ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መንፈስ ቅዱስ፡ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። (ሚክያስ 3:8፣ ሉቃስ 1:35) ኣምላኽ ፍቓዱ ምእንቲ ኺፍጽም ናብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ሓይሉ ይፍኑ እዩ። በዚ ኸምዚ እዩ መንፈሱ ዚልእኽ።—መዝሙር 104:30፣ 139:7

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “መንፈስ” እትብል ቃል ካብታ ሩሕ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓልን ካብታ ፕኒውማ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓልን እተተርጐመት እያ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዘን ቃላት እዚአን ነቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ፡ ወይ ንመንፈስ ቅዱስ እየን ዜመልክታ። (ዘፍጥረት 1:2) ግናኸ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነዘን ቃላት እዚአን ኣብ ካልእ መዳያት እውን ይጥቀመለን እዩ፦

 ኵሉ እዚ ትርጉም እዚ፡ ዚርአ ውጽኢት ንዜፍሪ ብሰብ ዘይርአ ነገር የመልክት። ብተመሳሳሊ፡ መንፈስ ኣምላኽ፡ “ከም ንፋስ ዘይርአን ረቂቕን ሓያልን እዩ።”—ብዊልያን ቫይን እተዳለወ፡ ኣን ኤክስፖዚቶሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ዎርድስ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ከም ‘ኣእዳው’ ወይ “ኣጻብዕ” ኣምላኽ ገይሩ እውን ይገልጾ እዩ። (መዝሙር 8:3፣ 19:1፣ ሉቃስ 11:20፣ ምስ ማቴዎስ 12:28 ኣረኣኢ።) ከምቲ ሓደ ኢደ ጥበበኛ ዕዮኡ ንምፍጻም ኣእዳዉ ወይ ኣጻብዑ ዚጥቀም፡ ኣምላኽ እውን ብመንፈሱ ገይሩ እዚ ዚስዕብ ውጽኢት ከም ዚፈሪ ገይሩ እዩ፦

መንፈስ ቅዱስ ኣካል ኣይኰነን

 መጽሓፍ ቅዱስ ንመንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ከም ‘ኣእዳው፡’ “ኣጻብዕ፡” ወይ “ትንፋስ” ኣምላኽ ገይሩ ብምጥቃስ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣካል ከም ዘይኰነ የርኢ። (ዘጸኣት 15:8, 10) ኣእዳው ሓደ ኢደ ጥበበኛ ብዘይ ኣእምሮን ሰብነትን እቲ ኢደ ጥበበኛ ብርእሱ ኣይዓይይን እዩ፣ ብተመሳሳሊ፡ መንፈስ ቅዱስ ብመሪሕነት ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዚዓዪ። (ሉቃስ 11:13) መጽሓፍ ቅዱስ ንመንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ምስ ማይ የመሳስሎ እዩ፣ ከም እምነትን ፍልጠትን ምስ ዝኣመሰለ ነገራት እውን የተሓሕዞ እዩ። እዚ ዅሉ ንጽጽር እዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣካል ከም ዘይኰነ የመልክት።—ኢሳይያስ 44:3፣ ግብሪ ሃዋርያት 6:5፣ 2 ቈረንቶስ 6:6

 መጽሓፍ ቅዱስ ንስም የሆዋ ኣምላኽን ንስም ወዱ የሱስ ክርስቶስን ይጠቅስ እዩ፣ ግናኸ፡ መንፈስ ቅዱስ ስም ከም ዘለዎ ኣይጠቅስን እዩ። (ኢሳይያስ 42:8፣ ሉቃስ 1:31) እቲ ክርስትያን ሰማእት ዝዀነ እስጢፋኖስ ብተኣምር ሰማያዊ ራእይ ክርኢ ኸሎ፡ ሰለስተ ዘይኰነስ፡ ክልተ ኣካል እዩ ርእዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ፡ ናብ ሰማይ ጠመተ፣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ድማ ረኣየ” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 7:55) መንፈስ ቅዱስ፡ ንእስጢፋኖስ ራእይ ኪርኢ ዘኽኣሎ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ ነይሩ።

ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ዘሎ ግጉይ ርድኢት

 ግጉይ ርድኢት፦ ብመሰረት ማቴዎስ 28:19, 20፡ መንፈስ ቅዱስ ክፍሊ ስላሴ እዩ።

 ሓቂ፦ ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20 ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ብሓንሳብ ተጠቒሶም ኣለዉ። ገሊኦም እዚ ንስላሴ ኸም ዜመልክት ይገልጹ። ግናኸ፡ ነታ ጥቕሲ ባዕልኻ እሞ ኣንብባ። ኣብታ ጥቕሲ እዞም ሰለስተ ብዘለኣለማውነትን ብሓይልን ብመዓርግን ብጥበብን ማዕረ ዝዀኑ ሓደ ኣምላኽ ከም ዝዀኑ ዚሕብር ሓሳባት ኣሎ ድዩ፧ የለን። ኣብ ካልእ ጥቕስታት እውን እንተ ዀነ፡ ሰለስቲኦም ብሓደ ኺጥቀሱ ኸለዉ፡ እዚ ሓሳባት እዚ ኣይንረክብን ኢና።

