መዝሙር 38:1-22

  • ዚንሳሕ ሰብ ዝጸለዮ ጸሎት

    • “ተጨኒቐን እምብዛ ሓዚነን ኣለኹ” (6)

    • የሆዋ ንዚጽበይዎ ይሰምዖም (15)

    • ‘ብሓጢኣተይ ተረቢሸ ነይረ’ (18)

ናይ ዳዊት መዝሙር፡ ንመዘከርታ። 38  ኦ የሆዋ፡ ብቝጥዓኻ ኣይትግንሓኒ፣ብነድርኻ ኣይትኣርመኒ።+   ፍላጻታትካስ ወጊኤናኒ ኣለዋ፣ኢድካ ኸኣ ትጸቕጠኒ ኣላ።+   ብቝጥዓኻ ብዘሎ ሰብነተይ ሓሚሙ።* ብሰንኪ ሓጢኣተይ፡ ኣብ ውሽጢ ኣዕጽምተይ ሰላም የልቦን።+   ስሕተተይሲ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ኣንጸላልዩ ኣሎ፣+ከም ከቢድ ጾር፡ ኣዝዩ ይኸብደኒ ኣሎ።   ብሰንኪ ዕሽነተይ፡ቍስለይ ይብድብድን ይመጕልን ኣሎ።   ተጨኒቐን እምብዛ ሓዚነን ኣለኹ፣ምሉእ መዓልቲ ጕህየ እመላለስ ኣለኹ።   ውሽጠይ ይነድድ ኣሎ፣*ብዘሎ ሰብነተይ ሓሚሙ ኣሎ።+   ደንዚዘ፡ እምብዛ ኸኣ ተሓምሺሸ ኣለኹ፣ካብ ጓሂ ልበይ እተላዕለ ዓው ኢለ እግዕር ኣለኹ።   ኦ የሆዋ፡ ኵሉ ትምኒተይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፣እህህታይ ከኣ ካባኻ ኣይተሓብአን። 10  ልበይ ኣበርቲዓ ትወቅዕ ኣላ፣ ሓይለይ ድማ ጠሊሙኒ ኣሎ፣ብርሃን ኣዒንተይ እውን ጠፊኡኒ ኣሎ።+ 11  ፈተውተይን ብጾተይን ብሰንኪ መዓተይ ይርሕቁኒ፡ብቐረባ ዚፈልጡኒ ኸኣ ኣብ ርሑቕ ይዀኑ ኣለዉ። 12  እቶም ንህይወተይ* ዚደልይዋ መጻወድያ የጻውዱለይ፡እቶም ኪጐድኡኒ ዚጽዕሩ ብዛዕባ ጥፍኣት ይዛረቡ፡+ምሉእ መዓልቲ ዜታልል ነገር የዕዘምዝሙ ኣለዉ። 13  ኣነ ግና ከም ጸማም ኣይሰምዕን፡+ከም ዓባስ ድማ ኣፈይ ኣይከፍትን እየ።+ 14  ከም ዘይሰምዕ፡ኣፉ ንመጐተ ሓንቲ ኸም ዘይብል ሰብ ኰይነ ኣለኹ። 15  ኦ የሆዋ፡ ንዓኻ ተጸብየ እየ፣+ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ንስኻ እውን መሊስካለይ ኢኻ።+ 16  “ብኣይ ኣይተሓጐሱ፣እግረይ እንተ ኣንደልሂጹ ኸኣ፡ ኣይተዓበዩለይ” ኢለስ ነይረ። 17  ኣነስ ክወድቕ ኢለ ነይረ፣ስቓየይ ድማ ወትሩ ምሳይ ነይሩ።+ 18  ስሕተተይ ተናዚዘ፣+ብሓጢኣተይ ከኣ ተረቢሸ ነይረ።+ 19  ጸላእተይ ግና ብርቱዓትን* ሓያላትን እዮም፣*እቶም ብኸምኡ ዚጸልኡኒ ድማ በዚሖም። 20  ኣብ ክንዲ ጽቡቕ፡ ክፉእ ፈድዮምኒ፣ንሰናይ ብምስዓበይ፡ ተጻሪሮምኒ። 21  ኦ የሆዋ፡ ኣይትሕደገኒ። ኦ ኣምላኽ፡ ካባይ ኣይትርሓቕ።+ 22  ኦ የሆዋ፡ ድሕነተይ፡+ንምርዳአይ ቀልጥፍ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ስጋይ ገለ ጥዑይ የብሉን።”
ቃ.ቃ.፡ “ሕቘይ ብንዳድ መሊኡ ኣሎ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ህያዋንን።”
ወይ፡ “ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒ ግና ብዙሓት እዮም” ኪኸውን ይኽእል።