ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሸሞንተ

ጥምቀትን ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብን

ጥምቀትን ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብን
  • ክርስትያናዊ ጥምቀት ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧

  • ንጥምቀት ብቑዕ ንምዃን እንታይ ስጕምትታት ክትወስድ ኣሎካ፧

  • ሓደ ሰብ ንየሆዋ ገዛእ ርእሱ ዚውፊ ብኸመይ እዩ፧

  • ክትጥመቕ ዚድርኸካ ፍሉይ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

1. ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ኺጥመቕ ዝሓተተ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ፊልጶስ ዝስሙ ክርስትያን ንሓደ ኢትዮጵያዊ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ፡ የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ኣረጋገጸሉ። እቲ ኢትዮጵያዊ በቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተማህሮ ነገር ልቡ ስለ እተተንከፈ፡ ስጕምቲ ወሰደ። “እንሆ ማይ፣ ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” ኢሉ ብምሕታት ድማ ኪጥመቕ ከም ዚደሊ ገለጸ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:26-36

2. ብዛዕባ ጥምቀት ኣርዚንካ ኽትሓስበሉ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

2 ነዘን ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣቐዲመን ዘለዋ ምዕራፋት ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ብሓባር ኴንካ ተጠንቂቕካ እንተ ደኣ ኣጽኒዕካየን፡ ‘ከይጥመቕ እንታይ ይኽልክለኒ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜተስፍዎ ኣብ ገነት ዚህሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተማሂርካ ኢኻ። (ሉቃስ 23:43፣ ራእይ 21:3, 4) ብዛዕባ ዅነታት ምዉታትን ተስፋ ትንሳኤን እውን ተማሂርካ ኢኻ። (መክብብ 9:5፣ ዮሃንስ 5:28, 29) ምናልባት እውን ናብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ኣኼባታት ጉባኤ ኼድካ፡ ብናይ ሓቂ ሃይማኖት ብኸመይ ከም ዚመላለሱ እውን ብዓይንኻ ርኢኻ ትኸውን። (ዮሃንስ 13:35) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ኣማዕቢልካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

3. (ሀ) የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ ትእዛዝ እዩ ዝሃቦም፧ (ለ) ናይ ማይ ጥምቀት ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧

3 ንኣምላኽ ከተገልግል ከም እትደሊ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” በሎም። (ማቴዎስ 28:19) የሱስ ንባዕሉ እኳ ኣብ ማይ ስለ እተጠምቀ ኣብነት ኰይኑ እዩ። ማይ ኣይኰነን ተነጺጉሉ፡ ኣብ ርእሱ ሒደት ማይ እውን ኣይኰነን ፈሲሱሉ። (ማቴዎስ 3:16) እታ “ምጥማቕ” እትብል ቃል ካብታ “ምጥላቕ” ዝትርጉማ ናይ ግሪኽኛ ቃል እያ መጺኣ። እምበኣር፡ ክርስትያናዊ ጥምቀት ኪብሃል ከሎ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ምጥላቕ ወይ ምጥሓል እዩ ዜመልክት።

4. ኣብ ማይ ምጥማቕ እንታይ የመልክት፧

4 ናይ ማይ ጥምቀት ኵሎም እቶም ምስ የሆዋ ኣምላኽ ርክብ ኪህልዎም ዚደልዩ ሰባት ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓት እዩ። ጥምቀት ንኣምላኽ ከተገልግል ከም እትደሊ ንሰባት ይሕብር። ፍቓድ የሆዋ ኽትገብር ባህጊ ኸም ዘሎካ ድማ የርኢ። (መዝሙር 40:7, 8) ንጥምቀት ብቑዕ ክትከውን ግና እተወሰነ ስጕምትታት ክትወስድ ኣሎካ።

ፍልጠትን እምነትን የድሊ

5. (ሀ) ንጥምቀት ብቑዕ ክትከውን ዜኽእል ቀዳማይ ስጕምቲ እንታይ እዩ፧ (ለ) ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 ድሮ እኳ ቐዳማይ ስጕምቲ ኽትወስድ ጀሚርካ ኣለኻ። ብኸመይ፧ ምናልባት በዚ ብጽቡቕ ኣገባብ እተዳለወ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልካ ንየሆዋ ኣምላኽን ንየሱስ ክርስቶስን ክትፈልጦም ጀሚርካ ኢኻ። (ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።) እንተዀነ ግና፡ ብዙሕ ክትምሃሮ ዘሎካ ነገራት ኣሎ። ክርስትያናት “በቲ ልክዕ ፍልጠት ፍቓዱ [ፍቓድ ኣምላኽ]” ኪምልኡ እዮም ዚደልዩ። (ቈሎሴ 1:9) ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ኣኼባታት ጉባኤ ምእካብ ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሕ እዩ ዚሕግዝ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ምእካብ ኣገዳሲ እዩ። (እብራውያን 10:24, 25) ኣዘውቲርካ ምእካብካ ኸኣ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎካ ፍልጠት ከተስፍሕ ኪሕግዘካ እዩ።

