ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ንዜሕዝን ኣጋጣሚ ብኸመይ ክዋጽኣሉ እኽእል፧

ንዜሕዝን ኣጋጣሚ ብኸመይ ክዋጽኣሉ እኽእል፧

 ንዅሉ ሰብ ዜሕዝን ነገር ኬጋጥሞ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፈጣናት ኣብ ቅድድም ወትሩ ኸም ዘይዕወቱ፡ ሓያላት ድማ ኣብ ውግእ ወትሩ ኸም ዘይስዕሩ” ይገልጽ እዩ። “ከመይሲ፡ ንዅሎም ግዜን ኣጋጣምን የጓንፎም።” (መክብብ 9:11) ገሊኦም መንእሰያት እውን ዜሕዝን ኣጋጣሚ የጓንፎም እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ብኸመይ ክትጻወሮ ትኽእል፧ ክልተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

 ሪበካ

 ጓል 14 ዓመት ከለኹ፡ ወለደይ ተፋቲሖም።

 ወለደይ ብሓቂ ኸም ዘይተፋትሑ፡ ባባ ንበይኑ ግዜ ኼሕልፍ ጥራይ ከም ዝደለየ ገይረ ንርእሰይ እነግራ ነይረ። ባባ ንማማ ስለ ዜፍቅራ፡ ንምንታይ ሓዲግዋ ዚኸይድ፧ ንዓይከ ንምንታይ ሓዲጉኒ ዚኸይድ፧

 ብዛዕባኡ ንሰብ ምዝራብ ከቢዱኒ ነይሩ። ክሓስቦ ኣይደለኹን። ዋላ እኳ ሽዑ እንተ ዘይተረድኣኒ፡ ሓሪቐ እየ ነይረ። ክጭነቕ ጀሚረ፡ ድቃስ እውን ኣብዩኒ።

 ጓል 19 ምስ ኰንኩ፡ ኣደይ ብሕማም መንሽሮ ሞይታ። ናይ ቀረባ መሓዛይ እያ ነይራ።

 ወለደይ ኪፋትሑ ኸለዉ ኣሰምቢዱኒ እዩ፣ ማማ ምስ ሞተት ግና ምድረ ሰማይ እዩ ጸልሚቱኒ። ገና ሓዘነይ ኣይወጸለይን። ድቃስ ዚብሃል እውን ኣይረኸብኩን፣ ክሳዕ ሕጂ ኸኣ ጭንቀት ኣሎኒ።

 ሓጋዚ ዝዀነ ነገራት ግና ረኺበ እየ። ንኣብነት፡ ኣብ ምሳሌ 18:1፡ ርእስና ኸይንፈሊ መጠንቀቕታ ተዋሂቡና ኣሎ፣ ስለዚ ነዚ ምኽሪ እዚ ኽስዕቦ እጽዕር እየ።

 ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝዀንኩ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዜተባብዕ ጽሑፋትና ኸንብብ እጽዕር እየ። ሓደ ኻብቲ ወለደይ ኣብ እተፋትሑሉ እዋን ዝሓገዘኒ ጽሑፋት፡ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዚብል እዩ። ብፍላይ ነታ ኣብ 2ይ ጥራዝ እትርከብ፡ “ሓደ ወላዲ ጥራይ እናሃለወኒ ኽሕጐስ እኽእልዶ፧” ዘርእስታ ምዕራፍ ከንብባ ትዝ ይብለኒ።

 ሓንቲ ኻብተን ዝፈትወን ጥቕስታት ኣብ ማቴዎስ 6:25-34 ትርከብ። ኣብ ፍቕዲ 27፡ የሱስ፡ “ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ዕምሩ ሓንቲ እመት a ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧” ኢሉ ሓቲቱ ኣሎ።

 ንዅላትና ሕማቕ ነገር የጋጥመና እዩ፣ ንፈተናታት እንጻወረሉ መገዲ ኣገዳሲ ምዃኑ ግና ካብ ማማ ተማሂረ እየ። ንሳ ብዙሕ እያ ኣሕሊፋ። ፍትሕ ኣሕሊፋ፡ ድሕሪኡ ድማ ከቢድ ሕማም ሓሚማ። እዚ ዅሉ ኪኸውን ከሎ ግና፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያኣ ኣየጥፍአትን፣ ኣብ ኣምላኽ ዝነበራ እምነት እውን ክሳዕ መወዳእታ ድልዱል እዩ ነይሩ። ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ዝመሃረትኒ ነገራት ፈጺመ ኣይርስዖን እየ።

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉመጽሓፍ ቅዱስ ኰነ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ምንባብ ንዘጋጠመካ ሓዘን ክትዋጽኣሉ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧—መዝሙር 94:19

 ኮርደል

 ወዲ 17 ኸለኹ፡ ንኣቦይ ትንፋሱ ኽትሓልፍ ከላ ርእየዮ። ሞቱ ኣብ ህይወተይ ዘጋጠመኒ ኻብ ኵሉ ዝኸፍአ ነገር እዩ ነይሩ። ጽልምት እዩ ኢሉኒ።

 ሞቱ ክቕበሎ ኣይከኣልኩን፣ እቲ ብኣንሶላ ዝሸፈንዎ፡ ሬሳ ኣቦይ ከም ዝዀነ ክቕበሎ ኣይከኣልኩን። ‘ጽባሕ ኪትንስእ እዩ’ ኢለ ንርእሰይ እነገራ ነይረ። ባዶነት ተሰሚዑኒ፡ ዝገብሮ እውን ሓርቢቱኒ።

 ኣነን ስድራይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና፣ ኣቦይ ምስ ሞተ፡ ጉባኤና ብዙሕ ሓጊዞምና እዮም። ምግቢ ኣምጺኦምልና፡ ምሳና ኺጸንሑ ፍቓደኛታት ኰይኖም፡ ካባና እውን ኣይተፈልዩን፣ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንነዊሕ ግዜ ኣይተፈልዩናን። ደገፎም ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምዃኖም ኣረጋገጹለይ።—ዮሃንስ 13:35

 ንዓይ ብሓቂ ዘተባብዓትኒ ጥቕሲ፡ 2 ቈረንቶስ 4:17, 18 እያ ነይራ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ጸበባና ቐልጢፉ ዚሓልፍን ፈኲስን እኳ እንተ ዀነ፡ እናዓበየ ዚኸይድ ናይ ዘለኣለም ክብሪ የምጽኣልና እዩ። እቲ ዚርአ ንግዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርአ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዚርአ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዘይርአ ኢና እንጥምት።”

 እታ ናይ መወዳእታ ፍቕዲ፡ ሓያል ጽልዋ እያ ኣሕዲራትለይ። ናይ ኣቦይ መከራ ንግዜኡ እዩ፣ እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ዘተስፈዎ ግና ዘለኣለማዊ እዩ። ሞት ኣቦይ፡ ንህይወተይ ብኸመይ እጥቀመላ ኸም ዘለኹ ኸስተንትንን ሸቶታተይ ከዐርን ኣጋጣሚ ሂቡኒ እዩ።

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉብብሕትኻ ዜጋጥመካ ሓዘን፡ ንሸቶታትካ ዳግም ንምግምጋም ብኸመይ ይሕግዘካ፧—1 ዮሃንስ 2:17

a እመት ኣስታት 45 ሰንቲ ሜተር ኣቢሉ ዚኸውን መዐቀኒ ንውሓት እዩ።