ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሓሙሽተ

እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ በጃ

እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ በጃ
  • እቲ በጃ እንታይ እዩ፧

  • ብኸመይ እዩ ተኸፊሉ፧

  • ንዓኻ እንታይ ረብሓ ኺህልዎ ይኽእል፧

  • ከም እተማስወሉ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

1, 2. (ሀ) ብብሕትኻ ንሓደ ውህበት ኣኽቢርካ እትርእዮ እንታይ ምስ ዚኸውን እዩ፧ (ለ) በጃ ኻብቲ ኽትረኽቦ እትኽእል ዘበለ ዅሉ ዝኸበረ ውህበት እዩ ኺብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

ክሳዕ ሕጂ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ እትብሎ እንታይ ውህበት ተዋሂቡካ፧ ጽቡቕ ውህበት ናይ ግድን ክቡር ኪኸውን ኣየድልዮን እዩ። ብዘይካዚ፡ ናይ ሓቂ ዋጋ ውህበት ናይ ግድን ብገንዘብ ኣይኰነን ዚዕቀን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሓደ ውህበት ሓጐስ ኬምጽኣልካ ኸሎ ወይ ኣብ ህይወትካ ብሓቂ ዜድልየካ ነገር ኬማልኣልካ ኸሎ እዩ ብሉጽ ጌርካ እትርእዮ።

2 ካብ ኵሉ እቲ እትምነዮ ነገራት ዝበለጸ ሓደ ውህበት ኣሎ። እዚ ውህበት እዚ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝሃቦም እዩ። የሆዋ ብዙሕ ነገራት እዩ ሂቡና፣ እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ዝሃበና ውህበት ግና ንወዱ የሱስ ክርስቶስ መስዋእቲ ኪኸውን ብምድላው ዝኸፈለልና በጃ እዩ። (ማቴዎስ 20:28 ኣንብብ።) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ኸም እንርእዮ፡ እዚ በጃ እዚ ማእለያ ዘይብሉ ሓጐስ ኬምጽኣልካን ነቲ ልዕሊ ዅሉ ዜድልየካ ዘበለ ኼማልኣልካን ስለ ዚኽእል፡ ካብቲ ኽትረኽቦ እትኽእል ኵሉ ዝኸበረ ውህበት እዩ። እወ፡ የሆዋ በቲ በጃ ኣቢሉ እዩ ንዓኻ ዘለዎ ፍቕሪ ብዝበለጸ መገዲ ዝገለጸ።

እቲ በጃ እንታይ እዩ፧

3. እቲ በጃ እንታይ እዩ፧ ክሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ኽንግንዘብከ እንታይ ክንርዳእ ኣሎና፧

3 በጃ ኺብሃል ከሎ፡ ብሓጺሩ የሆዋ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ንምድሓን ዝገበሮ ምድላው እዩ። (ኤፌሶን 1:7) እዚ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ሒዝዎ ዘሎ ትርጉም ንምርዳእ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ገነት ኤደን ዘጋጠመ ነገር ክንሓስብ ኣሎና። ኣዳም ኪሓጥእ ከሎ ዘጥፈኦ ነገር እንተ ተገንዚብና ጥራይ እዩ በጃ ኽሳዕ ክንደይ ክቡር ውህበት ምዃኑ ኽንርዳእ እንኽእል።

4. ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ንኣዳም እንታይ ረብሓ እዩ ኣምጺኡሉ ነይሩ፧

4 የሆዋ ንኣዳም ምስ ፈጠሮ ሓደ ኣዝዩ ኽቡር ነገር እዩ ሂብዎ፣ እዚ ኸኣ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት እዩ ነይሩ። እዚ ንኣዳም እንታይ ማለት ምንባሩ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ፍጹም ኣካልን ኣእምሮን ስለ ዝነበሮ፡ ከቶ ዘይሓምም፡ ዘይኣርግ፡ ወይ ዘይመውት እዩ ነይሩ። ከም ፍጹም ሰብ መጠን ምስ የሆዋ ፍሉይ ርክብ ነበሮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ወዲ ኣምላኽ” ከም ዝነበረ ይገልጸልና። (ሉቃስ 3:38) ስለዚ፡ ከምቲ ሓደ ወዲ ምስ ፈቃር ኣቦኡ ጥብቂ ርክብ ዚህልዎ፡ ኣዳም እውን ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ነበሮ። የሆዋ ምስቲ ምድራዊ ወዱ ይዘራረብ ነበረ፣ ዜዕግብ ስራሕ ሂብዎ ነበረ፣ ካብኡ እንታይ ከም ዚጽበ እውን ነጊርዎ ነበረ።—ዘፍጥረት 1:28-30፣ 2:16, 17

5. መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣዳም “ብመልክዕ ኣምላኽ” ተፈጢሩ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

5 ኣዳም “ብመልክዕ ኣምላኽ” እዩ ተፈጢሩ። (ዘፍጥረት 1:27) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣዳም ብትርኢቱ ንኣምላኽ ይመስል ማለት ኣይኰነን። ኣብ ምዕራፍ 1 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ብዓይኒ ዘይርአ መንፈስ እዩ። (ዮሃንስ 4:24) ስለዚ፡ ስጋን ደምን የብሉን። ኣዳም ብመልክዕ ኣምላኽ ተፈጢሩ ኺብሃል ከሎ፡ ከም ናይ ኣምላኽ ዝኣመሰለ ፍቕርን ጥበብን ፍትሕን ሓይልን ዘጠቓለለ ባህርያት ወሪሱ ማለት እዩ። ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዝነበሮ እውን በዚ መገዲ እዚ ኸም ኣቦኡ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ከም ሓንቲ ነቲ እተሰርሓትሉ ወይ ነቲ እተመደበትሉ ዕዮ ጥራይ እትፍጽም ማሽን ኣይነበረን። የግዳስ፡ ብሕታዊ ውሳነታት ኪገብር ከምኡ እውን ቅኑዕን ጌጋን ኪመሚ ይኽእል ነበረ። ንኣምላኽ እዙዝ ኪኸውን እንተ ዚመርጽ ነይሩ፡ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብር ምኸኣለ።

6. ኣዳም ትእዛዝ ኣምላኽ ኪጥሕስ ከሎ፡ እንታይ እዩ ኣጥፊኡ፧ ዘርኡኸ ብኸመይ እዮም እተተንከፉ፧

6 እምበኣር፡ ኣዳም ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ኣፍረሰን ንሞት ምስ ተፈርደን፡ ከቢድ ዋጋ እዩ ኸፊሉ። ሓጢኣቱ ነቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወትን ምስኡ ንዚመጽእ ኵሉ በረኸትን ከም ዚስእን እዩ ገይርዎ። (ዘፍጥረት 3:17-19) እቲ ዜሕዝን ግና፡ ንሱ ጥራይ ኣይኰነን እዚ ዓይነት ክቡር ህይወት እዚ ስኢኑ፣ ነቶም ብድሕሪኡ ዚመጹ ዘርኡ እውን ለኪምዎም እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ “ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ” ይብል። (ሮሜ 5:12) እወ፡ ኵላትና ሓጢኣት ኣዳም ወሪስና ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዳም ንርእሱ ዀነ ንዘርኡ ንባርነት ሓጢኣትን ሞትን ከም ‘ዝሸጠ’ ይገልጸልና። (ሮሜ 7:14) ኣዳምን ሄዋንን ደይ መደይ ኢሎም ትእዛዝ ኣምላኽ ስለ ዘፍረሱ፡ ተስፋ ዚብሃል ኣይነበሮምን። እሞ ደኣ ንሕና ዀንና ዅላቶም ዝተረፉ ዘርኦም ተስፋ ኣሎናዶ፧

7, 8. በጃ እንታይ ክልተ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧

7 የሆዋ በጃ ብምድላው ንደቂ ሰብ ኣድሓኖም። በጃ እንታይ እዩ፧ በጃ ኽልተ ትርጉም ኣለዎ። ቀዳማይ፡ ንሓደ ነገር ንምፍታሕ ወይ መሊስካ ንምዕዳግ ዚኽፈል ኪኸውን ከሎ፡ እዚ ምስቲ ንምሩኽ ዚኽፈል ዋጋ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ካልኣይ፡ በጃ ኺብሃል ከሎ ዋጋ ሓደ ነገር ዚሽፍን መጠን እዩ። እዚ ድማ ምስቲ ንዝወረደ ጕድኣት ንምሽፋን ዚኽፈል ካሕሳ ዚመሳሰል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ሓደጋ እንተ ኣውሪዱ፡ ነቲ እተጐድአ ነገር ዚመጣጠን ወይ ዚመዓራረ ነገር ኪኸፍል ኣለዎ።

