ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ስላሴ ኽትኣምን ይግብኣካዶ፧

ኣብ ስላሴ ኽትኣምን ይግብኣካዶ፧

ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ ልዕሊ ኽልተ ቢልዮን ዚዀኑ ሰባት ኣለዉ። መብዛሕትኦም ድማ ኣባላት እተን ስላሴ ዚምህራ ኣብያተ ክርስትያን እዮም፣ ሰረተ እምነት ስላሴ፡ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ከም ዝዀኑ እዩ ዚምህር። ስላሴ ወግዓዊ ሰረተ እምነት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ልዕሊ ዅሉ ግና፡ እዚ ትምህርቲ እዚ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይሳነ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. እዩ ተዛዚሙ። እቲ ስላሴ ንኺምዕብል መገዲ ዝጸረገ ትምህርትታት ብወግዒ ቕርጺ ኺሕዝ ዝጀመረ ድማ ክልተ ዘመን ጸኒሑ እዩ፣ ብ325 ድ.ክ. ኣብታ ሕጂ ኣብ ኢዝኒክ፡ ቱርኪ እትርከብ ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበረት ከተማ ኒቅያ ዋዕላ ተገብረ። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ኸም ዝገለጾ፡ ኣብ ዋዕላ ኒቅያ፡ ንመንነት እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽን ክርስቶስን እውን ሓዊስካ፡ ናይ መጀመርታ ወግዓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ወጸ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚዛዘም ዘመናት ጸኒሑ ብዛዕባ መንነት እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽን ብዛዕባ ክርስቶስን ኪግለጽ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መግለጺ ንጹር ስለ ዘይኰነ ድዩ፧

የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧

ቆስጣንጢኖስ መራሒ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ስመ ክርስትያን፡ ኣብ መንጎ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽን ኣብ መንጎ ክርስቶስን ብዛዕባ ዘሎ ርክብ ተኸፋፊሎም ነበሩ። የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧ ወይስ በቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ ተፈጢሩ፧ እዚ ጕዳይ እዚ መዕለቢ ምእንቲ ኺግበረሉ፡ ቆስጣንጢኖስ ንመራሕቲ ቤተ ክርስትያን ናብ ኒቅያ ጸውዖም፣ ከምኡ ዝገበረ፡ ሃይማኖታዊ ሓቂ ኺፈልጥ ስለ ዝደለየ ዘይኰነስ፡ ሃጸያዊ ግዝኣቱ ብሃይማኖት ኪከፋፈል ስለ ዘይደለየ እዩ።

“ንኣናስ . . . ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ አሎና።”—1 ቈረንቶስ 8:6፡ ትርጕም 1956።

ቆስጣንጢኖስ ነቶም ብኣማእታት ዚቝጸሩ ኣቡናት ብምሉእ ድምጺ ኺሰማምዑ እኳ እንተ ሓተቶም፡ ጻዕሩ ኸንቱ ዀይኑ ተረፈ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንተኣከብቲ እቲ ዋዕላ፡ ነቲ የሱስ ምስ ኣቦ “ኻብ ሓደ ባህርይ” (ኦሞዩስዮስ) ከም ዝዀነ ዚገልጽ ዘይንጹር ሓሳብ ኪቕበልዎ ርእይቶ ሃቦም። ስለዚ፡ ትምህርቲ ስላሴ ኣብቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልስፍና ግሪኽ እተመስረተ እዩ ነይሩ፣ እዚ ትምህርቲ እዚ ኸኣ ኣብቲ ጸኒሑ ብጽሑፍ ዝወጸ ሃይማኖታዊ እምነት ቤተ ክርስትያን ኣተወ። እምበኣር፡ ሰረተ እምነት ስላሴ፡ እንተላይ እቲ ኸም ሳልሳይ ክፋል ጌርካ ዚርአ መንፈስ ቅዱስ፡ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ዓይነት መልክዕ ኪሕዝ ዝጀመረ፡ ኣብ መወዳእታ ራብዓይ ዘመን እዩ ነይሩ።

ኬገድሰካ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ፡ ‘ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኣቦ ብሓቂ ኸም ዜምልኽዎ’ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 4:23) እቲ ሓቂ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:17) እሞኸ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሰለስተ ኣካላት ኣብ ሓደ ኣምላኽ ከም ዝዀኑ ድዩ ዚምህር፧

ቀዳማይ፡ እታ “ስላሴ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትርከብን እያ። ካልኣይ፡ የሱስ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ማዕረ ኸም ዝዀነ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ የምልኾ እዩ። (ሉቃስ 22:41-44) ሳልሳይ፡ እቲ የሱስ ምስ ሰዓብቱ ዝነበሮ ርክብ መርትዖ ኪዀነና ይኽእል እዩ። የሱስ መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኻብ ሞት ምስ ተንስአ እውን እንተ ዀነ፡ ንሰዓብቱ “ኣሕዋተይ” ኢሉ ጸውዖም። (ማቴዎስ 28:10) እሞኸ ሰዓብቲ የሱስ፡ ኣሕዋት እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዮም ነይሮም ማለት ድዩ፧ ኣይፋሎምን። የግዳስ፡ ኣብቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ እምነት ስለ ዝነበረቶም፡ ንሳቶም እውን ደቂ ሓደ ኣቦ ዀይኖም እዮም። (ገላትያ 3:26) ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ኣብ ዋዕላ ኒቅያ ተመስሪቱ ዝወጸ ሃይማኖታዊ እምነት ኣነጻጽሮ።

ኣዋጅ ኒቅያ እንታይ ይብል፧

“ብሓደ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ፡ . . . ምስ ኣቦ ኻብ ሓደ ባህርይ ዝዀነ . . . ንኣምን፣ ንሱ ኣምላኽ ካብ ኣምላኽ፡ ብርሃን ካብ ብርሃን፡ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ሓቂ ኣምላኽ እዩ።”

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

  • “ካባይ [ካብ የሱስ] ኣቦይ ይዐቢ።”ዮሃንስ 14:28 a

  • “[ኣነ የሱስ] ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ።”—ዮሃንስ 20:17

  • “ንኣናስ . . . ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ አሎና።”—1 ቈረንቶስ 8:6

  • “ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ይባረኽ።”—1 ጴጥሮስ 1:3

  • “እቲ ኣሜን [ዝዀነ የሱስ]፡ . . . መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ፡ ከምዚ ይብል አሎ።”—ራእይ 3:14 b

a ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና። ኵለን እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ጥቕስታት፡ ካብ ትርጕም 1956 እየን ተወሲደን።

b እታ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧” ከምኡውን “የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧” ዚብላ ኽልተ ትምህርትታት ዝሓዘት እያ። ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓንቲ ቕዳሕ ክትረክብ ወይ ከኣ ኣብ www.ps8318.com ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ።