ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ዋህዮታትካ—ህያዋን ኣብያተ መጻሕፍቲ

ዋህዮታትካ—ህያዋን ኣብያተ መጻሕፍቲ

ብ1953 ጄምስ ዋትሰንን ፍራንሲስ ክሪክን ዝስሞም ብዛዕባ ሞለክዩላት ዜጽንዑ ተመራመርቲ ስነ ህይወት፡ ነቲ ብዛዕባ ህይወት ዘሎና ስነ ፍልጠታዊ ምርዳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ርኽበት ኣሕተሙ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ነቲ እተጠዋወየ መሳልል ዚመስል ቅርጺ ዲ.ኤን.ኤ. እዮም ረኺቦም። * እዚ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ኑክልየስ ዋህዮታት ዚርከብ ንፈትሊ ዚመስል ነገር፡ ኮድ ወይ ከኣ “እተጻሕፈ” ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ፣ ስለዚ፡ ንዋህዮታት ብምሳልያዊ መገዲ ኸም ህያዋን ኣብያተ መጻሕፍቲ ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። እዚ ዜደንቕ ርኽበት እዚ፡ ኣብ ምርምር ስነ ህይወት ሓድሽ መዋእል ዝኸፈተ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ዋህዮታት “ተጻሒፉ” ዚርከብ ሓበሬታ እንታይ ዕላማ እዩ ዘለዎ፧ ልዕሊ እዚ ዜደንቕ ግና፡ ‘እቲ ሓበሬታ ብኸመይ እዩ ኣብኡ ኺኣቱ ኽኢሉ፧’ ዚብል ሕቶ እዩ።

ዋህዮታት፡ ሓበሬታ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

ሓንቲ ዘርኢ ብኸመይ ኦም ከም እትኸውን ወይ ከኣ ሓንቲ ዝጸገየት እንቋቝሖ ብኸመይ ሰብ ከም እትኸውን ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ባህርያትካ ብኸመይ ከም ዝወረስካዮኸ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ እቲ መልሲ፡ ምስቲ ኣብ ዲ.ኤን.ኤ. ዚርከብ ሓበሬታ እተተሓሓዘ እዩ።

ዳርጋ ዅሎም ዋህዮታት፡ ዲ.ኤን.ኤ. ዚብሃሉ እተጠዋወየ ነዊሕ መሳልል ዚመስሉ እተሓላለኹ ሞለክዩላት ኣለዎም። እቶም ንመሳልል ዚመስሉ ኣብ ውሽጢ ሰባት ዚርከቡ እተማልኡ ጕጅለ ዲ.ኤን.ኤ. ወይ ከኣ ጀኖም፡ ኣስታት ሰለስተ ቢልዮን ዚኸውን ከሚካዊ “መደያይቦ” ኣለዎም። እዚ መደያይቦ እዚ፡ ብኽልተ ኬሚካዊ ንጥረ ነገራት ዝቘመ ስለ ዝዀነ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ “መሰረታውያን ጽምዲ” ኢሎም እዮም ዚጽውዕዎም፣ እቲ ከሚካል ኵሉ ዅሉ ኣርባዕተ እዩ። ስም እቲ ንጥረ ነገራት፡ ኤ፡ ሲ፡ ጂ፡ ቲ እዩ፣ እዚ ስም እዚ ድማ፡ ናይ መጀመርታ ፊደላት እቲ ንጥረ ነገራት ብምውሳድ ዝቘመ እዩ። * ክሪክ ብ1957 እቲ ኣብ ትኽ ዝበለ መስመር ብተኸታታሊ እተሰርዐ ከሚካዊ መደያይቦ፡ ብመልክዕ ኮድ እተጻሕፈ መምርሒ ኸም ዜመንጭው ርእይቶኡ ሂቡ ነይሩ እዩ። ብ1960ታት ከኣ እንታይነት እቲ ኮድ ብንጹር ኪፍለጥ ጀመረ።

