ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ሰላም ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት’

‘ሰላም ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት’

“ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት።”—ሉቃስ 2:14

ገሊኣቶም፡ በዓል ልደት ዜብዕሉሉ ምኽንያት።

ጳጳስን ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖትን፡ እቲ፡ “ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ብምባል መላእኽቲ ዝኣወጅዎ ኣዋጅ ኣብ እዋን በዓል ልደት ከም ዚፍጸም ተስፋ ብምግባር፡ ዓመት ዓመት መልእኽቲ ሰላም ይሰብኩ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ነዚ በዓል እዚ ንኼብዕሉ ኢሎም፡ ናብ ፍሉይ ቦታታት ይጓዓዙ እዮም።

ዜተሓታትት ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ እዋን በዓል ልደት ሰላም እንተ ኣልዩ ንግዜኡ ጥራይ እዩ ዚጸንሕ። ንኣብነት፡ ኣብ ታሕሳስ 1914 ኣብ ኤውሮጳ ቐዳማይ ውግእ ዓለም እናተኻየደ ኸሎ፡ ወተሃደራት ብሪጣንያን ጀርመንን ካብ ድፋዓቶም ወጺኦም፡ ሓቢሮም በዓል ልደት ኣብዓሉ። ምግብን መስተን ሽጋራን ድማ ይውሃሃቡ ነበሩ። ኵዕሶ እግሪ እውን ከይተረፈ ተጻዊቶም እዮም። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ሰላም ብዙሕ ኣይጸንሐን። ሓደ ወተሃደር ብሪጣንያ ኻብ ግንባር ኣብ ዝለኣኻ ደብዳበ፡ ሓደ ወተሃደር ጀርመን፡ “ሎሚ ሰላም ኣሎና። ጽባሕ ግና ንስኻ ንሃገርካ፡ ኣነ ኸኣ ንሃገረይ ክንዋጋእ ኢና” ኸም ዝበሎ ገለጸ።

እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዝ ይኽእል፧

“ሕጻን ተወሊዱልና፡ . . . ስሙውን . . . መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ። . . . ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን።” (ኢሳይያስ 9:6, 7) እዚ ብዛዕባ የሱስ እተነግረ ትንቢትሲ ዜጸናንዕዶ ኣይኰነን፧ የሱስ ኣብ ምድሪ እተወልደ፡ ኣብ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ሰላም ንኼምጽእ ኣይኰነን። ኣብ ሰማይ ኰይኑ ብምግዛእ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ሓቂ ሰላም ኬምጽእ እዩ።

“ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኩም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ።” (ዮሃንስ 16:33) የሱስ ከምቲ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ መንጎኦም ሰላም ንኺህሉ ዝሓገዞም፡ ሎሚ እውን ንሰዓብቱ ይሕግዞም እዩ። ክርስትያናት ጸበባ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝረኸብዎ ትምህርቲ፡ ስለምንታይ መከራ ኸም ዘሎን የሱስ ብኸመይ ነባሪ ሰላም ከም ዜምጽእን ይፈልጡ እዮም። ስለዚ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም ኣለዎም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንቓላት የሱስ ኣብ ግብሪ ስለ ዜውዕልዎ፡ ዜግነቶም፡ ሕብሪ ቘርበቶም፡ ዓሌቶም፡ ወይ ቋንቋኦም ብዘየገድስ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰላም ኣለዎም። ኣብቲ ዚእከቡሉ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ኼድካ፡ ነዚ ባዕልኻ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ምናልባት ንስኻውን ከምቲ ሓያሎ ኻልኦት ሰባት ዝገበርዎ፡ እዚ ሰላም እዚ ኻብቲ ኣብ እዋን በዓል ልደት ዚርከብ ዝዀነ ይኹን ሰላም ከም ዚበልጽ ትሰማምዓሉ ትኸውን።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕብሪ ቘርበቶም፡ ወይ ቋንቋኦም ብዘየገድስ፡ ሰላምን ሓድነትን ኣለዎም። ኣብቲ ዚእከቡሉ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ኼድካ፡ ነዚ ባዕልኻ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ።