ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት

ንቝጥዓኻ ብኸመይ ትቈጻጸሮ፧

ንቝጥዓኻ ብኸመይ ትቈጻጸሮ፧

 መጻምድትኻ ዜቘጥዓካ ነገር ይዛረብ ወይ ይገብር፣ ንስኻ ድማ ንቝጥዓኻ ኽትዓብጦ ትፍትን። ግናኸ፡ መጻምድትኻ ገለ ኸም ዝዀንካ ኣስተብሂሉ፡ ኪትዅትዀካ ይፍትን። እዚ ኸኣ ብዝያዳ የበሳጭወካ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ከመይ ጌርካ ንቝጥዓኻ ኽትቈጻጸር ትኽእል፧

 ክትፈልጦ ዘሎካ ነገር

  •   ቍጥዓኻ ምፍናውካ፡ ንጥዕናኻ ይሃስዮ። ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ቝጥዓ ንልዑል ጸቕጢ ደምን ንሕማም ልብን ንሕዱር ጭንቀትን ንጸገማት ምሕቃቕ ምግብን ከም ዜቃልዕ፡ ምርምራት ይሕብር እዩ። ቍጥዓ ምስ ምስኣን ድቃስን ምብዛሕ ጭንቀትን ጸገማት ቈርበትን ወቕዕን እውን ምትሕሓዝ ከም ዘለዎ ይግለጽ እዩ። እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናብ ክፉእ ጥራይ እዩ ኺመርሕ ዚኽእል እሞ፡ ኣይትሕረቕ” ኪብል ሓቁ እዩ።—መዝሙር 37:8፡ እግረ ጽሑፍ።

  •   ቍጥዓኻ ምዕባጥካ እውን፡ ኪጐድኣካ ይኽእል። ንቝጥዓኻ ኣብ ውሽጥኻ እንተ ሒዝካዮ፡ ብውሽጢ ውሽጢ ኸም ዚጐድእ ሕማም ኪዀነካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣሉታዊ ወይ ነቐፌታዊ ኣረኣእያ ኸተማዕብል ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ድማ ንህይወትካ ኣጸጋሚ ኺገብሮን ንሓዳርካ ኺጐድኦን ይኽእል እዩ።

 ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

  •   ኣብ ጽቡቕ ባህርያት መጻምድትኻ ኣተኵር። ንመጻምድትኻ እትንእደሉ ሰለስተ ነገር ዘርዝር። ኣብ ዚቕጽል ብመጻምድትኻ ኽትቍጣዕ ከለኻ፡ ብዛዕባ እተን ባህርያቱ ሕሰብ። እዚ ኸኣ ንቝጥዓኻ ንምቍጽጻር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣመስገንቲ . . . ኩኑ።”—ቈሎሴ 3:15

  •    ይቕረ በሃሊ ኹን። ፈለማ፡ ነቲ ጕዳይ ብዓይኒ መጻምድትኻ ኽትርእዮ ፈትን። እዚ ድማ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እትደናገጹ . . . ኹኑ” ብምባል ዝጠቐሶ ባህርይ ከተማዕብል ኪሕግዘካ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:8) ድሕሪኡ፡ ንርእስኻ፡ ‘እቲ እተቘጣዕኩሉ ምኽንያት ክሳዕ ክንድቲ ዓብዪ ስለ ዝዀነ ድየ ይቕረ ኽብል ዘይክእል፧’ ኢልካ ሕተታ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “በደል ዕሽሽ ምባል . . . [ንሰብ] የጸብቐሉ።”—ምሳሌ 19:11

  •    ስምዒትካ ብለውሃትን ብሜላን ግለጽ። ኣብ ስምዒትካ ኣተኲርካ ተዛረብ። ንኣብነት፡ “ተሌፎን ደዊልካ ኣበይ ከም ዘለኻ ዘይምንጋርካ፡ ከም ዘይትሓሊ እዩ ዜርኢ” ኣብ ክንዲ እትብል፡ “ከተምሲ ኸለኻ፡ ‘ደሓን ድዩ፧’ ኢለ እሻቐል እየ” በል። ሓሳባትካ ብልእመት ምስ እትገልጽ፡ ንቝጥዓኻ ኽትቈጻጸሮ ትኽእል ኢኻ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ፡ ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን።”—ቈሎሴ 4:6

  •    ተጠንቂቕካ ስማዕ። ሓሳባትካ ምስ ገለጽካ፡ ንመጻምድትኻ ኸይኰለፍካ ስምዓዮ። መጻምድትኻ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ነቲ እተባህለ ብልክዕ ከም እተረዳእካዮ ንምርግጋጽ፡ መሊስካ ብኻልእ ቃላት ጥቐሶ። ክትሰምዕ ፍቓደኛ ምዃንካ፡ ቍጥዓኻ ኣብ ምቍጽጻር ዓብዪ ግደ ኣለዎ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኵሉ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ . . . ይኹን።”—ያእቆብ 1:19