ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ክብደት ብኸመይ ክንኪ እኽእል፧

ክብደት ብኸመይ ክንኪ እኽእል፧

 ክብደት ክንኪ የድልየኒ ድዩ፧

 ገሊኦም መንእሰያት ክብደት ኪንክዩ ኸም ዚደልዩ ይዛረቡ እዮም። ይኹን እምበር፡  . . .

  •   መብዛሕትኦም ብዛዕባ ጥዕናኦም ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ትርኢቶም እዮም ዚግደሱ። ገሊኦም ሰባት ክብደት ምእንቲ ኺንክዩ ኢሎም ጾሞም ይውዕሉ ወይ ክብደት ንምንካይ እተዳለወ ከኒናታት ይወስዱ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሜላታት ግና ኣይጠቅምን እዩ፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

     “ገሊአን ኣዋልድ ንርእሰን ብምጥማይ ቅልጡፍ ለውጢ ኼምጽኣ ይፍትና እየን። እዚ ግና ጐዳኢ እዩ፣ ሰብነተን ካብቲ ጕድኣት ክሳዕ ዚሓዊ ኸኣ ግዜ ይወስድ እዩ።”—ሀይሊ።

  •   ክብደቶም ዜተሓሳስቦም ብዙሓት ሰባት፡ ኣመና ረጐድቲ ኣይኰኑን። ገሊኦም ክብደቶም ግቡእ ክነሱ ንርእሶም ምስ መዛኑኦም ወይ ምስቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን “ጽቡቕ” ዚብሃል ቅጥኒ ኼወዳድርዋ ኸለዉ፡ ዝረጐዱ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን።

     “ጓል 13 ዓመት ከለኹ፡ ንርእሰይ ምስ መሓዙተይ አወዳድራ ነይረ። ንዓታተን እንተ መሲለ ብዝያዳ ኺፈትዋኒ እየን ኢለ እሓስብ ነይረ፣ እዚ ማለት ድማ ዕባራ ክኸውን ነይሩኒ።”—ፓኦላ።

 ብኻልእ ሸነኽ ግና ገሊኦም መንእሰያት ክብደት ኪንክዩ ኣለዎም። ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም . . .

  •   ኣብ ዓለምለኸ፡ ዕድሜኦም ካብ 5 ኽሳዕ 19 ዘለዉ 340 ሚልዮን ዚዀኑ ቘልዑን መንእሰያትን፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ኽብደት ኣለዎም።

  •   ብ1975፡ ካብቶም 5-19 ዝዕድሚኦም፡ 4 ሚእታዊት ካብ መጠን ንላዕሊ ኽብደት ነይርዎም። ብ2016፡ ቍጽሮም ብ18 ሚእታዊት ወሲኹ።

  •   ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ መብዛሕትአን ሃገራት፡ ካብቶም ካብ መጠን ንታሕቲ ኽብደት ጥራይ ዘለዎም፡ እቶም እምብዛ ኽብደት ወሲኾም ዝኸረሹ ይበዝሑ።

  •   ክራሸ፡ ትሑት ኣታዊ ኣብ ዘለዎን ሃገራት ኰነ ሕጽረት እተመጣጠነ ምግቢ ኣብ ዘለወን ስድራ ቤታት ኣሎ።

 ክብደት ንምንካይ ዜኽእል ብሉጽ መገዲ እንታይ እዩ፧

 ነየናይ ሜላ ምመረጽካ፧

  1.   ንነብስኻ ምጥማይ።

  2.   እተመጣጠነ ኣመጋግባን ምውስዋስ ኣካላትን።

  3.   ክብደት ንምንካይ ተባሂሉ ዚዳሎ ከኒና ምውሳድ።

 ቅኑዕ መልሲ፦ ሜላ 2፦ እተመጣጠነ ኣመጋግባን ምውስዋስ ኣካላትን።

 ንነብስኻ ምጥማይ ወይ እተወሰነ ዓይነት ምግቢ ምግዳፍ ቅልጡፍ ለውጢ የምጽእ ይኸውን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሜላታት ንጥዕና ጽቡቕ ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ፡ ናብ ንቡር ኣመጋግባኻ ምስ ተመለስካ ዳግም ክትረጕድ ኢኻ።

 ብኻልእ ሸነኽ ግና፡ ጽቡቕ ጥዕና ኺህልወካ ሸቶ ምስ እተውጽእ፡ ትርኢትካ ይመሓየሽ ጽቡቕ ስምዒት ድማ ይህልወካ። ዶክተር ሚካኤል ብራድሊ፡ a “ቅልጡፍን ንጥዕና ጽቡቕን ነባርን ውጽኢት ንምርካብ፡ . . . ኣብ ምሉእ ህይወትካ ኽትዕቅቦ እትኽእል ዓይነት ለውጢ ግበር” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ክብደት ክትንኪ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ኣመጋግባኻ ንእተወሰነ እዋን ጥራይ ለውጢ ንምግባር ኣይትፈትን፡ ኣብ ክንዳኡስ ኣብ ኣነባብራኻ ለውጢ ኽትገብር ጽዓር።