8 ነቲ ኣዳም ኣብ ኵላትና ዘውረዶ ኸቢድ ጕድኣት ብምሽፋን ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ እንኸውን ብኸመይ ኢና፧ እቲ የሆዋ ዘዳለዎ በጃን እዚ ንዓኻ እንታይ ረብሓ ኺህልዎ ኸም ዚኽእልን እስከ ንርአ።

የሆዋ ነቲ በጃ ዘዳለወሉ መገዲ

9. ከመይ ዝበለ በጃ እዩ ዜድሊ ነይሩ፧

9 ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወት ስለ ዝጠፍአት፡ ዘይፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወት ነዚ ኽትከፍሎ ኣይትኽእልን እያ። (መዝሙር 49:7, 8) ምስታ ዝጠፍአት ህይወት ማዕረ ዝዀነ በጃ እዩ ኪኽፈል ዘለዎ። እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ “ኣብ ክንዲ ህይወት፡ ህይወት” ዚብል ፍጹም ፍትሓዊ ስርዓት ዚሰማማዕ እዩ። (ዘዳግም 19:21) እሞ ደኣ ዋጋ እታ ኣዳም ዘጥፍኣ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወት ብኸመይ እዩ ዚኽፈል፧ ካልእ “ተመዓራራዪ በጃ” እትኸውን ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወት ተድሊ ነበረት።—1 ጢሞቴዎስ 2:6

10. የሆዋ በጃ ዘዳለወ ብኸመይ እዩ፧

10 የሆዋ ነቲ በጃ ብኸመይ ኣዳለዎ፧ ንሓደ ኻብቶም ፍጹማት መንፈሳውያን ደቁ ናብ ምድሪ ሰደዶ። እንተዀነ ግና፡ ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ፍጡር ኣይኰነን ሰዲዱ። ነቲ ኣዝዩ ዚፈትዎ ሓደ ወዱ እዩ ሰዲዱ። (1 ዮሃንስ 4:9, 10 ኣንብብ።) እዚ ወዲ እዚ ብፍታው ሰማያዊ መንበሪኡ ሓዲጉ መጸ። (ፊልጲ 2:7) ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ምዕራፍ ከም እተምሃርናዮ፡ የሆዋ ንህይወት ወዱ ናብ ማሕጸን ማርያም ኬመሓላልፍ ከሎ ተኣምር እዩ ገይሩ። ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ድማ የሱስ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ተወልደ፣ ሓጢኣት ዚብሃል እውን ኣይወረሰን።—ሉቃስ 1:35

የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ በጃና ኪኸውን ሃበ

11. ሓደ ሰብ ንሚልዮናት በጃ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 ሓደ ሰብ ንሚልዮናት በጃ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ንምዃኑ እቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ሓጥኣን ኪዀኑ ዝኸኣሉ ብኸመይ ድዮም፧ ኣዳም ሓጢኣት ብምፍጻሙ ነታ ኽብርቲ ዝዀነት ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ ኸም ዘጥፍኣ ኣይትረስዕ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ ናብ ዘርኡ ኼመሓላልፋ ኣይከኣለን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሓጢኣትን ሞትን እዩ ኣውሪሱና። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕረዋይ ኣዳም” ኢሉ ዚጽውዖ የሱስ፡ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወት ነበረቶ፣ ፈጺሙ ድማ ኣይሓጥአን። (1 ቈረንቶስ 15:45) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሱስ ምእንቲ ኼድሕነና ንኣዳም ተኪእዎ ማለት እዩ። ነታ ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ እዙዝ ኰይኑ ዘሕለፋ ፍጽምቲ ህይወቱ ብምስዋእ ወይ ብምሃብ፡ ሓጢኣት ኣዳም ከፈለ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ንዘርኢ ኣዳም ተስፋ ኣምጽኣሎም።—ሮሜ 5:19፣ 1 ቈረንቶስ 15:21, 22

12. የሱስ ዘሕለፎ ስቓይ እንታይ እዩ ኣረጋጊጹ፧

12 መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሱስ ቅድሚ ሞቱ ዘሕለፎ ስቓይ ብዝርዝር ይገልጾ እዩ። ከቢድ መግረፍቲ ኣሕለፈ፡ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ብዜሰቅቕ መገዲ ተሸንከረ፡ ብዜሳቒ መገዲ ድማ ሞተ። (ዮሃንስ 19:1, 16-18, 30፣ ኣብታ “ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመስቀል ኣብ ኣምልኾኦም ዘይጥቀሙሉ ምኽንያት” ዘርእስታ መመላእታ ጽሑፍ ተወከስ።) ክሳዕ ክንድዚ ኺሳቐ ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧ ጸኒሕና ኣብ ካልእ ምዕራፍ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ሰይጣን ንየሆዋ ኺዛረቦ ኸሎ፡ ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙን ኰይኑ ዚቕጽል ዋላ ሓደ ሰብኣዊ ኣገልጋሊ ኺረክብ ከም ዘይክእል ከም ዝኣመተ ኽንርኢ ኢና። የሱስ ብርቱዕ ስቓይ እናወረዶ ብተኣማንነት ብምጽናዕ፡ ነቲ ሰይጣን ዘበገሶ ሕቶ ዝበለጸ መልሲ ሂቡሉ እዩ። ሓደ ናይ ምምራጽ ናጽነት ዘለዎ ፍጹም ሰብ፡ ድያብሎስ ዝገበረ እኳ እንተ ገበሮ፡ ንኣምላኽ ፍጹም ንጽህናኡ ኺሕሉ ኸም ዚኽእል መረጋገጺ ኣቕረበ። የሆዋ በቲ እቲ ፍጹም ወዱ ዘርኣዮ ተኣማንነት ብዙሕ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ።—ምሳሌ 27:11

13. እቲ በጃ ብኸመይ እዩ ተኸፊሉ፧

13 እቲ በጃ ብኸመይ እዩ ተኸፊሉ፧ ብኣቈጻጽራ ኣይሁድ ኣብ መበል 14 መዓልቲ ናይ ወርሒ ኒሳን 33 ድ.ክ. ኣምላኽ ነቲ ፍጹምን ሓጢኣት ዘይነበሮን ወዱ ኪቕተል ፈቐደ። በዚ ኸምዚ የሱስ ነታ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ “ሓንሳእ ንሓዋሩ” ሰውኣ። (እብራውያን 10:10) ካብታ ዝሞተላ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቱ፡ የሆዋ ናብ መንፈሳዊ ህይወት ኣተንስኦ። የሱስ ኣብ ሰማይ ንዋጋ እታ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ በጃ ዘርኢ ኣዳም ኪኸውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቕረቦ። (እብራውያን 9:24) የሆዋ ንዋጋ እቲ መስዋእቲ የሱስ፡ ንደቂ ሰብ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ንምድሓን በጃ ኪኸውን ተቐበሎ።—ሮሜ 3:23, 24 ኣንብብ።

እቲ በጃ ዜምጽኣልካ ረብሓታት

14, 15. ‘ሓጢኣትና ምእንቲ ኺሕደገልና’ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

14 ሓጥኣን እኳ እንተ ዀንና፡ ሳላ እቲ በጃ ብዋጋ ዘይሽነን በረኸት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሳላ እዚ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ውህበት ኣምላኽ፡ ሕጅን ኣብ መጻእን እንረኽቦ ገለ በረኸት እስከ ንርአ።

15 ሕድገት ሓጢኣት። ዘይፍጽምና ስለ ዝወረስና፡ ቅኑዕ ነገር ንምግባር ብሓቂ ንቃለስ ኢና። ኵላትና ብቓል ወይ ብግብሪ ንሓጥእ ኢና። በቲ የሱስ ዝኸፈሎ በጃ ግና፡ ‘ሓጢኣትና ኺሕደገልና’ ይኽእል እዩ። (ቈሎሴ 1:13, 14) ሕድገት ንምርካብ ግና ብሓቂ ኽንንሳሕ ኣሎና። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንየሆዋ ኣብቲ ወዱ ዝኸፈሎ በጃ ብዘሎና እምነት መሰረት ይቕረ ኺብለልና ብትሕትና ኽንልምኖ ኣሎና።—1 ዮሃንስ 1:8, 9 ኣንብብ።

16. ንኣምላኽ ብንጹህ ሕልና ኸነምልኾ ዜኽእለና እንታይ እዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕልናኸ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧

16 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ሕልና። ናይ ገበን ስምዒት ዘለዎ ሕልና ብቐሊሉ ተስፋ ኸም እንቘርጽን ዋጋ ዘይብልና ዀይኑ ኸም ዚስምዓናን ኪገብር ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ በቲ በጃ ኣቢልና ብዝረኸብናዮ ሕድገት ሓጢኣት ኣቢሉ ዘይፍጽምና እናሃለወና ኽነስና ብንጹህ ሕልና ኸነምልኾ ብሕያውነት የኽእለና። (እብራውያን 9:13, 14) እዚ ኸኣ ብትብዓት ከም እንዛረቦ ይገብረና። ስለዚ፡ ከይተሰከፍና ብጸሎት ክንቀርቦ ንኽእል። (እብራውያን 4:14-16) ንጹህ ሕልና ምሓዝ ናይ ኣእምሮ ሰላም የምጽእ፡ ንርእስኻ ግቡእ ክብሪ ኺህልወካ የኽእል፡ ሓጐስ ክትረክብ እውን ኣበርክቶ ይገብር።

17. የሱስ ስለ ዝሞተልና እንታይ በረኸት ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

17 ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንምንባር ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምርካብ። ሮሜ 6:23፡ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ” ትብል። ቀጺላ ድማ፡ “ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣቢሉ ዚህበና ውህበት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” ትብል። ኣብ ምዕራፍ 3 እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣብታ እትመጽእ ምድራዊት ገነት ብዛዕባ ዚህሉ በረኸት ርኢና ኔርና። (ራእይ 21:3, 4) ኵሉ እቲ ኣብ መጻኢ ዚርከብ በረኸት፡ እንተላይ እቲ ፍጹም ጥዕና ዚህልወሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ የሱስ ስለ ዝሞተልና ኢና ኽንረኽቦ እንኽእል። ነዚ በረኸት እዚ ንምርካብ ነቲ ውህበት በጃ ኸም እነማስወሉ ኸነርኢ ኣሎና።

ሞሳኻ ብኸመይ ክትገልጽ ትኽእል፧

18. የሆዋ ነቲ በጃ ብምድላዉ ኸነማስዎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 የሆዋ ነቲ በጃ ብምድላዉ ኸነማስዎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ሓደ ወሃቢ ዚህበና ውህበት ግዜ ዝሰውኣሉ፡ ዝጸዓረሉ፡ ወይ ዘውጽኣሉ እንተ ዀይኑ ብዝያዳ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። እቲ ወሃቢ ንዓና ዘለዎ ናይ ሓቂ ፍቕሩ ዝገለጸሉ መገዲ ምዃኑ ምስ ረኣና፡ ልብና ይትንከፍ። ኣምላኽ እውን ነቲ በጃ ንምሃብ ዝዓበየ መስዋእቲ ስለ ዝኸፈለ፡ ካብ ኵሉ ውህበታት ዝኸበረ እዩ። ዮሃንስ 3:16፡ “ኣምላኽ . . . ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ” ትብል። እቲ እተኸፍለ በጃ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ መግለጺ እቲ የሆዋ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ እዩ። የሱስ ብፍታዉ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፋ፡ እቲ በጃ መርትዖ ፍቕሪ የሱስ እውን እዩ። (ዮሃንስ 15:13 ኣንብብ።) እምበኣር፡ እቲ ውህበት በጃ፡ የሆዋን ወዱን ብውልቂ ኸም ዜፍቅሩና ምትእምማን ኬሕድረልና ኣለዎ።—ገላትያ 2:20

ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ምፍላጥ ሓደ ኻብቲ ነቲ ውህበት በጃ ዘሎካ ሞሳ እተርእየሉ መገዲ እዩ

19, 20. ነቲ ኣምላኽ ዘዳለወልና ውህበት በጃ ዘሎካ ሞሳ በየናይ መገድታት ኢኻ ኸተርኢ እትኽእል፧

19 ነቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ ውህበት በጃ ኸም እተማስወሉ ደኣ እሞ ብኸመይ ኢኻ ኸተርኢ እትኽእል፧ ቅድም ቀዳድም ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ወሃቢ ዝዀነ የሆዋ ዝያዳ ፍለጥ። (ዮሃንስ 17:3) በዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ጌርካ ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ኽትፈልጥ ኪሕግዘካ እዩ። ብዛዕባኡ ዘሎካ ፍልጠት እናዓበየ ምስ ከደ፡ ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ ብዝያዳ ኽትዓምቝ እያ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ እውን ብግዴኣ፡ ንዕኡ ኸተሐጕሶ ድሌት ከተሕድረልካ እያ።—1 ዮሃንስ 5:3

20 ኣብቲ የሱስ ዝኸፈሎ በጃ እምነት ከም ዘሎካ ኣርኢ። ብዛዕባ የሱስ፡ “እቲ ብወዲ ዚኣምን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ” ዚብል ነንብብ ኢና። (ዮሃንስ 3:36) ኣብ የሱስ ዘላትና እምነት ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ብቓላት ጥራይ ኣይኰነትን እትርአ። ያእቆብ 2:26፡ “እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ” ትብል። እወ፡ ናይ ሓቂ እምነት ብ“ግብሪ” እያ እትርአ። ሓደ ኻብቲ ኣብ የሱስ እምነት ከም ዘሎና እነርእየሉ መገዲ፡ ኣብቲ እንብሎ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ እንገብሮ ነገራት እውን ንዕኡ ንምምሳል ዝከኣለና ብምግባር እዩ።—ዮሃንስ 13:15

21, 22. (ሀ) ኣብ ዓመታዊ በዓል ድራር ጐይታ ኽንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ ምዕራፍ 6ን 7ን እንታይ እዩ ኺግለጽ፧

21 ኣብ ዓመታዊ በዓል ድራር ጐይታ ተኣከብ። ምሸት 14 ኒሳን 33 ድ.ክ. የሱስ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ድራር ጐይታ” ኢሉ ዚጽውዖ ፍሉይ በዓል ኣተኣታተወ። (1 ቈረንቶስ 11:20፣ ማቴዎስ 26:26-28) እዚ በዓል እዚ፡ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ተባሂሉ እውን ይፍለጥ እዩ። የሱስ ነዚ በዓል እዚ ዘቘመ፡ ሃዋርያቱን ኵሎም ብድሕሪኦም ዚመጹ ናይ ሓቂ ክርስትያናትን ፍጹም ሰብ ኰይኑ ብሙማት ህይወቱ በጃ ኽትከውን ከም ዝሃበ ምእንቲ ኺዝክሩ ኢሉ እዩ። ብዛዕባ እዚ በዓል እዚ ኸኣ፡ “እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ” ኢሉ ኣዘዘ። (ሉቃስ 22:19) ነቲ በዓል ዝኽሪ ምብዓል ነቲ የሆዋን የሱስን በጃ ብምኽፋል ዘርኣዩና ዓብዪ ፍቕሪ እዩ ዜዘኻኽረና። ኣብቲ ዓመታዊ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ብምእካብ ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። *

22 የሆዋ ዘዳለዎ በጃ ብሓቂ ኣዝዩ ኽቡር ውህበት እዩ። (2 ቈረንቶስ 9:14, 15) እዚ ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት እዚ ነቶም ዝሞቱ እውን ከይተረፈ ኺጠቕሞም ይኽእል እዩ። ኣብ ምዕራፍ 6ን 7ን፡ እዚ ብኸመይ ኪጠቕሞም ከም ዚኽእል ኪግለጽ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 21 ብዛዕባ ድራር ጐይታ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ “ድራር ጐይታ—ንኣምላኽ ዜኽብር በዓል” ዘርእስታ መመላእታ ጽሑፍ ተወከስ።