ልክዕ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ምጥራይ ንጥምቀት ብቑዕ ንምዃን ዜድሊ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ

6. ንጥምቀት ብቑዕ ክትከውን ክንደይ ዚኣክል ፍልጠት እዩ ዜድልየካ፧

6 ልክዕ እዩ፡ ንጥምቀት ብቑዕ ምእንቲ ኽትከውን ንዅሉ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ነገራት ክትፈልጦ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። እቲ ኢትዮጵያዊ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ እተወሰነ ፍልጠት እኳ እንተ ነበሮ፡ ንገሊኡ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ኪርድኦ ግና ሓገዝ የድልዮ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:30, 31) ንስኻ እውን ብተመሳሳሊ ብዙሕ ክትምሃሮ ዘሎካ ነገራት ኣሎ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ብዛዕባ ኣምላኽ እትምሃሮ ትምህርቲ መወዳእታ የብሉን። (መክብብ 3:11) ቅድሚ ምጥማቕካ ግና እንተ ወሓደ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትፈልጥን ክትቅበሎን ኬድልየካ እዩ። (እብራውያን 5:12) እዚ ትምህርትታት እዚ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታትን ኣገዳስነት ስም ኣምላኽን መንግስቱን ዘጠቓለለ እዩ።

7. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብሮ መጽናዕቲ እንታይ ጽልዋ ኼሕድረልካ ኣለዎ፧

7 ይኹን እምበር፡ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ” ስለ ዚብል፡ ፍልጠት ንበይኑ እኹል ኣይኰነን። (እብራውያን 11:6) መጽሓፍ ቅዱስ ገሊኦም ኣብ ጥንታዊት ከተማ ቈረንቶስ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ምስ ሰምዑ፡ “ኣመኑን ተጠምቁን” ይብለና። (ግብሪ ሃዋርያት 18:8) ብተመሳሳሊ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብሮ መጽናዕቲ፡ እቲ መጽሓፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ እምነት ኬሕድረልካ ኣለዎ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ተስፋታት ኣምላኽን ኣብቲ መስዋእቲ የሱስ ዘለዎ ናይ ምድሓን ክእለትን እምነት ኬሕድረልካ ይግባእ።—እያሱ 23:14፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:12፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ንኻልኦት ምንጋር

8. ነቲ እተመሃርካዮ ንኻልኦት ክትነግር ዚድርኸካ እንታይ እዩ፧

8 ኣብ ልብኻ ዘላ እምነት ምስ ዓበየት፡ ነቲ እተመሃርካዮ ንኻልኦት ክትነግሮም ክትድረኽ ኢኻ። (ኤርምያስ 20:9) ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ንሰባት ንምንጋር ሓያል ድራኸ ኺሓድረካ እዩ።—2 ቈረንቶስ 4:13 ኣንብብ።

እምነትካ ነቲ እትኣምነሉ ነገር ንሰባት ክትነግር ክትድርኸካ ኣለዋ

9, 10. (ሀ) ፈለማ ንመን ኢኻ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኽትነግር እትኽእል፧ (ለ) ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ እተወደበ ስብከት ክትሳተፍ እንተ ደሊኻ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

9 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ብሜላ ንኣዝማድካን ንፈተውትኻን ንጐረባብትኻን ንመሳርሕትኻን ብምንጋር ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ድሕሪ ግዜ፡ ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ እተወደበ ስብከት ክትሳተፍ ትደሊ ትኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ ነቲ ጕዳይ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህረካ ናይ የሆዋ ምስክር ንምዝርራብ ኣይትሰከፍ። ኣብ ዕዮ ምስክርነት ንምስታፍ ብቕዓት ኪህልወካ ኸም ዚኽእል እንተ ተገሚቱ፡ ንስኻን መምህርካን ምስ ክልተ ሽማግለታት ጉባኤ ኽትዛራረቡ ኢኹም።

10 እዚ ኸኣ ምስ ገሊኦም ነቲ መጓሰ ኣምላኽ ዚጓስዩ ክርስትያን ሽማግለታት ኣጸቢቕካ ኽትፋለጥ ኪሕግዘካ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28፣ 1 ጴጥሮስ 5:2, 3) እዞም ሽማግለታት እዚኦም መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተረድኣካ፡ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ትመላለስ ከም ዘለኻ፡ ከምኡ እውን ብሓቂ ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውን ከም እትደሊ እንተ ተገንዚቦም፡ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ እቲ ብስራት ብምዃን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽትሳተፍ ከም እትኽእል ኪሕብሩኻ እዮም።

11. ገሊኦም ንኣገልግሎት ወፍሪ ቕድሚ ምብቃዖም እንታይ ለውጢ ኺገብሩ ኣለዎም፧

11 በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ንኣገልግሎት ወፍሪ ብቑዕ ምእንቲ ኽትከውን ኣብ ህይወትካ እተወሰነ ለውጥታት ክትገብር የድልየካ ይኸውን። እዚ ኸኣ ገሊኡ ምስጢር ጌርካ ሒዝካዮ ዝነበርካ ልማዳት ምሕዳግ እውን የጠቓልል። ስለዚ፡ ዘይተጠምከ ኣስፋሒ ንምዃን ቅድሚ ምሕታትካ፡ ካብ ከም ምንዝርና፡ ስኽራን፡ ሓሽሽ ምውሳድ ዝኣመሰለ ኸቢድ ሓጢኣት ክትርሕቕ ኣሎካ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ ገላትያ 5:19-21 ኣንብብ።

ምንሳሕን ምልዋጥን

12. ንስሓ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

12 ንጥምቀት ቅድሚ ምብቃዕካ ኻልእ ተወሳኺ ስጕምትታት ክትወስድ ኣሎካ። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም . . . ተነስሑን ተመለሱን” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19) ምንሳሕ ኪብሃል ከሎ ብዛዕባ ኣቐዲምካ ዝገበርካዮ ነገር ካብ ልቢ ምጥዓስ ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ብዕሉግ ወይ ብመጠኑ ንጹህ ህይወት የሕልፍ ይንበር ብዘየገድስ ንስሓ የድልዮ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኵሎም ሰባት ሓጥኣንን ካብ ኣምላኽ ይቕረታ ዜድልዮምን እዮም። (ሮሜ 3:23፣ 5:12) መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጽናዕካ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኣይትፈልጥን ኔርካ። እሞ ደኣ ምስ ፍቓዱ ምሉእ ብምሉእ ብምስምማዕ ትነብር ኔርካ ኺብሃል ይከኣልዶ፧ እምበኣር፡ ንስሓ ኣድላዪ እዩ።

13. ምልዋጥ እንታይ እዩ፧

13 ደድሕሪ ንስሓ ስዒቡ ዚመጽእ ምልዋጥ ወይ ‘ምምላስ’ እዩ። ናይ ጣዕሳ ስምዒት ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ነቲ ናይ ቀደም ናብራ ህይወትካ ነጺግካ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ቅኑዕ ዘበለ ኽትገብር ቈራጽነት ግበር። ቅድሚ ምጥማቕካ፡ ክትንሳሕን ክትልወጥን ኣሎካ።

ብብሕቲ ርእስኻ ምውፋይ

14. ቅድሚ ጥምቀት እንታይ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ ኺውሰድ ዘለዎ፧

14 ቅድሚ ምጥማቕካ ኻልእ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኣሎ። ርእስኻ ንየሆዋ ኣምላኽ ክትውፊ ኣሎካ።

ብብሕትኻ ብጸሎት ኣቢልካ ርእስኻ ንኣምላኽ ወፊኻ ዲኻ፧

15, 16. ርእስኻ ንኣምላኽ ምውፋይ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ንሰብከ ነዚ ኺገብር ዚድርኾ እንታይ እዩ፧

15 ካብ ልቢ ብዝመንጨወ ጸሎት ኣቢልካ ርእስኻ ንየሆዋ ኣምላኽ ክትውፊ ኸለኻ፡ ንዘለኣለም ንዕኡ በይኑ ውፉይ ክትከውን ኢኻ ቓል እትኣቱ። (ዘዳግም 6:15) ሓደ ሰብ ነዚ ኺገብር ዚደሊ ግና ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ሰብኣይ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ፍቕሪ ንምምስራት ኪቐርባ ይጅምር ንበል። ዝያዳ ብዝፈለጣን ጽቡቕ ባህርያት ከም ዘለዋ ብዝረኣየን መጠን፡ ብዝያዳ ኸኣ ናብኣ ይስሓብ። ድሕሪ ግዜ ኽትምርዓዎ ይሓትታ። ልክዕ እዩ፡ ሓዳር ተወሳኺ ሓላፍነታት ኣለዎ። ፍቕሪ ግና ነቲ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኺወስድ ትድርኾ።

16 ንየሆዋ ኽትፈልጦን ከተፍቅሮን ምስ ጀመርካ፡ ብዘይ ገደብ ከተገልግሎ ወይ ብዘይ ቀይዲ ኸተምልኾ ትድረኽ ኢኻ። ዝዀነ ይኹን ነቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኪስዕቦ ዚደሊ፡ ‘ርእሱ ኪቐብጽ’ ኣለዎ። (ማርቆስ 8:34) ብሕታዊ ባህግታትናን ሸቶታትናን ነቲ ንኣምላኽ እነርእዮ ምሉእ ተኣዛዝነት ዕንቅፋት ከም ዘይከውን ብምግባር ኢና ገዛእ ርእስና እንቐብጽ። እምበኣር፡ ቅድሚ ምጥማቕካ ፍቓድ የሆዋ ኣምላኽ ምግባር ቀንዲ ሸቶኻ ኪኸውን ኣለዎ።—1 ጴጥሮስ 4:2 ኣንብብ።

ነቲ ጕድለት ከይርከብ ዚሓድረካ ፍርሂ ምስጋሩ

17. ገሊኦም ርእሶም ንየሆዋ ኻብ ምውፋይ ዜድሓርሕሩሉ ምኽንያት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

17 ገሊኦም ከምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ስጕምቲ ምውሳድ ስለ ዜፍርሆም፡ ገዛእ ርእሶም ንየሆዋ ኻብ ምውፋይ የድሓርሕሩ እዮም። ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ምስ ኰኑ፡ ብኣምላኽ ተሓተትቲ ኸይኰኑ ይፈርሁ። ጸኒሖም ጕድለት ከይርከቦምን ንየሆዋ ኸየጕህይዎን ስለ ዚፈርሁ፡ ርእሶም ከይወፈዩ ኺጸንሑ ዝሓሸ ዀይኑ ይስምዖም።

18. ገዛእ ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ዚድርኸካ እንታይ እዩ፧

18 ንየሆዋ ፍቕሪ ምስ ሓደረካ፡ ርእስኻ ንዕኡ ንምውፋይን ምስቲ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ንምንባርን ዚከኣለካ ኽትገብር ክትድረኽ ኢኻ። (መክብብ 5:4) ርእስኻ ምስ ወፈኻ፡ ‘ንየሆዋ እትበቅዕ ኴንካ ኽትመላለስን ብዅሉ ንዕኡ ኸተሐጕሶን’ ከም እትደሊ ፍሉጥ እዩ። (ቈሎሴ 1:10) ንኣምላኽ ስለ እተፍቅሮ፡ ፍቓዱ ምግባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኣይክትርእዮን ኢኻ። ምስቲ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ፣ ትእዛዛቱ እውን ከቢድ ኣይኰነን” ኢሉ ዝጸሓፎ ኸም እትሰማማዕ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—1 ዮሃንስ 5:3

19. ርእስኻ ንኣምላኽ ምውፋይ ኬፍርሃካ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

19 ርእስኻ ንኣምላኽ ምእንቲ ኽትውፊ፡ ፍጹም ክትከውን ኣየድልየካን እዩ። የሆዋ ዓቕምኻ ስለ ዚፈልጦ፡ ልዕሊ ዓቕምኻ ኽትገብር ኣይጽበየካን እዩ። (መዝሙር 103:14) ክትዕወት ስለ ዚደልየካ፡ ኪድግፈካን ኪሕግዘካን እዩ። (ኢሳይያስ 41:10 ኣንብብ።) ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ እንተ ተኣሚንካ፡ “ንመገድታትካ ኬቕንዖ” ምዃኑ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—ምሳሌ 3:5, 6

ወፈያኻ ብጥምቀት ጌርካ ንሰባት ምርኣይ

20. ርእስኻ ንየሆዋ ምውፋይ ብሕታዊ ጕዳይ ኰይኑ ዘይተርፍ ስለምንታይ እዩ፧

20 ብዛዕባ እቲ እተመያየጥናሉ ነገራት ጥራይ ምስ እትሓስበሉ፡ ብብሕትኻ ብጸሎት ኣቢልካ ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንኣምላኽ ብሓቂ ዜፍቅሮ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ‘ተኣሚኑ እዩ ዚድሕን።’ (ሮሜ 10:10) ብኸመይ ኢኻ ነዚ እትገብሮ፧

ጥምቀት በቲ ናይ ቀደም ናብራ ህይወትና ሞይትና፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ከም ዝተንሳእና የመልክት

21, 22. ንእምነትካ ኣብ ቅድሚ ሰባት ‘ክትእመን’ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

21 ነቲ ናይ ጉባኤኻ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ክትጥመቕ ከም ዝደለኻ ንገሮ። ንሱ ድማ እተወሰኑ ሽማግለታት ንመሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሽፍን ሓያሎ ሕቶታት ኪሓትቱኻ ምድላው ኪገብር እዩ። እዞም ሽማግለታት እዚኦም ብቑዕ ከም ዝዀንካ እንተ ተሰማሚዖምሉ፡ ኣብ ዚቕጽል ኣጋጣሚ ኽትጥመቕ ከም እትኽእል ኪነግሩኻ እዮም። * ኣብቲ ስነ ስርዓት ጥምቀት ዚህልወሉ ኣጋጣሚ መብዛሕትኡ ግዜ ትርጉም ጥምቀት ዚገልጽ ዝርርብ ይቐርብ እዩ። ድሕሪኡ፡ እቲ ተዛራባይ ንዅሎም ናይ ጥምቀት ሕጹያት ኣብ ቅድሚ ሰባት ከም ‘እተኣመኑ’ ንምርኣይ ክልተ ቐለልቲ ሕቶታት ይሓትቶም።

22 ርእስኻ ንኣምላኽ ከም ዝወፈኻን ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀንካን ዜፍልጠካ ጥምቀት እዩ። ናይ ጥምቀት ሕጹያት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ብምጥሓል ርእሶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ንሰባት የርእዩ እዮም።

ትርጉም ጥምቀት

23. “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ምጥማቕ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

23 የሱስ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ዘበሉ፡ “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ከም ዚጥመቑ ገሊጹ ነይሩ። (ማቴዎስ 28:19) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ሓደ ናይ ጥምቀት ሕጹይ ንስልጣን የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ኪእመን ኣለዎ ማለት እዩ። (መዝሙር 83:18፣ ማቴዎስ 28:18) ነቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ወይ ንጡፍ ሓይሉ ዘለዎ ዕዮን ንጥፈታትን እውን ኪእመን ኣለዎ።—ገላትያ 5:22, 23፣ 2 ጴጥሮስ 1:21

24, 25. (ሀ) ጥምቀት ንምንታይ የመልክት፧ (ለ) እንታይ ሕቶ እዩ መልሲ ዜድልዮ፧

24 ይኹን እምበር፡ ጥምቀት ኣብ ማይ ምጥላቕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትርጉም ኣለዎ። ኣብ ማይ ምጥሓል፡ በቲ ናይ ቀደም ናብራ ህይወትካ ኸም ዝሞትካ የመልክት። ካብ ማይ ምውጻእ ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ከም ዝተንሳእካ የመልክት። ርእስኻ ንየሆዋ ኣምላኽ ደኣ እምበር ንሓደ ዕዮ፡ ንሓደ ዕላማ፡ ንሰባት፡ ወይ ንሓንቲ ውድብ ከም ዘይወፈኻ ዘክር። ወፈያኻን ጥምቀትካን ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ብምምስራት ናይ ቀረባ ዕርክነት እትጅምረሉ ኣጋጣሚ እዩ።—መዝሙር 25:14

25 ጥምቀት ንድሕነትካ ውሕስነት ኣይኰነካን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን ድሕነትኩም ፈጽሙ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊልጲ 2:12) ጥምቀት መጀመርታ ጥራይ እዩ። እሞ ደኣ ብኸመይ ኢኻ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ እትጸንዕ፧ እታ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኽትገልጸልካ እያ።

^ ሕ.ጽ. 21 ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዓመታዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ወትሩ ጥምቀት ይካየድ እዩ።