ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ ክትርእዮ ትኽእልዶ፧

ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ ክትርእዮ ትኽእልዶ፧

“ኣምላኽ መንፈስ እዩ።” መንፈስ ከኣ ብኣዒንቲ ሰባት ኣይርአን እዩ። (ዮሃንስ 4:24) ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም ሰባት ንኣምላኽ ከም ዝረኣይዎ ይገልጽ እዩ። (እብራውያን 11:27) እዚ ብኸመይ እዩ ዚከኣል፧ ነቲ “ዘይርአ ኣምላኽ” ብሓቂዶ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ፧—ቈሎሴ 1:15

ንዅነታትና ምስ ኵነታት ሓደ ብዕውሩ እተወልደ ሰብ እስከ ነመሳስሎ። እቲ ብዕውሩ እተወልደ ሰብ፡ ዑረቱ ኣብ ከባቢኡ ንዘሎ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይርድኦ ድዩ ዚገብሮ፧ ኣይፋሉን። ኣብ ከባቢኡ ንዘሎ ሰብን ነገርን ንጥፈትን ኪርድኣሉ ዜኽእሎ ሓበሬታ ብእተፈላለየ መገድታት ይቕበል እዩ። ሓደ ዓይነ ስዉር፡ “ርእየት ኣብ ኣዒንቲ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣእምሮ እዩ ዘሎ” በለ።

ብተመሳሳሊ፡ ንኣምላኽ ብስጋዊ ኣዒንትኻ ኽትርእዮ ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀንካ፡ ‘ብኣዒንቲ ልብኻ’ ግና ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። (ኤፌሶን 1:18) ነዚ ንምግባር ኪሕግዘካ ዚኽእል ሰለስተ መገድታት ንርአ።

“ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ”

ሓደ ዓይነ ስዉር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ምስማዕን ምድህሳስን ክእለቱ ልዕል ዝበለ ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ህዋሳት እዚ ነቲ ኺርእዮ ዘይክእል ነገራት ንኺፈልጦ ኺጥቀመሉ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንህዋሳትካ ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ ነገራት ንምምርማርን ነቲ ዘይርአ ፈጣሪ ንምፍላጥን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ፧ “እቲ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ . . . ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ እዩ።”—ሮሜ 1:20

ንኣብነት፡ ብዛዕባ ምድርና እሞ ንሕሰብ። ምድሪ ንዘለኣለም ንኽንነብረላ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተሓጒስና ንኽንነብረላ እውን እያ ተፈጢራ። ህዱእ ንፋስ ኪነፍስ ከሎ፡ ጸሓይ ክንጽሎ ኸለና፡ ምዑዝ ፍረ ኽንጥዕም ከለና፡ ወይ ከኣ ባህ ዜብል ድምጺ ኣዕዋፍ ክንሰምዕ ከለና ንሕጐስ ኢና። እዚ ውህበት እዚ፡ ፈጣሪና ሓላይን ለዋህን ለጋስን ከም ዝዀነ ዚገልጽዶ ኣይኰነን፧

ካብቲ ኣብ ዩኒቨርስ እትርእዮ ነገራት ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧ ሓደ ኻብቲ እትመሃሮ ትምህርቲ፡ ሰማያት ሓይሊ ኣምላኽ ዚገልጽ ምዃኑ እዩ። ዩኒቨርስ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብፍጥነት ይዝርጋሕ ከም ዘሎ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ብስነ ፍልጠት እተረኽበ መርትዖ ይሕብር። ለይቲ ናብ ሰማይ ክትጥምት ከለኻ፡ ‘ምንጪ እቲ ዩኒቨርስ ብፍጥነት ከም ዚዝርጋሕ ዚገብሮ ዘሎ ሓይሊ እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፈጣሪ፡ ‘ዕቤት ምልኪ’ ኸም ዘለዎ ይነግረና እዩ። (ኢሳይያስ 40:26) እቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ነገራት፡ ፈጣሪ ‘ዅሉ ዚኽእልን ብሓይሊ ዓብይን’ ከም ዝዀነ የርእየና።እዮብ 37:23

“ንሱ ገለጾ”

ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ክልተ ቘልዑ ዘለዉዋ ሓንቲ ኣደ፡ “ሓደ ኻብቲ ኺመሃሩሉ ዚኽእሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ መዳይ ዘረባ እዩ። ስለዚ፡ ንዅሉ እትርእዮን እትሰምዖን ነገራት ንገሮም፡ ንኽትገልጸሎም ከኣ ተዳሎ። ኣዒንቶም ንስኻ ኢኻ” በለት። ብተመሳሳሊ፡ “ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን።” ይኹን እምበር፡ “እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦ ዘሎ” ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ “ንሱ ገለጾ።” (ዮሃንስ 1:18) እቲ ናይ መጀመርታ ፍጥረትን ሓደ ወዲ ኣምላኽን ዝዀነ የሱስ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎ ንኽንርኢ ዚሕግዘና “ኣዒንትና” ዀይኑ እዩ። ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ፡ ከም የሱስ ገይሩ ኺገልጾ ዚኽእል ካልእ ኣካል የለን።

እቲ ምስ ኣቦኡ ማእለያ ንዘይብሉ እዋናት ዝነበረ የሱስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ብመጠኑ እንታይ ኢሉ ኸም ዝገለጸ ንርአ፦

  • ኣምላኽ ብትግሃት ይዓዪ። “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ።”—ዮሃንስ 5:17