ብስእሊ፡ ብድምጺ፡ ወይ ከኣ ብቓላት ዚርከብ ሓበሬታ፡ ብብዙሕ መገድታት ኪኽዘንን ኣብ ጥቕሚ ኺውዕልን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኮምፕዩተራት ንሓበሬታ ብዲጂታዊ መገዲ እየን ዚኽዝናኦን ኣብ ጥቕሚ ዜውዕላኦን። ህያዋን ዋህዮታት ከኣ ንሓበሬታ ብከሚካዊ መገዲ እዮም ዚኽዝንዎን ኣብ ጥቕሚ ዜውዕልዎን፣ ቀንዲ ውሁድ እቲ ሓበሬታ ድማ፡ ዲ.ኤን.ኤ. እዩ። ዲ.ኤን.ኤ. ኻብ ሓደ ዋህዮ ናብ ካልእ ዚመሓላለፍ፡ ዋህዮታት ኪመቓቐሉ ኸለዉን ህያዋን ነገራት ኪፋረዩ ኸለዉን እዩ፣ እዚ ኸኣ ንህያዋን ነገራት ካብ ካልእ ዚፈልዮም መለለዪ ጠባይ እዩ።

ዋህዮታት ንሓበሬታ ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙሉ፧ ንዲ.ኤን.ኤ. ብሓደ ኸም እተኣከበ መምርሒ ኣሰራርሓ ምግቢ ጌርካ ሕሰቦ፣ ነፍሲ ወከፍ መምርሒ ድማ በብደረጃኡ እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎ ዚገልጽ ብዝርዝርን ብጥንቃቐን እተጻሕፈ ልክዕ ቃላት ዝሓዘ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ መወዳእታ ዚርአ ውጽኢት፡ ኬክ ወይ ብሽኮቲ ዘይኰነስ፡ ካውሎ ወይ ላም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ህያዋን ዋህዮታት፡ እቲ መስርሕ ምሉእ ብምሉእ ባዕሉ ስለ ዚንቀሳቐስ፡ ኣዝዩ እተሓላለኸ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ዋህዮ ባክተርያ ዚርከብ ሓበሬታ፡ ክንዲ ሓንቲ፡ ሓደ ሽሕ ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ ምዀነ

ጀነቲካዊ ሓበሬታ፡ ክሳዕ እቲ ዜድልየሉ እዋን ተኸዚኑ ይቕመጥ እዩ፣ ሽዑ ንዝኣረጉ ወይ ከኣ ንዝሓመሙ ዋህዮታት ብሓደስቲ ዋህዮታት ንምትካእ ወይ ድማ እተፈላለዩ ባህርያት ናብ ዘርኢ ንምምሕልላፍ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ይኽእል እዩ። ዲ.ኤን.ኤ. ኽንደይ ሓበሬታ እዩ ኺሕዝ ዚኽእል፧ ነቲ ኣዝዩ ዝደቐቐ ህያው ነገር፡ ማለት ንባክተርያ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። በርንት ኦላፍ ኩፐርስ ዝስሙ ጀርመናዊ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት፡ “ብቛንቋ ደቂ ሰብ ኪግለጽ ከሎ፡ እቲ ብዛዕባ ህንጸት ዋህዮታት ባክተርያ ዚገልጽ ሞለክዩላዊ ጽሑፍ፡ ክንዲ ሓንቲ፡ ሓደ ሽሕ ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ ኪኸውን ይኽእል እዩ” በለ። ዴቪድ ዲመር ዝስሙ ፕሮፌሰር ከሚስትሪ፡ “እቲ ዝነኣሰ ዚብሃል ህይወት እውን እንተ ዀነ፡ ኣዝዩ እተሓላለኸ ምዃኑ ዜደንቕ እዩ” ኢሉ ኺጽሕፍ እምበኣር ሓቁ እዩ። ብዛዕባ ጀኖም ደቂ ሰብከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ኩፐርስ፡ “[ጀኖም ደቂ ሰብ] ንሓደ ቤተ መጻሕፍቲ ኺመልእ ዚኽእል ብኣሽሓት ዚቝጸር መጻሕፍቲ ኺሕዝ ይኽእል እዩ” በለ።

“ንሕና ኽንርድኦ ብእንኽእል መገዲ እዩ ተጻሒፉ”

ኩፐርስ ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ ኣብ ዲ.ኤን.ኤ. ዚርከብ ጽሑፍ ከም “ሞለክዩላዊ-ጀነቲካዊ ቛንቋ” ጌርካ ምግላጽ፡ “ምሳልያዊ ኣዘራርባ” ጥራይ ኣይኰነን። “ልክዕ ከም ቋንቋ ደቂ ሰብ፡ ሞለክዩላዊ-ጀነቲካዊ ቛንቋ እውን ኣገባብ ዘለዎን ስርዓት እተኸተለን ቅርጺ ኣለዎ።” ብሓጺሩ፡ ዲ.ኤን.ኤ. “ሰዋስው” ወይ ከኣ ሕግታት ኣለዎ፣ እዚ ሕግታት እዚ፡ እቲ ዚወጽእ መምርሒታት ብኸመይ ከም ዚዋቐርን ከም ዚፍጸምን ብጥንቃቐ ይቈጻጸር እዩ።

እቲ ኣብ ዲ.ኤን.ኤ. ዚርከብ “ቃላት”ን “ምሉእ ሓሳባት”ን፡ እተፈላለየ “መምርሒ ኣሰራርሓ” ዝሓዘ እዩ፣ እዚ መምርሒ እዚ ኸኣ፡ ሓደ ኣካል ዜቝሙ እተፈላለዩ ዋህዮታት ንኺዳለዉ ዜድሊ ፕሮቲንን ካልእ ንጥረ ነገራትን ንኺስራሕ ዚእዝዝ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ “መምርሒ ኣሰራርሓ፡” ዋህዮታት ዓጽሚ፡ ዋህዮታት ጭዋዳ፡ ዋህዮታት መትኒ፡ ወይ ከኣ ዋህዮታት ቈርበት ንኺዳሎ ኺእዝዝ ይኽእል እዩ። ተመራማሪ ፍልቀታዊ ስነ ህይወት ዝዀነ ሪቻርድ ዶከንዝ፡ “እቲ ንፈትሊ ዚመስል ዲ.ኤን.ኤ.፡ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ፣ እዚ ሓበሬታ እዚ ኸኣ ብከሚካዊ ኮድ እተጻሕፈ መልእኽቲ ዀይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ፊደል ብሓደ ከሚካል እዩ ዚውከል” ኢሉ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ንምእማኑ ዜጸግም ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ኮድ ንሕና ኽንርድኦ ብእንኽእል መገዲ እዩ ተጻሒፉ” በለ።

እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ዳዊት፡ ናብ ኣምላኽ ኪጽሊ ኸሎ፡ “ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸሎኹ፡ ረአያኒ፡ . . . ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ” ኢሉ ነበረ። (መዝሙር 139:16) ሓቂ እዩ፡ ዳዊት ብመልክዕ ግጥሚ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ዚዛረቦ ዝነበረ ልክዕ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ኵሎም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርአ ነገር እዩ። ካባታቶም ዝዀነ ይኹን ጸሓፊ፡ ብጽውጽዋይ ወይ ብኣፈ ታሪኽ ጥንታውያን ሰባት እተጸልወ ኣይነበረን።—2 ሳሙኤል 23:1, 2፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16

ሓደ ቘልዓ፡ ባህርያት ወለዱ ዚወርስ ብኸመይ እዩ፧

እቲ ሓበሬታ ብኸመይ እዩ ኣብኡ ኺኣቱ ኽኢሉ፧

ከምቲ መብዛሕትኡ እዋን ዜጋጥም፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ንሓደ ምስጢር ኪፈትሕዎ ኸለዉ፡ ንኻልእ ምስጢር ከኣ መገዲ ይኸፍቱ እዮም። ምስ ዲ.ኤን.ኤ. ብዚተሓሓዝ እውን ከምኡ እዩ ኣጋጢሙ። ዲ.ኤን.ኤ. ኮድ ዘለዎ ሓበሬታ ዝሓዘ ምዃኑ ምስ ተፈልጠ፡ ኣስተውዓልቲ ሰባት፡ ‘እቲ ሓበሬታ ብኸመይ እዩ ኣብኡ ኺኣቱ ኽኢሉ፧’ ኢሎም ሓተቱ። እቲ ናይ መጀመርታ ሞለክዩል ዲ.ኤን.ኤ. ኪስራሕ ከሎ ዝረኣየ ሰብ ስለ ዘየለ፡ ኣብ ናትና መደምደምታ ኢና ኽንበጽሕ ዘሎና። ኰይኑ ግና፡ እቲ መደምደምታና ኣብ ግምት እተመርኰሰ ኪኸውን ኣየድልዮን እዩ። ነዚ ዚስዕብ ንጽጽር እስከ ንርአ።

  • ብ1999 ኣብ ፓኪስታን፡ ስብርባር ሓደ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ ፍልይ ዝበለ ምልክታት ዘለዎ ካይላ ተረኽበ። እቲ ምልክታት እንታይ ከም ዚብል ክሳዕ ሎሚ ኣይተፈልጠን። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ከም ዝጸሓፎ እዩ ዚግመት።