 መደብ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ሚዛናዊ ዝልማድና’ ኽንከውን ይነግረና እዩ፡ እዚ ድማ ንኣመጋግባና እውን የጠቓልል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:11፡ እ.ጽ.) ብልዒ ኸይነብዝሕ ከኣ ብንጹር ይምዕደና እዩ። (ምሳሌ 23:20፣ ሉቃስ 21:34) ጥዑይ ኣነባብራ ምእንቲ ኺህልወካ ነቲ ስርዓታት እዚ ኣብ ኣእምሮኻ ሒዝካ፡ ነዚ ዚስዕብ ፈትኖ፦

  •   ጥዑይ ኣመጋግባ እንታይ ከም ዜጠቓልል ፍለጥ።

     ብዛዕባ ምግቢ እተወሰነ ምፍላጥካ፡ እተመጣጠነ ኣመጋግባ ምእንቲ ኺህልወካ ይሕግዝ እዩ፣ ጥሩፍ ክትከውን ግና የብልካን። እተመጣጠነ ኣመጋግባ ኽብደትካ ኣብ ምቍጽጻር ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ።

  •   ስሩዕ ኣካላዊ ምውስዋስ ግበር።

     መዓልቲ መዓልቲ ንጡፍ ኪገብረካ ዚኽእል ነገራት ሕሰብ። ንኣብነት፡ ኣብ ክንዲ ሊፍት፡ መደያይቦ ተጠቐም። ንፍርቂ ሰዓት ኮፍ ኢልካ ጸወታ ቪድዮ ኣብ ክንዲ ትጻወት፡ ኣብ ደገ ቕልጥፍ ቅልጥፍ እናበልካ ኺድ።

  •   ዘይጥዑይ ምግቢ ብጥዑይ ምግቢ ተክኣዮ።

     ሓንቲ ሶፊያ ዝስማ መንእሰይ፡ “ከም ፍረታትን ኣሕምልትን ዝኣመሰለ ጥዑይ ጠዓሞት እማላእ እየ። በዚ ኸምዚ፡ ዘይጥዑይ ምግቢ ኽበልዕ ኣይፍተንን እየ” ትብል።

  •   ቀስ ኢልካ ብላዕ።

     ገሊኦም ሰባት ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢሎም ስለ ዚበልዑ፡ ሰብነቶም ከም ዝጸገበ ንዚህቦም ምልክት፡ ‘ኣይሰምዕዎን’ እዮም። ስለዚ፡ ህድእ በል። ምግቢ ቕድሚ ምውሳኽካ እተወሰነ ጽናሕ። ምናልባት ክንድቲ ዝሓሰብካዮ ኣይጠመኻን ትኸውን።

  •   ነቲ እትምገቦ መጠን ካሎሪ ተቘጻጸሮ።

     እቲ እትበልዖ ምግቢ ኽንደይ ካሎሪ ኸም ዘለዎ ንምፍላጥ፡ ነቲ መዐሸጊ ኣንብቦ። ኣፋፍኖት፦ መማቕርቲ እተሓወሶ ልስሉስ መስተታት፡ ከም ሃምበርገር ዝኣመሰለ ስሉጥ ምግብታት፡ ከምኡ እውን ምቁር ነገራት ብዙሕ ካሎሪ ስለ ዘለዎ፡ የርጕድ እዩ።

  •   ሚዛናዊ ኹን።

     ጓል 16 ዓመት ዝዀነት ሳራ፡ “ኣብ ሓደ እዋን መጠን ካሎሪ ኣብ ምምክትታል እምብዛ ኻብ ምትኳረይ እተላዕለ፡ ምግቢ ዝሓዘ ሸሓኒ ኽርኢ ኸለኹ፡ ቍጽርታት ጥራይ እዩ ዚርኣየኒ ነይሩ” ትብል። “ተጻባጻቢ ካሎሪ” ኣይትኹን። ሓድሓደ ግዜ ንነብስኻ ካሎሪ ዝበዝሖ ምግቢ ኽትበልዕ ፍቐደላ።

 ምኽሪ፦ ብዛዕባ ኽብደትካ ንሓኪምካ ኣዘራርቦ። ሓኪምካ ሕክምናዊ ድሕረ ባይታኻ ብምርኣይ፡ ዚሰማምዓካ ኣነባብራ ኽትመርጽ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

a ዌን ቲንግስ ጌት ክሬዚ ዊዝ ዩር ቲን ካብ ዘርእስታ መጽሓፍ።