ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሽዱሽተ

ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ቑም

ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ቑም
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምስሊ ምጥቃም እንታይ እዩ ዚምህር፧

  • ክርስትያናት ብዛዕባ ሃይማኖታዊ በዓላት እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

  • ንኻልኦት ሰባት ከየቐየምካ ብኸመይ እምነትካ ኽትገልጸሎም ትኽእል፧

1, 2. ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ወጻእካ፡ እንታይ ሕቶ ኢኻ ንርእስኻ ኽትሓትት ዘሎካ፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ ይመስለካ፧

ከባቢኻ ኸም እተበከለ ፈሊጥካ ንበል። ሓደ ሰብ ብምስጢር መርዚ ኣብ ከባቢኻ ስለ ዝጐሓፈ እዩ ተበኪሉ። ስለዚ ድማ ንህይወትካ ዜስግእ እዩ ዀይኑ። እንታይ ምገበርካ፧ ብዘይ ጥርጥር ካብቲ ቦታ እቲ ምገዓዝካ። ከምዚ ድሕሪ ምግባርካ ግና ‘ተመሪዘ ደዀን እኸውን፧’ ዚብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮኻ ይመጸካ እዩ።

2 ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብዚተሓሓዝ እውን ተመሳሳሊ ጕዳይ እዩ ዚልዓል። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣምልኾ ብርኹስ ትምህርትታትን ልምድታትን ከም እተበከለ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። (2 ቈረንቶስ 6:17) ስለዚ ኸኣ እዩ ኻብታ ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” ክትወጽእ ዘሎካ። (ራእይ 18:2, 4) ከምዚ ጌርካዶ፧ እንተ ጌርካ፡ ዚነኣድ እዩ። ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ርእስኻ ምፍላይ ወይ ከም እተሰናበትካ ምግላጽ ጥራይ ግና እኹል ኣይኰነን። ድሕሪኡ፡ ንርእስኻ ‘ገለ ኻብቲ ኣሰር ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣሎኒዶ፧’ ኢልካ ኽትሓትት ኣሎካ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ምስልታትን ኣምልኾ ኣቦሓጎታትን

3. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምስሊ ምጥቃም እንታይ ይብል፧ ኣረኣእያ ኣምላኽ ንገሊኦም ምቕባሉ ዚኸብዶም ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (ለ) ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ንእተተሓሓዘ ነገራት እንታይ ኢኻ ኽትገብሮ ዘሎካ፧

3 ገሊኦም ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ቤቶም ምስልታት ወይ ቅዱስ ገይሮም ዚርእይዎ ነገራት ይሕዙ እዮም። ንስኻኸ ኸምኡ ኣሎካዶ፧ እንተ ኣልዩካ ብዘይ ምስሊ ናብ ኣምላኽ ምጽላይ ዘይተለምደ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ንገሊኡ ኻብዚ ነገራት እዚ እውን ትፈትዎ ትኸውን። ኣምላኽ እዩ ግና ብኸመይ ኪምለኽ ከም ዚግባእ ኪውስን ዘለዎ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣምላኽ ብምስሊ ጌርና ኸነምልኾ ኸም ዘይደሊ እዩ ዚነግረና። (ዘጸኣት 20:4, 5 ኣንብብ፣ መዝሙር 115:4-8፣ ኢሳይያስ 42:8፣ 1 ዮሃንስ 5:21) ስለዚ፡ ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገር ብምውጋድ፡ ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽትቀውም ትኽእል ኢኻ። ንናይ ሓሶት ኣምልኾ፡ ከምቲ የሆዋ ‘ፍንፉን’ ገይሩ ዚርእዮ ጌርካ ኽትርእዮ ኣሎካ።—ዘዳግም 27:15

4. (ሀ) ኣምልኾ ኣቦሓጎታት ከንቱ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ዝዀነ ይኹን መናፍስትነት ከይሳተፉ ዝኸልከሎም ስለምንታይ እዩ፧

