ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ዝዓበየ መረጋገጺ ፍቕሪ ኣምላኽ

እቲ ዝዓበየ መረጋገጺ ፍቕሪ ኣምላኽ

ንኣምላኽ ቅረቦ

እቲ ዝዓበየ መረጋገጺ ፍቕሪ ