ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕረፍቲ

መዘናግዒ ኼዛንየካ ወይ ኬድክመካ ይኽእል እዩ። ንዕረፍትኻ ኸመይ ጌርካ ብጥበብ ክትጥቀመሉ ኸም እትኽእል ፍለጥ።

ዝመርጾ ሙዚቃ የገድስ ድዩ፧

ሙዚቃ ሓይሊ ስለ ዘለዎ፡ እትሰምዖ ሙዚቃ ብኸመይ ብጥበብ ከም እትመርጽ ተምሃር።

ብዛዕባ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧

ቅድሚ ሕጂ ዘይሓሰብካሉ ጥቕምን ጕድኣትን ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

ጸወታታት ቪድዮ፦ ብሓቂዶ ትዕወት ኢኻ ዘለኻ፧

ጸወታታት ቪድዮ ኬፍ ዘለዎ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደጋታት እውን ኣለዎ። ነዚ ሓደጋታት እዚ ኣወጊድካ፡ ብሓቂ ኽትዕወት እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ብዛዕባ ስፖርት ክትፈልጦ ዘሎካ ነገራት

ስፖርት ከም ምትሕብባርን ምርድዳእን ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ኽእለት ኪምህረካ ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ስፖርት ኣብ ህይወትካ ቐዳማይ ቦታ ኺውሃቦዶ ይግባእ፧

ብዛዕባ ስፖርት እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧

እትጻወቶ ዓይነት ጸወታ፡ እትጻወተሉ መገዲ፡ ኣብ ጸወታ እተሕልፎ ግዜ መርምር።

ሓደገኛ መዘናግዕስ ግቡእ ድዩ፧

ብዙሓት መንእሰያት ውዕዉዕ ስምዒት ምእንቲ ኺስምዖም ኢሎም፡ ኣብ ሓደገኛ ንጥፈታት ይሳተፉ እዮም። ንስኻኸ ኸምኡ ኽትገብር ትፍተንዶ፧

ከመይ ገይረ እየ ንግዜይ ከመሓድሮ ዝኽእል፧

ነቲ ኽቡር ግዜኻ ምእንቲ ኸይተባኽን፡ ሓሙሽተ ነጥቢ ኺሕግዘካ ይኽእል።

እንተ ሰልክዩኒ፡ እንታይ ክገብር እኽእል፧

ተክኖሎጂ ይሕግዝ ድዩ፧ ኣረኣእያ ለውጢ የምጽእ ድዩ፧

ስሒር ጕድኣት ዘይብሉ መዘናግዒ ድዩ፧

ሓያሎ ሰባት ኣብ ቈጸራ ኸዋኽብትን ቫምፓየራትን ጠንቈልትን ዞምቢታትን ተገዳስነት ኣሕዲሮም ኣለዉ። ግናኸ፡ ብዛዕባ እዚ ኽትፈልጦ ዘሎካ ሓደጋታት ኣሎ ድዩ፧