  • ዋትሰንን ክሪክን ንቕርጺ ዲ.ኤን.ኤ. ድሕሪ ምርካቦም ሒደት ዓመታት ጸኒሑ፡ ክልተ ተመራመርቲ ፊዚክስ፡ ካብ ህዋ ብኮድ ዚልኣኽ ናይ ሬድዮ ምልክት እንተ ኣልዩ ኺጻረ ሓሳብ ኣቕረቡ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብ ካልእ ዓለም ዚነብሩ ኣስተውዓልቲ ፍጡራት እንተ ኣልዮም ምርምር ኪግበር ተጀመረ።

እቲ ነጥቢ እንታይ እዩ፧ ሰባት ንሓበሬታ ምስ ምስትውዓል እዮም ዜተሓሕዝዎ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ካይላታት ዚጽሓፍ ምልክታት ወይ ከኣ ካብ ህዋ ዚመጽእ ምልክታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ መደምደምታ እዚ ንምብጻሕ ድማ፡ እቲ ሓበሬታ ኺውሃብ ከሎ ኺርእይዎ ኣየድልዮምን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ደቂ ሰብ ካብ ዝረኸብዎ ኮድ ንላዕሊ ኣዝዩ እተሓላለኸ ንህይወት ዚምልከት ከሚካዊ ኮድ ምስ ተረኽበ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ፡ ‘ሓበሬታ እንተ ኣልዩ፡ ምስትውዓል ዘለዎ ኣካል ኣሎ ማለት እዩ’ ዚብል ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ሓዲጎም፡ ዲ.ኤን.ኤ. ብሃንደበት ከም ዝመጸ ኺዛረቡ ጀመሩ። እዚ ግና ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ድዩ፧ ንሓድሕዱ ዚሳነ ድዩ፧ ስነ ፍልጠታዊ ድዩ፧ ሓያሎ ኣኽቢርካ ዚርኣዩ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ‘ኣይፋልን’ ኢሎም እዮም ዚምልሱ። ዶክተር ጂን ህዋንግን ፕሮፌሰር ያን-ደ ሱን ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። * ነቲ ዝሃብዎ ሓሳብ እስከ ንርአ።

ዶክተር ጂን ህዋንግ፡ ብዛዕባ እቲ መሰረት ጀነቲካ ዝዀነ ሕሳብ እዩ ዜጽንዕ። ብፍልቀት ይኣምን እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ዚገብሮ ምርምር ግና ንኣረኣእያኡ ቐየሮ። ንመጽሔት ንቕሑ!፡ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “ጀነቲካዊ መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ መስርሕ ህይወት ዓሚቝ ምርዳእ ከም ዚህልወካ እዩ ዚገብር፣ እዚ ምርዳእ እዚ ኸኣ፡ ብጥበብ ፈጣሪ ኸም ዝድነቕ እዩ ዚገብረኒ” በለ።

ፕሮፌሰር ያን-ደ ሱ ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ፒንግቱንግ ታይዋን ኣብ ክፍሊ ስነ ፍልጠትን ተክኖሎጅን፡ ሓላፊ ምርምር ድቂ እዩ። ንሱ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ፍልቀት ይኣምን ነይሩ እዩ፣ ጸኒሑ ግና፡ እቲ ዝገበሮ ምርምር፡ ሓሳቡ ኸም ዚቕይር ገበሮ። ዋህዮታት ብኸመይ ከም ዚምቀሉን ብኸመይ ኣብቲ ዜድልዩሉ መዓላ ኸም ዚውዕሉን ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “እቶም ዚድለዩ ዋህዮታት ብቕኑዕ ተርታን ኣብ ቅኑዕ ቦታታትን ኪዳለዉ ኣለዎም። ዋህዮታት ተኣኪቦም ቲሹ (ኣካሊት) ይዀኑ፣ ቲሹ ኸኣ ብሓባር ተኣኪቦም ኣብ ውሽጥና ዚርከብ ኣካል ኰነ ኣእጋርን ኣእዳውን የቝሙ። ኣየናይ መሃንድስ እዩ እሞ ንኸምዚ ዓይነት መስርሕ ዚኸውን መምርሒ ንኺጽሕፍ ኪሓስብ ዚኽእል፧ ኰይኑ ግና፡ ንዕቤት ድቂ ዚኸውን መምርሒታት ኣብ ዲ.ኤን.ኤ. ብዜደንቕ መገዲ ተጻሒፉ ኣሎ። እዚ ዅሉ ነገራት ብኸመይ ብውቁብ መገዲ ኸም እተሰርሐ ምስ ሓሰብኩ፡ ህይወት ብኣምላኽ ከም እተነድፈት ክኣምን ክኢለ።”

ጂን ህዋንግን (ጸጋም) ያን-ደ ሱን

እዚ ዜገድስ ድዩ፧

ብፍትሓዊ መገዲ እንተ ርኢናዮ፡ እወ ኣገዳሲ እዩ። ንህይወት ዝፈጠራ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ምስጋና ዚግብኦ፡ ኣምላኽ ደኣ እምበር ፍልቀት ኣይኰነን። (ራእይ 4:11) ብዘይካዚ፡ ብጥበቡ ደረት ዘይብሉ ፈጣሪ እንተ ፈጢሩና፡ ህይወትና ዕላማ ኣለዋ ማለት እዩ። ኰይኑ ግና፡ ህይወት ብሃንደበት ዝመጸት እንተ ዀይና፡ ዕላማ የብላን። *

ኣስተውዓልቲ ሰባት፡ ዜዕግብ መልሲ ንምርካብ ይህንጠዩ እዮም። ፕሮፌሰር ስነ መትንን ሳይክያትርን ዝነበረ ቪክቶር ፍራንክል፡ “ወዲ ሰብ ብዛዕባ ትርጉም ህይወት ኪፈልጥ ዚገብሮ ጻዕሪ፡ ብህይወት ንኪቕጽል ካብ ዚድርኾ ቐንዲ ነገራት እዩ” በለ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ መንፈሳዊ ጥሜት ኣሎና፡ ካብ ጥሜትና ኽንገላገል ከኣ ንደሊ ኢና፣ እዚ ጥሜት እዚ ትርጉም ኪህልዎ ዚኽእል ግና፡ ብኣምላኽ እተፈጠርና እንተ ዄንና ጥራይ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብኣምላኽ እተፈጠርና እንተ ዄንና፡ ንሱ ነቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልየና ነገራት ከነማልኦ ዜኽእለና መሰናድዎ ገይሩ ድዩ፧

የሱስ ክርስቶስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኺምልሳ ኸሎ፡ “ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ [ወይ ኣምላኽ] ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” በለ። (ማቴዎስ 4:4) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃላት የሆዋ፡ ንሚልዮናት ሰባት ካብ መንፈሳዊ ጥሜት ገላጊልዎም እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ኪነብሩ ኽኢሎም እዮም፡ ንመጻኢ ኸኣ ተስፋ ኺህልዎም ክኢሉ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 2:13) ንስኻ እውን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሳሳሊ ጥቕሚ ኽትረክብ ንምነየልካ። እንተ ወሓደ ነዚ ፍሉይ መጽሓፍ እዚ ኽትምርምሮ ኣሎካ።

^ ሕ.ጽ. 3 ዋትሰንን ክሪክን፡ ነቲ ኣቐዲሞም ዝነበሩ ተመራመርቲ ብዛዕባ ዲ.ኤን.ኤ. ዝረኸብዎ ነገራት እዮም ወሲኾምሉ፣ ዲ.ኤን.ኤ. ኣሕጽሮት ኰይኑ፡ “ዳይኦክሲሪቦኑክለያዊ ኣሲድ” ማለት እዩ።—“ ዲ.ኤን.ኤ.—ኣገደስቲ ዕለታት” እትብል ሳጹን ርአ።

^ ሕ.ጽ. 6 እተን ፊደላት ነተን ኣደኒን፡ ሲተሲን፡ ጓኒን፡ ታይሚን ዚብላ ቓላት ዚውክላ እየን።

^ ሕ.ጽ. 18 ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና፡ ምስ ሓያሎ ኣኽቢርካ ዚርኣዩ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት እተገብረ ቓለ መጠይቕ ይርከብ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 22 ንፍጥረትን ንፍልቀትን ዚምልከት ሕቶታት፡ ኣብተን ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ —ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ (መበቈል ህይወት—ሓሙሽተ ኣገዳሲ ሕቶታት) ከምኡ እውን ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ፧ (ህይወት ተፈጢሩ ድዩ፧) ዚብላ ብሮሹራት ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ፣ ኣብ www.ps8318.com እውን ይርከባ እየን።