4 ኣምልኾ ኣቦሓጎታት እውን ኣብ ብዙሓት ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ልሙድ እዩ። ገሊኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ቕድሚ ምፍላጦም፡ ምዉታት ኣብ ዘይርአ ዓለም ከም ዚነብሩን ንህያዋን ኪሕግዙ ወይ ኪጐድኡ ኸም ዚኽእሉን ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ምናልባት ንስኻ እውን ንዝሞቱ ኣቦሓጎታትካ ንምሕጓስ ብዙሕ ጻዕሪ ትገብር ኔርካ ትኸውን። ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 6 እዛ መጽሓፍ እዚኣ እተመሃርካዮ ግና፡ ምዉታት ዋላ ሓንቲ ኣይፍለጦምን እዩ። እምበኣር፡ እቲ ምሳታቶም ርክብ ንምግባር ዚግበር ጻዕሪ ኸንቱ እዩ። እቲ ኻብ ምዉታት ዝመጸ ዚመስል ዝዀነ ይኹን መልእኽቲ፡ ብሓቂ ኻብ ኣጋንንቲ እዩ ዚመጽእ። ስለዚ ኸኣ እዩ የሆዋ ንእስራኤላውያን ምስ ምዉታት ንምዝራብ ከይፍትኑ ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን መናፍስትነት ከይሳተፉ ዝኸልከሎም።—ዘዳግም 18:10-12 ኣንብብ።

5. ምስሊ ምጥቃም ወይ ንኣቦሓጎታት ምምላኽ ክፋል እቲ ኣቐዲምካ እትስዕቦ ሃይማኖት እንተ ነይሩ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧

5 ምስሊ ምጥቃም ወይ ንኣቦሓጎታት ምምላኽ ክፋል እቲ ኣቐዲምካ እትስዕቦ ዝነበረ ኣምልኾ እንተ ነይሩ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ኣምላኽ ነዚ ነገራት እዚ ብኸመይ ከም ዚርእዮ ንዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳባት ኣንብብን ኣስትንትነሉን። ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽትቀውም ከም እትደሊ መዓልታዊ ንየሆዋ ብጸሎት ንገሮ፣ ምስ ሓሳባቱ ኽትሰማማዕ ኪሕግዘካ ኸኣ ለምኖ።—ኢሳይያስ 55:9

ልደት ብቐዳሞት ክርስትያናት ኣይብዓልን እዩ ነይሩ

6, 7. (ሀ) ልደት ናይ ምንታይ በዓል ከም ዝዀነ እዩ ዚንገር፧ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስከ ነዚ ኣብዒሎምዎዶ፧ (ለ) ብግዜ እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ልደት ምብዓል ምስ ምንታይ እዩ ዚተሓሓዝ ነይሩ፧

6 ሓደ ሰብ ምስ በዓላት እተተሓሓዘ ዜቕርቦ ኣምልኾ ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪብከል ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ በዓል ልደት እስከ ንውሰድ። ኣብ በዓል ልደት፡ የሱስ ክርስቶስ እተወልደሉ ዕለት ከም ዚዝከር እዩ ዚዝረብ። ዳርጋ ዅለን ክርስትያናት ኢና ዚብላ ሃይማኖታት እውን የብዕላኦ እየን። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ በዓል ከም ዘብዓሉ ዚገልጽ መርትዖ የልቦን። ሴክሬድ ኦሪጅንስ ኦቭ ፕሮፋውንድ ቲንግስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ካብቲ ክርስቶስ እተወልደሉ ኣትሒዙ ንኽልተ ዘመን ዚኸውን፡ ብልክዕ መዓስ ከም እተወልደ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ፣ ብዛዕባ እዚ ዚግደሱ እውን ብዙሓት ኣይነበሩን” በለት።

7 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነታ እተወልደላ ዕለት ብልክዕ እኳ እንተ ዚፈልጥዋ፡ ኣይመብዓልዋን ነይሮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ ቐዳሞት ክርስትያናት፡ “ልደት ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ምብዓል ከም ልምዲ ኣረማውያን ገይሮም ይርእይዎ” ምንባሮም ትገልጽ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዚርከብ ልደት እተባዕለሉ ኽልተ ኣጋጣሚ፡ ናይቶም ንየሆዋ ዘየምልኹ ኽልተ ገዛእቲ እዩ። (ዘፍጥረት 40:20፣ ማርቆስ 6:21) ንኽብሪ ኣረማውያን በዓላት ተባሂሉ እውን እተወልዱሉ ዕለት ይብዓል ነበረ። ንኣብነት፡ ኣብ 24 ግንቦት ሮማውያን ነታ ዲያና እትብሃል ኣምላኽ እተወልደትሉ ዕለት የብዕሉ ነበሩ። ኣብታ እትቕጽል መዓልቲ ኸኣ እቲ ናይ ጸሓይ ኣምላኽ ዚብሃል ኣፖሎ እተወልደሉ ዕለት ይብዓል ነበረ። ስለዚ፡ ምብዓል ልደት ምስ ኣረማውነት እምበር ምስ ክርስትና ኣይተሓሓዝን እዩ።

