ትጸቕጠኒ ኣላ።+
3 ብቝጥዓኻ ብዘሎ ሰብነተይ ሓሚሙ።*
ብሰንኪ ሓጢኣተይ፡ ኣብ ውሽጢ ኣዕጽምተይ ሰላም የልቦን።+
4 ስሕተተይሲ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ኣንጸላልዩ ኣሎ፣+ከም ከቢድ ጾር፡ ኣዝዩ ይኸብደኒ ኣሎ።
5 ብሰንኪ ዕሽነተይ፡ቍስለይ ይብድብድን ይመጕልን ኣሎ።
6 ተጨኒቐን እምብዛ ሓዚነን ኣለኹ፣ምሉእ መዓልቲ ጕህየ እመላለስ ኣለኹ።
7 ውሽጠይ ይነድድ ኣሎ፣*ብዘሎ ሰብነተይ ሓሚሙ ኣሎ።+
8 ደንዚዘ፡ እምብዛ ኸኣ ተሓምሺሸ ኣለኹ፣ካብ ጓሂ ልበይ እተላዕለ ዓው ኢለ እግዕር ኣለኹ።
9 ኦ የሆዋ፡ ኵሉ ትምኒተይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፣እህህታይ ከኣ ካባኻ ኣይተሓብአን።
10 ልበይ ኣበርቲዓ ትወቅዕ ኣላ፣ ሓይለይ ድማ ጠሊሙኒ ኣሎ፣ብርሃን ኣዒንተይ እውን ጠፊኡኒ ኣሎ።+
11 ፈተውተይን ብጾተይን ብሰንኪ መዓተይ ይርሕቁኒ፡ብቐረባ ዚፈልጡኒ ኸኣ ኣብ ርሑቕ ይዀኑ ኣለዉ።
12 እቶም ንህይወተይ* ዚደልይዋ መጻወድያ የጻውዱለይ፡እቶም ኪጐድኡኒ ዚጽዕሩ ብዛዕባ ጥፍኣት ይዛረቡ፡+ምሉእ መዓልቲ ዜታልል ነገር የዕዘምዝሙ ኣለዉ።
13 ኣነ ግና ከም ጸማም ኣይሰምዕን፡+ከም ዓባስ ድማ ኣፈይ ኣይከፍትን እየ።+
14 ከም ዘይሰምዕ፡ኣፉ ንመጐተ ሓንቲ ኸም ዘይብል ሰብ ኰይነ ኣለኹ።
15 ኦ የሆዋ፡ ንዓኻ ተጸብየ እየ፣+ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ንስኻ እውን መሊስካለይ ኢኻ።+
16 “ብኣይ ኣይተሓጐሱ፣እግረይ እንተ ኣንደልሂጹ ኸኣ፡ ኣይተዓበዩለይ” ኢለስ ነይረ።
17 ኣነስ ክወድቕ ኢለ ነይረ፣ስቓየይ ድማ ወትሩ ምሳይ ነይሩ።+
18 ስሕተተይ ተናዚዘ፣+ብሓጢኣተይ ከኣ ተረቢሸ ነይረ።+
19 ጸላእተይ ግና ብርቱዓትን* ሓያላትን እዮም፣*እቶም ብኸምኡ ዚጸልኡኒ ድማ በዚሖም።
20 ኣብ ክንዲ ጽቡቕ፡ ክፉእ ፈድዮምኒ፣ንሰናይ ብምስዓበይ፡ ተጻሪሮምኒ።
21 ኦ የሆዋ፡ ኣይትሕደገኒ።
ኦ ኣምላኽ፡ ካባይ ኣይትርሓቕ።+
22 ኦ የሆዋ፡ ድሕነተይ፡+ንምርዳአይ ቀልጥፍ።
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ስጋይ ገለ ጥዑይ የብሉን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ሕቘይ ብንዳድ መሊኡ ኣሎ።”
^ ወይ፡ “ንነፍሰይ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ህያዋንን።”
^ ወይ፡ “ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒ ግና ብዙሓት እዮም” ኪኸውን ይኽእል።