ግምቢ ዘብዐኛ ታሕሳስ 2012

ገበር

ኣብ እዋን በዓል ልደት ባህታ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ምስ ስድራ ቤትካን ፈተውትኻን ግዜ ምሕላፍ፡ ንጽጉማት ምሕጋዝ ከምኡ እውን ንየሱስ ምዝካር​—እዚ ዅሉ ጠቓሚ እዩ። ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር እንታይ እዩ፧

ገበር

ንየሱስ ክርስቶስ ምዝካር

ንየሱስ ብዝሓሸ ኸነኽብሮን ክንዝክሮን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ገበር

ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ በዓል ልደት፡ ውህበት ምውህሃብ ዝያዳ ሓጐስ ዘይኰነስ፡ ዝያዳ ውጥረት እዩ ዜምጽእ። እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዝ ይኽእል፧

ገበር

ንጽጉማት ምሕጋዝ

ቃል ኣምላኽ ኣብ ምሉእ ዓመት ለዋሃትን ለጋሳትን ክንከውን የተባብዓና። እንታይ ንጹር ምኽሪ እዩ ዚህብ፧

ገበር

ምትእኽኻብ ስድራ ቤት

ሓያሎ ስድራ ቤታት፡ ኣብ እዋን በዓል ልደት ብምትእኽኻብ ሰናይ ግዜ ኼሕልፋ ይምነያ እየን። ዜተሓታትት ስለምንታይ እዩ፧

ገበር

‘ሰላም ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት’

ሰዓብቲ የሱስ ናይ ሓቅን ነባርን ሰላም ኬስተማቕሩ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

ገበር

ዝበለጸ ረኺቦም

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ክርስትያናት፡ በዓል ልደት ኣየብዕሉን እዮም። ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ውሳነ እንታይ እዩ ዚስምዖም፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ገሊኦም ሰባት፡ በዓል ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

ንየሱስ ዜፍቅሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት በዓል ልደት ዘየብዕሉሉ ኣርባዕተ ምኽንያት ርአ።

ንኣምላኽ ቅረቦ

ኣብ “መጽሓፍ መዘከርታ” ኣምላኽ ኣሎኻዶ፧

መጽሓፍ መዘከርታ እንታይ እዩ፧ ስምካ ኣብኡ ምእንቲ ኺምዝገብ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ታሪኽ ህይወት

ኣብ መወዳእታ ናይ ሓቂ ናጽነት ረኸብኩ!

ማርያ ኪሊን ኣብ ሰሜን ኮርያ ተኣሲራ ኸላ ብኸመይ ብህይወት ከም ዝተረፈትን ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ናጽነት ክትረክብ ብኸመይ ከም ዝሓገዛን ኣንብብ።

ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር

ኣምላኽ ንየሱስ ናብ ምድሪ ዝለኣኾ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ናብ ምድሪ ስለምንታይ ከም ዝመጸን ሎሚ እውን ካብዚ ብኸመይ ከም እንጥቀምን ፍለጥ።

ቀደም ትነብር ከም ዝነበርካ ዲኻ እትኣምን፧

ብሪኢንካርነሽን ምእማን ህቡብ ኰይኑ ኣሎ። ግናኸ መጽሓፍ ቅዱስ ዚድግፎ ትምህርቲ ድዩ፧

ትፈልጥዶ፧

ብዛዕባ እቲ ኻብ ምዉት ባሕሪ ዚመጽእ ጨው ከምኡ እውን ብዛዕባ ዋጋ እቲ ብግዜ የሱስ ዝነበረ ሰልዲ ድሪም ፍለጥ።

ኣብ ምንታይ እየ ኣትየ፧

ኣብ በኒን ሓንቲ ሚስዮናዊት፡ ጽሙማት ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡ ንምሕጋዝ ቋንቋ ምልክት ብኸመይ ከም እተማህረት ኣንብብ።

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ዅሕለ ምሕሊ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበራ ኣንስቲ ጽባቀአን ንምጕላሕ እንታይ እየን ዚጥቀማ ነይረን፧

“ታሪኽ ኣይሕሱን እዩ”

ብ1 ሚያዝያ 1951፡ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ኢስቶንያ ናብ ሳይቤርያ ተጠሪዞም። ስለምንታይ፧

ንደቅኻ ምሃሮም

ዮታም፡ ኣብ ስድራ ቤቱ ሽግር እናሃለወ ኽነሱ፡ እሙን ኰይኑ ቐጸለ

ዋላ እኳ ወለድኻ ንኣምላኽ ዘየገልግሉ እንተ ዀኑ፡ ናብኡ ኽትቀርብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