8. ኣብ መንጎ ምብዓል ልደትን ማሪታዊ እምነትን ዘሎ ምትእስሳር ግለጽ።

8 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ልደት የሱስ ዘየብዓሉሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ነይርዎም እዩ። ልደት ምብዓል ምስ ማሪታዊ እምነት ይተሓሓዝ ምንባሩ ይፈልጡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ሓያሎ ጥንታውያን ግሪኻውያንን ሮማውያንን፡ ሰብ ኣብ ዚውለደሉ እዋን ሓደ መንፈስ ኣብ ልደቱ ኸም ዚርከብን ኣብ ምሉእ ህይወቱ ኸም ዜዕቍቦን ይኣምኑ ነበሩ። ዘ ሎር ኦቭ በርዝደይስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “እዚ መንፈስ እዚ ምስቲ እቲ ውልቀ ሰብ እተወልደላ ዕለት ዝልደቱ ኣምላኽ ምስጢራዊ ርክብ ኣለዎ” ትብል። የሆዋ በቲ ንየሱስ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ምስ ማሪታዊ እምነት ዜተሓሕዞ በዓል ከም ዘይሕጐስ እተረጋገጸ እዩ። (ኢሳይያስ 65:11, 12) እሞ ደኣ ልደት ብዙሓት ሰባት ዜብዕልዎ በዓል ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

መበቈል በዓል ልደት

9. የሱስ እተወልደላ ዕለት 25 ታሕሳስ እያ ተባሂላ ኽትብዓል ዝጀመረት ብኸመይ እያ፧

9 ካብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ብኣማእታት ዚቝጸር ዓመታት ጸኒሑ እዩ ሰባት ኣብ 25 ታሕሳስ (ብኣቈጻጽራ ግእዝ ኣብ 29 ታሕሳስ) በዓል ልደት ኬብዕሉ ዝጀመሩ። ብመሰረት መርትዖታት፡ የሱስ ኣብ ጥቅምቲ ስለ እተወልደ፡ እዛ ዕለት እዚኣ፡ ንሱ እተወልደላ ዕለት ኣይኰነትን። * ስለምንታይ ደኣ እያ እሞ 25 ታሕሳስ እተመርጸት፧ ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ሰባት፡ “እታ መዓልቲ ምስቲ ‘መዓልቲ ምውላድ እታ ዘይትሰዓር ጸሓይ’ ዜመልክት ዝነበረ ናይ ሮማ ኣረማዊ በዓል ክትሰማምዓሎም ስለ ዝደለዩ” እዩ ኪኸውን ዚኽእል። (ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ) ኣብቲ ቘራሪ ወርሓት፡ ጸሓይ ኣዝያ ዝደኸመት ኣብ እተመስለሉ እዋን፡ ኣረማውያን ነዛ ምንጪ ሙቐትን ብርሃንን ካብቲ ርሒቓትሉ ዘላ ኽትምለሶም ኢሎም በዓላት ይገብሩ ነበሩ። እታ ጸሓይ ክትምለስ እትጅምረላ ዕለት ከኣ 25 ታሕሳስ ጌርካ ትርአ ነበረት። መራሕቲ ሃይማኖት ንኣረማውያን ሃይማኖቶም ኬቐይሩ ኢሎም ነዚ በዓል እዚ ብምቕባል፡ “ክርስትያናዊ” ኸም ዚመስል ገበርዎ። *

10. ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝነበረ እዋናት፡ ገሊኦም ሰባት በዓል ልደት ዘየብዕሉ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

10 በዓል ልደት ኣረማዊ መበቈል ከም ዘለዎ ኻብ ዚፍለጥ ነዊሕ ኰይኑ እዩ። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝመንጨወ ብዘይምዃኑ፡ ኣብ መበል 17 ዘመን ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ኣብ ገሊኡ ግዝኣታት ኣመሪካን ከይብዓል ተኣጊዱ ነበረ። ልደት ኣብ ዚብዓለሉ ዕለት ናብ ስራሕ ዘይወፈረ ሰብ ድማ መቕጻዕቲ ይኸፍል ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና እዚ ናይ ጥንቲ ልምዲ ናብ ዝነበሮ ተመልሰ፡ ሓድሽ ልምድታት እውን ተወሰኾ። ከም ብሓድሽ ዓብዪ በዓል ኰነ፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከኣ ነዚ ቦታኡ ሒዙ ኣሎ። እቶም ንኣምላኽ ኬሐጕሱ ዚደልዩ ግና በዓል ልደት ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምትእስሳር ስለ ዘለዎ ኣየብዕልዎን እዮም፣ ዝዀነ ይኹን ካብ ኣረማዊ ኣምልኾ ዝመንጨወ ኻልእ በዓል እውን ኣየብዕሉን እዮም። *

መበቈል በዓላት ብሓቂ የገድሰና ድዩ፧

11. ገሊኦም ሰባት በዓላት ዜብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧ ቀንዲ ኼገድሰና ዘለዎ ጕዳይ ግና እንታይ ኪኸውን ይግባእ፧

11 ገሊኦም ሰባት ከም ልደት ዝኣመሰለ በዓላት ኣረማዊ መበቈል ከም ዘለዎ ዚሰማምዑሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ እንተ ተባዕለ ግና ጌጋ ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዖም። ከመይሲ፡ ብዙሓት ሰባት ነዚ በዓላት እዚ ኼብዕሉ ኸለዉ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣይኰኑን ዚሓስቡ። ብዘይካዚ እውን ኣባላት ስድራ ቤት ኪተኣኻኸቡ ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ። ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸይትቐውም ዜጸግመካ ዘሎ ፍቕሪ ስድራ ቤት ደኣሉ እምበር ፍቕሪ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣይኰነን። እቲ መስራቲ ስድራ ቤት ዝዀነ የሆዋ ምስ ቤተ ሰብካ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወካ ኸም ዚደሊ ተኣማመን። (ኤፌሶን 3:14, 15) ነዚ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ፍቕሪ ግና ኣምላኽ ብዚቕበሎ መገዲ ኸተደልድሎ ትኽእል ኢኻ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ቐንዲ ኼገድሰና ዘለዎ ጕዳይ፡ “ብጐይታ ተቐባልነት ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ መርምሩ” በለ።—ኤፌሶን 5:10

ኣብ ጐሓፍ ተደርብያ ዝጸንሓትካ ካራሜላ ኣልዒልካ ምበላዕካያዶ፧

12. ሕማቕ መበቈል ካብ ዘለዎ ልምድታትን በዓላትን ክንርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ብመብርሂ ኣረድእ።

12 መበቈል በዓላት ምስቲ ሕጂ ዚብዓለሉ ዅነታት ብዙሕ ምትሕሓዝ ዘይብሉ ዀይኑ ይሰምዓካ ይኸውን። ንምዃኑ መበቈል በዓላት ብሓቂ ኣገዳሲ ድዩ፧ እወ! በዚ ዚስዕብ መብርሂ እስከ ንመልከቶ። ኣብ ጐሓፍ ሓንቲ ካራሜላ ተደርብያ ርኢኻ ንበል። ኣልዒልካ ምብላዕካያዶ፧ ኣይፋልን! ከመይሲ፡ እታ ካራሜላ ጽርይቲ ኣይኰነትን። በዓላት እውን ከም ካራሜላ ዚብሃግ እኳ እንተ መሰለ፡ ካብ ዘይንጹህ ቦታታት እተወስደ እዩ። ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምእንቲ ኽንቀውም፡ ከምቲ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ “ርኹስ ኣይትተንክዩ” ዝበሎም ነብዪ ኢሳይያስ ዝነበሮ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ።—ኢሳይያስ 52:11

ምስ ካልኦት ብምስትውዓል ተመላለስ

13. ኣብ በዓላት ምስ ዘይትሳተፍ እንታይ ጸገማት ኬጋጥመካ ይኽእል፧

13 ኣብ በዓላት ምስታፍ ምስ ገደፍካዮ፡ ጸገማት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ መሳርሕትኻ ኣብቲ እትሰርሓሉ ቦታ ንበዓላት ኣብ ዚግበር ንጥፈታት ንምንታይ ከም ዘይትሳተፍ ይሓትቱኻ ይዀኑ። ኣብ በዓል ልደት ህያብ እንተ ተዋሂቡካ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ነቲ ህያብ ምቕባል ጌጋ ድዩ፧ ብዓልቲ ቤትካ ኸም ናትካ ዓይነት እምነት እንተ ዘይብላኸ፧ ደቅኻ በዓላት ብዘይምብዓሎም እተጠልዩ ዀይኑ ኸይስምዖም እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ሰበይቲ እንተ ዄንኪ እውን እዚ ጸገማት እዚ እንተ ኣጋጠመኪ እንታይ ኢኺ እትገብሪ፧

14, 15. ሓደ ሰብ ምስ በዓል ብምትሕሓዝ ሰናይ ትምኒቱ እንተ ገሊጹልካ ወይ ህያብ ኪህበካ እንተ ደልዩ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧

14 ንነፍሲ ወከፍ ዜጋጥመካ ዅነት ብኸመይ ከም እትፈትሖ ንምፍላጥ ከተመዛዝን የድልየካ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ኣብ ሰላምታኡ ንበዓል ብዚምልከት ሰናይ ትምኒቱ እንተ ገሊጹልካ፡ ከተመስግኖ ጥራይ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ግና እቲ ኸምዚ ዝበለካ ሰብ መዓልታዊ እትረኽቦ ወይ ምሳኻ ዚሰርሕ ሰብ ይኸውን። ከምዚ ምስ ዚኸውን፡ ምናልባት ዝያዳ ኽትገልጸሉ ትደሊ ትኸውን። ኵሉ ሳዕ ግና ብሜላ ተዛረብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንነፍሲ ወከፍ ከመይ ጌርኩም ክትምልሱ ኸም ዚግብኣኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ፡ ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን” ይብል። (ቈሎሴ 4:6) ክብሮም ዚትንክፍ ነገር ከይትገብር ተጠንቀቕ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሜላ ኣቕዋምካ ግለጸሎም። ህያብ ምሃብን ምትእኽኻብን ከም ዘይትጸልእ፡ የግዳስ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ነዚ ኽትገብሮ ኸም እትመርጽ ንጹር ግበረሎም።

15 ሓደ ሰብ ህያብ ኪህበካ እንተ ደለየኸ፧ ብዓብዪኡ ኣብቲ ዅነታት እዩ ዚምርኰስ። እቲ ወሃቢ፡ “ነዚ በዓል እዚ ኸም ዘይተብዕል እፈልጥ እየ። ኰይኑ ግና፡ ነዛ ህያብ ክህበካ እደሊ እየ” ይብለካ ይኸውን። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ነቲ ህያብ ምቕባል፡ ኣብቲ በዓል ምስታፍ ከም ዘየመልክት ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ርግጽ እዩ፡ እቲ ወሃቢ ንእምነትካ ዘይፈልጦ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ በዓል ከም ዘይተብዕሎ ኽትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ህያብ እናተቐበልካ ኽነስኻ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ስለምንታይ ህያብ ከም ዘይሃብካዮ ኺርድኦ ይሕግዞ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ንእምነትካ ጠቢቕካ ኸም ዘይትስዕቦ ወይ ስጋዊ ረብሓ ንምርካብ ከም እትምብርከኽ ንምርኣይ ተባሂሉ ዚውሃበካ እንተ ዀይኑ፡ ምቕባሉ ጥበባዊ ኣይኰነን።

ምስ ኣባላት ስድራ ቤትካ ኣብ ዘሎካ ርክብከ፧

16. ምስ በዓላት ኣብ ዚተሓሓዝ ጕዳይ ብኸመይ ኢኻ ብሜላ ኽትረዳዳእ እትኽእል፧

16 ኣባላት ስድራ ቤትካ ኸም ናትካ ዓይነት እምነት ዘይብሎም እንተ ዀይኖምከ፧ ኣብዚ እውን ሜላ ኺህልወካ ኣለዎ። ብዛዕባ ዅሉ እቲ ቤተ ሰብካ ኼብዕልዎ ዝደለዩ ልማድ ወይ በዓል ክትታረኽ ኣየድልየካን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ ንኣረኣእያኻ ኬኽብሩልካ እትደሊ፡ ንኣረኣእያኦም እውን ኣኽብረሎም። (ማቴዎስ 7:12 ኣንብብ።) ኣብቲ በዓል እቲ ተሳታፊ ኺገብረካ ኣብ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ተግባር ኣይትእቶ። ኰይኑ ግና፡ ምስቲ በዓል ናይ ብሓቂ ኣብ ዘይተሓሓዝ ጕዳያት ሚዛናዊ ዄንካ ስጕምቲ ውሰድ። ርግጽ እዩ፡ ከምዚ ኺብሃል ከሎ ወትሩ ሰናይ ሕልና ኸም ዚህልወካ ዚገብር ስጕምቲ ጥራይ ኢኻ ኽትወስድ ዘሎካ።—1 ጢሞቴዎስ 1:18, 19 ኣንብብ።

17. ካልኦት በዓላት ኬብዕሉ ኸለዉ ደቅኻ እተጠልዩ ዀይኑ ምእንቲ ኸይስምዖም እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

17 ደቅኻ ቕዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ በዓላት ብዘይምብዓሎም እተጠልዩ ዀይኑ ምእንቲ ኸይስምዖም እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ እዚ ብዓብዪኡ ኣብቲ ኣብ ካልእ እዋን እትገብሮ ነገራት እዩ ዚምርኰስ። ገሊኦም ወለዲ ንደቆም ህያባት ንምሃብ ግዜ ይምድቡ እዮም። ሓደ ኻብቲ ንደቅኻ ኽትህቦም እትኽእል ዝበለጸ ውህበት ግዜኻን ፍቕራዊ ቘላሕታኻን እዩ።

ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ተመላለስ

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምስዓብ ናይ ሓቂ ሓጐስ የምጽእ

18. ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽትቀውም ብኸመይ ይሕግዘካ፧

18 ንኣምላኽ ምእንቲ ኸተሐጕስ፡ ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ነጺግካ ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽትቀውም ኣሎካ። እዚ እንታይ የጠቓልል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። ንሓድሕድና ንተባባዕ እምበር፡ ከምቲ ገሊኦም ልማድ ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ። እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽትርእዩ ኸለኹም ከኣ፡ ነዚ ብዝያዳ ግበርዎ” ይብል። (እብራውያን 10:24, 25) ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኣምላኽ በቲ ንሱ ዚቕበሎ መገዲ ኸተምልኾ ዜኽእለካ ዜሐጕስ ኣጋጣሚ እዩ። (መዝሙር 22:22፣ 122:1) ኣብዚ ኣኼባታት እዚ እሙናት ክርስትያናት ንሓድሕዶም ‘ይተባብዑ’ እዮም።—ሮሜ 1:12

19. ብዛዕባ እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርካዮ ነገር ንኻልኦት ምንጋር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

19 ካልእ ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽትቀውም ዜኽእለካ ኸኣ፡ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እትገብሮ መጽናዕቲ ዝፈለጥካዮ ነገራት ምንጋር እዩ። ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ እከይ ብሓቂ “እህህ ዚብሉን ዚግዕሩን” እዮም። (ህዝቅኤል 9:4) ምናልባት ከምዚ ዓይነት ስምዒት ዘለዎም ሰባት ትፈልጥ ትኸውን። ንምንታይ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋኻ ዘይተዘራርቦም፧ ምስ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምስ እትቀራረብን ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ እተመሃርካዮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜደንቕ ሓቂ ምስ እትነግሮምን፡ ዝዀነ ይኹን ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ንእተተሓሓዘ ልምድታት ዝነበረካ ባህጊ በብቝሩብ ኪሃስስ እዩ። ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እንተ ቜምካ፡ ኣዚኻ ኸም እትሕጐስን ብዙሕ በረኸት ከም እትረክብን ኣይትጠራጠር።—ሚልክያስ 3:10

^ ሕ.ጽ. 9 ኣብታ “የሱስ ኣብ ታሕሳስ ድዩ ተወሊዱ፧” ዘርእስታ መመላእታ ጽሑፍ ተወከስ።

^ ሕ.ጽ. 9 ሳተርናልያ ዚብሃል በዓል እውን 25 ታሕሳስ ክትምረጽ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። እዚ ንኽብሪ ናይ ሮማ ኣምላኽ ሕርሻ ዚግበር በዓል ካብ 17-24 ታሕሳስ እዩ ዚብዓል ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድግስን ፈንጠዝያን ይገብሩ፡ ህያብ ድማ ይውሃሃቡ ነበሩ።

^ ሕ.ጽ. 10 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኻልእ በዓላት ብኸመይ ከም ዚርእይዎ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ “በዓላት ከነብዕል ግቡእ ድዩ፧” ዘርእስታ መመላእታ ጽሑፍ ተወከስ።