ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዝስ ዕላማ ኣምላኽ ድዩ ነይሩ፧

እዝስ ዕላማ ኣምላኽ ድዩ ነይሩ፧

ዝዀነ ይኹን ጋዜጣ ምስ እተንብብ፡ ተለቪዥን ምስ እትርኢ፡ ወይ ረድዮ ምስ እትሰምዕ፡ ብዛዕባ ግብረ ሽበራን ውግእን ዓመጻን ብዚገልጽ ዜና መሊኡ ኢኻ እትረኽቦ። ብዛዕባ ዜጨንቐካ ነገራት ከኣ እሞ ሕስብ ኣብል። ምናልባት ብሕማም ወይ ብሞት እተፍቅሮ ሰብ ኣመና ጕሂኻ ትኸውን። ከምቲ እቲ እዮብ ዚብሃል ቅኑዕ ሰብኣይ፡ “ውርደትን ጸበባን ጸጊበ ኣለኹ” ብምባል እተዛረቦ ዓይነት ስምዒት ይስምዓካ ይኸውን።—እዮብ 10:15

ንርእስኻ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተታ፦

  • ኣምላኽ ንዓይ ኰነ ንዅሎም ደቂ ሰብ ከምዚ ኼጋጥመና ዕላማኡ ድዩ፧

  • ጸገማተይ ምእንቲ ኽዋጽኣሉ ኻበይ ሓገዝ ክረክብ እኽእል፧

  • ኣብ ምድሪ ሰላም ሰፊኑ ኽንርእስ ተስፋ ኣሎና ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት እዚ ዜዕግብ መልሲ ይህበና።

ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ነዚ ለውጥታት እዚ ኸም ዜምጽእ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና።

“ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።” —ራእይ 21:4

“ሓንካስ ከም እራብ ኪሰራሰር . . . እዩ።”—ኢሳይያስ 35:6

“ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ . . . እየን።”—ኢሳይያስ 35:5

“ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም . . . ኺወጹ እዮም።” —ዮሃንስ 5:28, 29

“ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ’ ኣይኪብልን እዩ።”—ኢሳይያስ 33:24

“ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን . . . እዩ።” —መዝሙር 72:16

ካብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም

ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዚርከብ ገጻት ዝቐረበ ሓሳባት ከም ዘይከውን ትምኒት ጥራይ ጌርካ ኣይትርኣዮ። ኣምላኽ ነዚ ነገራት እዚ ኸም ዚገብሮ ተመባጺዑ ኣሎ፣ ነዚ ብኸመይ ከም ዚፍጽሞ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና።

መጽሓፍ ቅዱስ ዚህበካ ጥቕሚ ግና በዚ ጥራይ እተደረተ ኣይኰነን። ሕጂ እውን እንተ ዀነ ናይ ሓቂ ዜዕግብ ህይወት ኪህልወካ የኽእለካ እዩ። ብዛዕባ ዜጨንቐካን ዜሻቕለካን ነገራት እሞ ሓንሳእ ሕሰብ። ገለ ኻብኡ ምስ ገንዘብ፡ ምስ ጸገማት ስድራ ቤት፡ ምስ ጥዕና ምስኣን፡ ወይ ምስ ሞት እተፍቅሮ ሰብ እተተሓሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ጸገማት እዚ ሎሚ እውን ንኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ፣ ነዚ ስዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ሕቶታት ብምምላስ ከኣ እፎይታ ኼምጽኣልካ ይኽእል እዩ፦

  • ንምንታይ እዩ መከራ ዚወርደና፧

  • ንጭንቀትና ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧

  • ናብራ ስድራ ቤትና ሓጐስ ዝመልኦ ኽንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

  • ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧

  • ነቶም ሞይቶም ዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት እንረኽቦም እዋን ኪመጽእ ድዩ፧

  • ኣምላኽ ተስፋታቱ ኸም ዚፍጽም ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ተንብባ ምህላውካ ንርእሱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ክትፈልጥ ከም ዝደለኻ እዩ ዜርኢ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ድማ ክትሕግዘካ እያ። ነቲ ኣብኣ ዘሎ ሕጡብ ጽሑፋት ዚኸውን ሕቶታት ከም እተዳለወ ኣስተውዕል። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕቶን መልስን ገይሮም ምምይያጥ ባህ እዩ ዚብሎም። ንስኻ እውን እዚ ሜላ እዚ ባህ ኪብለካ ተስፋ ንገብር። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ብምፍላጥካ ኣብ እትረኽቦ ሓጐስን ዕግበትን በረኸት ኣምላኽ ኪውሰኾ ንምነየልካ!