መዝሙር 8:1-9

  • ክብሪ ኣምላኽን ክብሪ ሰብን

    • ‘ስምካስ ክንደይ ግሩም ኰን እዩ!’ (1, 9)

    • “ንስኻ እትዝክሮስ፡ መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧” (4)

    • ንሰብ ግርማ ደፊእካሉ (5)

ንኣላዪ፣ ብጊቲት።* ናይ ዳዊት መዝሙር። 8  ኦ የሆዋ ጐይታና፡ ስምካስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም ኰን እዩ፣ክብርኻ ኻብ ሰማያት ዚልዕል ጌርካዮ!*+   ስለ ተጻረርትኻ፡ንጸላእን ንፈዳይ ሕነን ስቕ ንምባል፡ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን+ ብርታዐ ሰሪትካ።   ሰማያትካ፡ እቲ ግብሪ ኣጻብዕካ፡እቲ ዘዳሎኻዮ ወርሕን ከዋኽብትን ክርኢ ኸለኹ፡+   ንስኻ እትዝክሮስ፡ መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧ ወይስ እትሓልየሉ፡ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ፧+   ከም ኣምላኽ ካብ ዝበሉ* ቝሩብ ኣንኢስካዮ፣ኣኽሊል ክብርን ግርማን ደፊእካሉ።   ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ኣግዚእካዮ፣+ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ፦   ንዅለን መጓሰን ከብትን፡ከምኡ ድማ ንእንስሳታት ዘገዳም፡+   ንኣዕዋፍ ሰማያትን ንዓሳ ባሕርን፡ብመገድታት ባሕርታት ንዚሓልፍ ዘበለ።   ኦ የሆዋ ጐይታና፡ ስምካስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም ኰን እዩ!

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ኣታ ኽብሩ ኣብ ልዕሊ ሰማይ ዚዝንቶ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ካብ መላእኽቲ።”