ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንነት

ንስኻ መን ኢኻ፧ እንታይ መትከላት እዩ ዘሎካ፧ መንነትካ ብንጹር እትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ብኻልኦት ኣብ ክንዲ እትዝወር፡ ህይወትካ ባዕልኻ ኽትመርሕ ትኽእል ኢኻ።

ባህርያተይ

ክሳዕ ክንደይ እዩ ሓላፍነት ዚስምዓኒ፧

ገሊኦም መንእሰያት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ናጽነት ይውሃቦም እዩ። ስለምንታይ እዩ ዝያዳ ናጽነት ዚውሃቦም፧

ክሳዕ ክንደይ እየ ሓቦኛ፧

ካብ ተጻብኦ ኸተምልጥ ስለ ዘይከኣል፡ ጸገማትካ ንኣሽቱ ይኹን ዓበይቲ ብዘየገድስ፡ ሓቦ ኸተማዕብል ኣገዳሲ እዩ።

ንለውጢ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

ለውጢ ኸተወግዶ ዘይከኣል እኳ እንተዀነ፡ ገሊኦም ብዕዉት መገዲ ንኺዋጽኡሉ እንታይ ኸም ዝገበሩ እስከ ርአ።

መአረምታ ብኸመይ ከም እትቕበል

ዚሃሲ ምኽሪ ወይ ነቐፌታ ብሓቂ ኺሕግዝ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ንዚውሃበኒ ሃናጺ ነቐፌታ ብኸመይ ክርእዮ ኣሎኒ፧

ገሊኦም ሰባት ከም ብርጭቆ እዮም፣ ማለት ኣመና ተነቀፍቲ ኻብ ምዃኖም እተላዕለ ዝዀነ ሃናጺ ነቐፌታ ይጐድኦም እዩ። ንስኻኸ ኸምኡ ዲኻ፧

ንሕልናይ ብኸመይ ከሰልጥኖ እኽእል፧

ሕልናኻ እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃንካን እንታይ ከም ዜገድሰካን የርእየካ። እሞ ደኣ ሕልናኻ ብዛዕባኻ እንታይ ይገልጽ፧

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ህቡብ ምዃን ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

ገሊኦም ዝያዳ ሰዓብትን ተፈታውነትን ንምርካብ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዉ። እሞኸ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ህቡብ ምዃን የዋጽእ ድዩ፧

ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

ጥዑያት ሰባት ብሰንኪ ጸቕጢ መዛኑ ሕማቕ ነገራት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ ጸቕጢ መዛኑ እንታይ ኢኻ ኽትፈልጥ ዘሎካ፧ ብኸመይከ ኢኻ ኽትዋጽኣሉ እትኽእል፧

ንጸቕጢ መዛኑ ተዋጽኣሉ!

ብርእስኻ ውሳነ ኽትገብር ምእንቲ ኽትክእል፡ ነዘን ኣርባዕተ ስጕምትታት ኣስተብህለለን።

ጽቡቕ ኣርኣያ ዚዀነኒ ሰብ ብኸመይ ክመርጽ እኽእል፧

ኣርኣያ ዚዀነካ ሰብ ካብ ጸገማት ክትርሕቕን ሸቶኻ ኽትወቅዕን ኣብ ህይወት ክትዕወትን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ናይ መን ኣርኣያ ኢኻ ኽትስዕብ ዚግብኣካ፧

ውጥን ኣርኣያ

እዚ ወረቐት ዕዮ እዚ ንመን ክትመስል ከም እትደሊ ኽትውስን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ተግባራተይ

ንጌጋታተይ ብኸመይ ክሕዞ እኽእል፧

ኵሉ ሰብ ይጋገ እዩ፣ ኵሉ ሰብ ግና ኣይኰነን ካብኡ ዚምሃር።

ንፈተና ብኸመይ ክጻረሮ እኽእል፧

ዘይግቡእ ትምኒታት ንምቅላስ ዚሕግዝ ሰለስተ ኣገዳሲ ስጕምትታት ርአ።

ንፈተና ብኸመይ ከም እትቃወም

ንፈተና ኽትቃወሞ ምኽኣል፡ ምልክት ናይ ሓቂ ሰብኡትን ኣንስትን እዩ። ንፈተና ምእንቲ ኽትቃወሞን ንገዛእ ርእስኻ ኻብቲ ንፈተና ኢድካ ብምሃብ ዚመጽእ ጭንቀት ምእንቲ ኽትሰትራን፡ ሽዱሽተ ስጕምታት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ትርኢተይ

ኣከዳድናይ እንታይ ዓይነት እዩ፧

ብዛዕባ ኣከዳድና ንዘሎ ሰለስተ ርኡይ ጌጋታት ብኸመይ ከም እተወግዶ ርአ።

መንእሰያት ብዛዕባ መልክዕ እንታይ ይብሉ፧

መንእሰያት ብዛዕባ ትርኢቶም ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺሕዙ ዚጽገሙ ስለምንታይ እዮም፧ እንታይከ ኺሕግዞም ይኽእል፧