ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንደቅኻ ምሃሮም

ዮታም፡ ኣብ ስድራ ቤቱ ሽግር እናሃለወ ኽነሱ፡ እሙን ኰይኑ ቐጸለ

ዮታም፡ ኣብ ስድራ ቤቱ ሽግር እናሃለወ ኽነሱ፡ እሙን ኰይኑ ቐጸለ

ወላዲ ኻብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እንተ ርሒቑ፡ ውሉድ ህይወት ኪመሮ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ዮታም እስከ ንዘራረብ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ ቝልዕነቱ ዘጋጠሞ ጸገማት ከኣ ክንመሃር ኢና።

ዑዝያ፡ ኣቦ ዮታም፡ ንጉስ ይሁዳ ነበረ። ንሱ ኣብታ ሃገር እቲኣ፡ ዝሓየለ ሰብ እዩ ነይሩ። እዚ ንጉስ እዚ፡ ንሓያሎ ዓመታት፡ ክሳዕ እቲ ዮታም እተወልደሉ ግዜ እውን ከይተረፈ፡ ጽቡቕ ይገብር ነበረ። ጸኒሑ ግና፡ ዮታም ገና ቘልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዑዝያ ተዓበየ፡ ሕጊ ኣምላኽ ከኣ ኣፍረሰ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ በቲ ኽፉእ ሕማም ደዌ ወቕዖ። ድሕሪኡ ዮታም እንታይ ከም ዝገበረ ትፈልጥዶ፧ a

ዮታም ንየሆዋ ምግልጋሉ ቐጺሉ እዩ። ምናልባት ኣዲኡ የሩሻ ሓጊዛቶ ኽትከውን ትኽእል እያ። ምስናይ እዚ ግና፡ ኣቦኡ ዑዝያ ኻብ ቤት የሆዋ ምስ ረሓቐ፡ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ኪቕጽል ከቢድዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣቦኻ ወይ ኣዴኻ ንየሆዋ ምግልጋል እንተ ኣቋሪጾምከ፧ ንየሆዋ ምግልጋል ኣይምኸበደካንዶ፧— ይኹን እምበር፡ ከምዚ እንተ ዜጋጥመካ ነይሩ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ምሕሳብ ጌጋ ኣይኰነን። ነቲ ዳዊት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፎ ነዚ ዚሕብር ሓሳባት እስከ ንመርምሮ።

እሰይ፡ ኣቦ ዳዊት፡ ቅኑዕ ዚገብር ሰብ እዩ ነይሩ። ንሱ ንየሆዋ የገልግል ነበረ፣ ዳዊት ነቦኡ የፍቅሮ ኸም ዝነበረ እውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ ዳዊት ካብ ንኣቦኡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኸፍቅሮ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ከምኡ ዝበልናሉ ምኽንያት ንርአ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መዝሙር 27:10 ንገንጽል። ዳዊት ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፡ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” በለ። ብዛዕባ እዚ እሞ ሕሰብ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ እሰይ እቲ ኣቦ ዳዊት፡ ወይ ከኣ ኣደ ዳዊት ንየሆዋ ምግልጋል እንተ ዜቋርጹ ነይሮም፡ ዳዊት ንየሆዋ ምግልጋሉ ኸም ዚቕጽል እዩ ዚሕብር።

ንስኻኸ፧ ኣቦኻ ወይ ኣዴኻ ንየሆዋ ምግልጋል እንተ ዜቋርጹ ነይሮም፡ ንየሆዋ ምግልጋልካ ምቐጸልካዶ፧— ንርእስኻ ኸምኡ ኢልካ ኽትሓትታ ጽቡቕ እዩ። እቲ ምኽንያት ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣገዳሲ ትእዛዝ ይተሓሓዝ። ከምዚ ይብል፦ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ።”

እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ኣብ ከቢድ ኵነታት እውን ከይተረፈ፡ ንየሆዋ እሙን ክትከውን ከም ዘሎካ ይሕብር። ንየሆዋ ኸይነገልግል ዚደልየና መን እዩ ምበልካ፧— እቲ ጸላእ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። የሱስ ንዕኡ፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢልዎ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሰይጣን፡ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ይብሎ እዩ። ንሰይጣን ክንፈርሆ ይግባእዶ፧

ክንፈርሆ ኣይግባእን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ ኻብ ሰይጣን ከም ዚሕይል ክንዝክር ይግባእ። የሆዋ፡ ኣብኡ እንተ ተወኪልና፡ ኬዕቝበና ይኽእል እዩ። ንሱ ንዳዊት ካብቲ ዜፍርህ ዝነበረ ገዚፍ ጎልያድ ብኸመይ ከም ዘዕቈቦ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ። ንስኻ እውን ንየሆዋ እሙን ኴንካ እንተ ቐጺልካ፡ ኬዕቝበካ ይኽእል እዩ።

a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።