ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ከመይ ገይረ እየ ወለደይ ከም ዚኣምኑኒ ኽገብር ዝኽእል፧

ከመይ ገይረ እየ ወለደይ ከም ዚኣምኑኒ ኽገብር ዝኽእል፧

 ክትፈልጦ ዘሎካ

 እሙን ብዝዀንካ መጠን ወለድኻ ብዝያዳ ይኣምኑኻ እዮም። ወለድኻ ንዘውጽእዎ ሕግታት ምእዛዝ፡ እተዓደኻዮ ዕዳ ኸም ምኽፋል እዩ። ስለዚ ንወለድኻ ኽትእዘዞም ይግብኣካ እዩ። እሙን ዄንካ ግቡእ ‘ዕዳኻ ብዝኸፈልካ’ መጠን፡ ካብ ወለድኻ ዝያዳ ‘ልቓሕ’ ወይ ዝያዳ ናጽነት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ‘ዕዳኻ’ ብግቡእ ዘይትኸፍል እንተ ዄንካ ግና፡ ወለድኻ ነቲ ዚህቡኻ መጠን ልቓሕ ኪንክይዎ ይኽእሉ እዮም።

 ወለድኻ እምነት ክሳዕ ዜሕድሩልካ፡ ግዜ ይወስድ እዩ። ሓላፍነት ከም ዚስምዓካ ወትሩ ብግብርኻ ተርኢ እንተ ዄንካ፡ ወለድኻ ዝያዳ ናጽነት ኪህቡኻ ይኽእሉ እዮም።

 ናይ ሓቂ ታሪኽ፦ “ኰተቴ ኸለኹ፡ ወለደይ እንታይ ክገብር ከም ዚደልዩኒ እፈልጥ ነይረ እየ፣ ስለዚ፡ ከምቲ ዚደልይዎ እገብር ከም ዘለኹ አምስል ነይረ፡ ከም ሓቂ ግና ነቲ ኣነ ዝደልዮ እየ ዝገብር ነይረ። እዚ ድማ ወለደይ ከም ዘይኣምኑኒ ገይርዎም። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ኣቋራጭ መገዲ ኸም ዘየልቦ ተረዲኡኒ፡ ኣታሊልካ ዝያዳ ናጽነት ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሰባት ምእንቲ ኺኣምኑካ፡ እሙን ክትከውን ኣሎካ።”—ክሬግ።

 ክትገብሮ እትኽእል

 ዚጐድኣካ እውን እንተ ዀነ፡ ሓቂ ተዛረብ። ኵሉ ሰብ ይጋገ እዩ፣ ኰይኑ ግና ሓሲኻ ጌጋኻ እንተ ሓቢእካ (ወይ እቲ ሓቂ ምእንቲ ኸይፍለጥ፡ እተወሰነ ሓበሬታ እንተ ኣጕዲልካ) ወለድኻ ኣባኻ ዝነበሮም እምነት ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍእ እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ወትሩ ሓቂ እትዛረብ እንተ ዄንካ፡ ወለድኻ ጌጋኻ እትእመን ብሱል ሰብ ከም ዝዀንካ ኺርእዩ እዮም። ከምዚ ዓይነት ሰብ እዩ ኸኣ ዚእመን።

 “ስለ እተጋገኻ ዘይኰነስ፡ ጌጋኻ ኽትሓብእ ምስ እትፍትን እዩ ሰብ ኣባኻ ዝነበሮ እምነት ዚስእን።”—ኣና።

 መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ ‘ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር ንደሊ ኢና።’—እብራውያን 13:18

  •   ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ወለድኻ ናበይ ትኸይድ ከም ዘለኻ፡ ኣብ እትኸዶ እንታይ ከም እትገብር ምስ ዚሓትቱኻ፡ ምሉእ ሓቂ ዲኻ እትነግሮም፧ ወይ ድማ ኣበይ ከም ዝነበርካን እንታይ ትገብር ከም ዝነበርካን ምስ ዚሓትቱኻ፡ ገለ ሓበሬታ ተጕድል ዲኻ፧

 ሓላፍነት ዚስምዓካ ኹን። ንዅሉ ወለድኻ ዘውጽእዎ ሕግታት ተኣዘዝ። እተዋህበካ ዕዮ ገዛ ቐልጢፍካ ወድእ። ሰዓት ቈጸራ ኣኽብር። ናይ ትምህርትኻ ዕዮ ብግቡእ ዕየ። ናብ ገዛ ኽትኣትወሉ እተዋህበካ ሰዓት ኣይተሕልፍ።

 “ወለድኻ ምስ ኣዕሩኽካ ክሳዕ ሰዓት 9:00 ኸተምሲ እንተ ፈቒዶምልካ እሞ ንስኻ ግና ክሳዕ ሰዓት 10:30 እንተ ኣምሲኻ፡ ኣብ ዚቕጽል ክትከይድ ኪፈቕዱልካ ኣይትጸበ።”—ራያን።

 መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ነፍሲ ወከፍ ሓላፍነቱ ዜሰክሞ ጾር ኺጸውር እዩ።”—ገላትያ 6:5፡ እግረ ጽሑፍ።

  •   ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሰዓት ኣብ ምኽባር፡ እተዋህበካ ዕዮ ኣብ ምፍጻም፡ ከምኡ ድማ ዋላ ነቲ ዘይትፈትዎ ስርዓታት ኣብ ምሕላው ከመይ ኢኻ፧

 ዕጉስ ኩን። ወለድኻ ኣባኻ ዝነበሮም እምነት ሓንሳእ እንተ ኣጥፊኦም፡ ካልኣይ ግዜ ኽሳዕ ዚኣምኑኻ ግዜ ይወስድ እዩ። ስለዚ ተዓገስ።

 “ወለደይ፡ ኣብ እተወሰነ ዕድመ ምስ በጻሕኩ ዝያዳ ሓላፍነት ዘይምሃቦም ኣበሳጭዩኒ ነይሩ። ዕድመ ምውሳኽ ማለት ናብ ብስለት ምብጻሕ ማለት ከም ዘይኰነ ኣይተረድኣንን ነይሩ። ወለደይ እሙን ምዃነይ ምእንቲ ኸርእዮም ዕድል ኪህቡኒ ሓቲተዮም። ግዜ እኳ እንተ ወሰደ፡ ኣብ መወዳእታኡ ሰሊጡኒ እዩ። ሰባት ኪኣምኑና ዚኽእሉ ዕድመና ርእዮም ዘይኰነስ፡ ተግባርና ርእዮም እዮም።”—ሬቸል።

 መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ብቐጻሊ ርእስኹም ፈትኑ።”—2 ቈረንቶስ 13:5

  •   ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ወለድኻ ምእንቲ ኺኣምኑኻ (ወይ ዳግም ምእንቲ ኺኣምኑኻ)፡ ‘ርእስኻ ንምፍታን’ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

 ምኽሪ፦ ሰዓት ንምኽባር፡ እተዋህበካ ዕዮ ንምፍጻም፡ ኣብ ሰዓትካ ናብ ገዛ ንምምላስ፡ ወይ ካልእ ነገር ንምግባር ሸቶ ኣውጽእ። ብዛዕባ እቲ ኽትገብሮ ዝሓሰብካዮ ነገር ንወለድኻ ንገሮም፣ ኣባኻ እምንቶ ምእንቲ ኼሕድሩ እንታይ ክትገብር ከም ዚደልዩኻ ሕተቶም። ድሕሪኡ፡ ‘ነቲ ኸምቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣነባብራኹም ዝዀነ ኣረጊት ስብእና ቐንጥጡ’ ዚብል ማዕዳ ኣጸቢቕካ ኽትዓይየሉ ኣሎካ። (ኤፌሶን 4:22) ድሕሪ ግዜ፡ ወለድኻ ነቲ እትገብሮ ዘለኻ ምምሕያሽ ኪርእይዎ እዮም!