  • ኣምላኽ እንታይ ከም ዜድልየና ይፈልጥ። “ኣቦኹም ገና  ኸይለመንኩምዎ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ።”—ማቴዎስ 6:8

  • ኣምላኽ ዜድልየና ዘበለ ብጸጋ ይህበና። “እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም . . . ንእኩያትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ከኣ ዝናም የዝንም እዩ።”—ማቴዎስ 5:45

  • ኣምላኽ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኣኽቢሩ ይርእየና። “ክልተ ጨራሩ ብዘይትረብሕ ሳንቲም ደይኰናን ዚሽየጣ፧ ሓንቲ ኻባታተን እኳ፡ ኣቦኹም ከይፈለጠ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ። ኵለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ተቘጺረን እየን። እምበኣር፡ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።”—ማቴዎስ 10:29-31

ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ ዘንጸባረቖ ሰብ

ዓይነ ስዉራን ንነገራት ካብቶም ኪርእዩ ዚኽእሉ ሰባት ብእተፈልየ መገዲ እዮም ዚርድእዎ። ሓደ ዓይነ ስዉር፡ ንጽላሎት ከም ሓደ ብርሃን ዘይብሉ ጸልማት ቦታ ገይሩ ዘይኰነስ፡ ከም ሓደ ሙቐት ዘይብሉ ዝሑል ቦታ ገይሩ እዩ ዚርድኦ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ምሉእ ብምሉእ ዝዓወረ ሰብ፡ ጽላሎት ኰነ ብርሃን ኪርኢ ዘይክእል፡ ንየሆዋ ብገዛእ ርእስና ኽንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፡ የሆዋ ንባህርያቱ ምሉእ ብምሉእ ዘንጸባረቖ ሰብ ኣዳለወልና።

እቲ ሰብ እቲ ድማ የሱስ እዩ። (ፊልጲ 2:7) ንሱ ብዛዕባ ኣቦኡ ተዛሪቡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣቦኡ ኸመይ ከም ዚመስል እውን ኣርእዩና እዩ። እቲ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ ፊልጶስ፡ “ንኣቦ ኣርእየና” ኢሉ ሓተተ። የሱስ ከኣ፡ “እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። (ዮሃንስ 14:8, 9) በቲ የሱስ ዝገበሮ ተግባራት ብዛዕባ ኣቦ እንታይ ኢኻ “ኽትርኢ” እትኽእል፧

የሱስ ርሕሩሕን ትሑትን ተቐራብን እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 11:28-30) እቲ ባህ ዜብል ባህርያቱ፡ ንሰባት ንዕኡ ኸም ዚቐርብዎ ገይርዎም እዩ። ከመይሲ፡ ኪጕህዩ ኸለዉ ይጕሂ፡ ኪሕጐሱ ኸለዉ ኸኣ ይሕጐስ ነበረ። (ሉቃስ 10:17, 21፣ ዮሃንስ 11:32-35) ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ጸብጻብ ከተንብብ ወይ ክትሰምዕ ከለኻ፡ ንህዋሳትካ ተጠቐመሉ፡ ነቲ ፍጻመታት ከኣ ኣብ ኣእምሮኻ ህያው ጌርካ ስኣሎ። ነቲ የሱስ ንሰባት ዝሓዘሉ መገዲ ተስተንትነሉ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ዜደንቕ ባህርያት ኣምላኽ ብዝያዳ ኣነጺርካ ኽትርእዮን ንኣምላኽ ክትቀርቦን ኢኻ።

ገጣጢምካ ምሉእ ስእሊ ምስኣል

ሓደ ደራሲ፡ ብዛዕባ እቲ ሓደ ዓይነ ስዉር ኣብ ከባቢኡ ንዘሎ ነገራት ዚፈልጠሉ መገዲ፡ ከምዚ ብምባል ይገልጾ፦ “ካብ እተፈላለየ ምንጭታት (ምድህሳስ፡ ምሽታት፡ ምስማዕ፡ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ) ንኣሽቱ ሓበሬታታት ይኣኻኽብ እሞ ኣብ ሓደ ብምጥርናፍ ምሉእ ሓበሬታ ይገብሮ” በለ። ብተመሳሳሊ፡ ፍጥረታት ኣምላኽ ክትዕዘብ ከለኻ፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ኣቦኡ እተዛረቦ ነገራት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ከምኡ እውን ነቲ ንባህርያት ኣምላኽ ዘንጸባረቐሉ መገዲ ኽትምርምሮ ኸለኻ ኣብ ኣእምሮኻ ጽቡቕ ስእሊ የሆዋ እዩ ዚስኣል። እወ፡ የሆዋ ብዝያዳ ንጹር እዩ ዚዀነልካ።

እቲ ጥንቲ ዚነብር ዝነበረ እዮብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ እዩ ኣሕሊፉ። እዮብ ኣብ ፈለማ፡ “ብዘይ ፍልጠት” ተዛረበ። (እዮብ 42:3) ነቲ ዜደንቕ ፍጥረት ኣምላኽ ብጥንቃቐ ምስ መርመሮ ግና፡ “ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ፡ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ” በለ።—እዮብ 42:5

‘ንየሆዋ እንተ ደሌኻዮስ፡ ኪርከበልካ እዩ’

ንዓኻ እውን ከምኡ ኼጋጥመካ ይኽእል እዩ። ንየሆዋ “እንተ ደሌኻዮስ፡ ኪርከበልካ እዩ።” (1 ዜና መዋእል 28:9) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ ንኽትደልዮን ንኽትረኽቦን ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።