 ግጉይ ርድኢት፦ መጽሓፍ ቅዱስ ንመንፈስ ቅዱስ ብርእሱ ኸም ዚሓስብ ኣካል ገይሩ ስለ ዚዛረበሉ፡ እዚ መንፈስ ቅዱስ ኣካል ምዃኑ ዜረጋግጽ እዩ።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሓደ ግዜ ንመንፈስ ቅዱስ ብርእሱ ኸም ዚሓስብ ኣካል ገይሩ ዚዛረበሉ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ግና መንፈስ ቅዱስ ኣካል ምዃኑ ዜረጋግጽ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንጥበብን ንሞትን ንሓጢኣትን እውን ከም ኣካል ገይሩ ይምስሎ እዩ። (ምሳሌ 1:20፣ ሮሜ 5:17, 21) ንኣብነት፡ ጥበብ፡ ‘ግብርን’ ‘ደቅን’ ከም ዘለዋ ጌርካ ተዘሪቡላ ኣላ፣ ሓጢኣት ድማ ከም ‘መስሓትን’ ‘ቀታልን’ “ትምኒት” ዘለዎን ገይርካ ተገሊጹ ኣሎ።—ማቴዎስ 11:19፣ ሉቃስ 7:35፣ ሮሜ 7:8, 11

 ብተመሳሳሊ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንየሱስ ጠቒሱ ኺዛረብ ከሎ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ከም መርትዖ ዚህብን ዚመርሕን ዚዛረብን ዚሰምዕን ዜኽብርን ዚቕበልን “ሓጋዚ” ገይሩ መሲልዎ ኣሎ። ነዚ “ሓጋዚ” ኺጠቅስ ከሎ ድማ ነቲ “ንሱ” ዚብል ብተባዕታይ ጾታ ዝሰፈረ ብሕታዊ ኽንዲ ስም እዩ ተጠቒሙ። (ዮሃንስ 16:7-15) ከምኡ ዝገበረ ግና እቲ “ሓጋዚ” (ፓራክለቶስ) ዚብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ብተባዕታይ ጾታ ዚሰፍር ስም ብምዃኑን ብመሰረት ሕጊ ሰዋስው ግሪኽኛ ድማ ብተባዕታይ ጾታ ዚሰፍር ክንዲ ስም ስለ ዜድልዮን እዩ። ዮሃንስ ንመንፈስ ቅዱስ በቲ ፕኒውማ ዚብል ጾታ ኣልቦ ስም ገይሩ ኺጠቕሶ ኸሎ፡ ጾታ ኣልቦ ኽንዲ ስም እዩ ተጠቒሙ።—ዮሃንስ 14:16, 17

 ግጉይ ርድኢት፦ ብስም መንፈስ ቅዱስ ምጥማቕ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣካል ምዃኑ የረጋግጽ።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓድሓደ ግዜ ነታ “ስም” እትብል ቃል ንሓይሊ ወይ ንስልጣን ንምምልካት ይጥቀመላ እዩ። (ዘዳግም 18:5, 19-22፣ ኣስቴር 8:10) እዚ ምስቲ “ብስም ሕጊ” ዚብል ኣበሃህላ ይመሳሰል እዩ፣ ከምኡ ኺብሃል ከሎ፡ እቲ ሕጊ፡ ሰብ ወይ ኣካል እዩ ማለት ከም ዘይኰነ ፍሉጥ እዩ። “ብስም” መንፈስ ቅዱስ ዚጥመቕ ሰብ፡ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምፍጻም ፍቓድ ኣምላኽ ዘለዎ ሓይልን ግደን ኣፍልጦ ይህበሉ እዩ።—ማቴዎስ 28:19

 ግጉይ ርድኢት፦ ሃዋርያት የሱስን ካልኦት ቀዳሞት ክርስትያናትን፡ መንፈስ ቅዱስ ኣካል ከም ዝዀነ ይኣምኑ ነይሮም።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ይኹን ታሪኽ ከምኡ ኣይብልን እዩ። ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ኸምዚ ይብል፦ “እቲ መንፈስ ቅዱስ እተፈልየ መለኮታዊ ኣካል እዩ ዚብል መግለጺ . . . ብ381 ድ.ክ. ኣብ ዋዕላ ኮንስታንቲኖፕል እዩ ተኣታትዩ።” እዚ እቲ ናይ መወዳእታ ሃዋርያ ኻብ ዚመውት ልዕሊ 250 ዓመት ጸኒሑ ዝዀነ እዩ።