ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተክኖሎጂ

ሞባይል ወይ ካልእ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ እንተ ኣልዩካ፡ ንነዊሕ ሰዓታት ኣብኡ ተተኺልካ ኽትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። እሞ ደኣ ንተክኖሎጂ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧

ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ

ብዛዕባ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧

ቅድሚ ሕጂ ዘይሓሰብካሉ ጥቕምን ጕድኣትን ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

ጸወታታት ቪድዮ፦ ብሓቂዶ ትዕወት ኢኻ ዘለኻ፧

ጸወታታት ቪድዮ ኬፍ ዘለዎ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደጋታት እውን ኣለዎ። ነዚ ሓደጋታት እዚ ኣወጊድካ፡ ብሓቂ ኽትዕወት እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ንርእስኻ ባዕልኻ ዲኻ እትቈጻጸራ፡ ወይስ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትካ፧

ኣብ እተኣሳሰረት ዓለም እኳ እንተ ነበርካ፡ ተክኖሎጂ ኺቈጻጸረካ ግና የብሉን። ብኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኻ ኸም እተወለፍካ ኸመይ ጌርካ ትፈልጥ፧ እዚ ጸገም እዚ እንተ ኣልዩካ፡ ከመይ ጌርካ ንህይወትካ ኽትቈጻጸሮ ትኽእል፧

ብሞባይል መልእኽቲ ኽትልእኽ ከለኻ፡ ብኸመይ ጽቡቕ ጠባይ ከም እተርኢ

ነቲ ብሞባይል እተላእከልካ መልእኽቲ ንምርኣይ ኢልካ ንዕላልካ ኸተቋርጾ ነውሪ ድዩ፧ ንዕላልካ ምእንቲ ኸይተቋርጾ ኢልካ ነቲ መልእኽቲ ሸለል ምባልከ ነውሪ ድዩ፧

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧—ሞባይል ተሌፎን

ብዙሓት መንእሰያት ንሞባይል ተሌፎን ከም ማሕበራዊ መራኸቢኦም ገይሮም እዮም ዚጥቀሙላ። ጥቕምን ጕድኣትን ሞባይል ተሌፎን እንታይ እዩ፧

ማሕበራዊ መራኸቢ

ንማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቐሉ

ምስ መሓዙትካ ብኢንተርነት ክትራኸብ ከለኻ፡ ካብ ሓደጋታት ተጠንቀቕ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ህቡብ ምዃን ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

ገሊኦም ዝያዳ ሰዓብትን ተፈታውነትን ንምርካብ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዉ። እሞኸ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ህቡብ ምዃን የዋጽእ ድዩ፧

ወለደይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኽጥቀም እንተ ዘይፈቐዱለይከ፧

ኵሉ ሰብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዚጥቀም ኪመስለካ ይኽእል እዩ፣ ብሓቂ ግና ከምኡ ድዩ፧ ወለድኻ ነዚ ኽትጥቀም እንተ ዘይፈቒዶምልካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ኣብ ኢንተርነት ስእልታት ብዛዕባ ምዝርጋሕ እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧

ዝፈቶኻዮ ስእልታት ኣብ ኢንተርነት ምልጣፍ ምስ ፈተውትኻን ስድራ ቤትካን ከይትረሓሓቕ ዚሕግዝ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደጋ እውን ኣለዎ።

ብኢንተርነት እድንደን እንተ ኣልየኸ፧

ርእስኻ ምእንቲ ኸተዕቍብ፡ ክትፈልጦ ዘሎካን ክትገብሮ እትኽእልን ነገራት።

ብኢንተርነት ንዚድንድነካ ሰብ ብኸመይ ስቕ ከም እተብሎ

እዚ ወረቐት ዕዮ እዚ ብዛዕባ ጥቕምን ጕድኣትን እተፈላለየ ኣማራጺታት ተጠንቂቕካ ኽትሓስብን ነቲ ዚድንድነካ ሰብ ስቕ ከተብሎ ዜኽእለካ መደባት ከተውጽእን ኪሕግዘካ እዩ።

ሕቡእ ሓደጋታት

ብሓንሳእ ብዙሕ ንጥፈታት ክትዓምም ምፍታንሲ ጽቡቕ ድዩ፧

ኣትኵሮኻ ኸይተኸፋፈለ ብሓንሳእ እተፈላለየ ንጥፈታት ክትዓምም ትኽእል ዲኻ፧

ብኸመይ እየ ኸተኵር ዝኽእል፧

ተክኖሎጂ ኣቓልቦኻ ኺሰርቀሉ ዚኽእልን ኣትኵሮኻ ብኸመይ ከተመሓይሽ ከም እትኽእልን ዜርኢ ሰለስተ መዳያት ርአ።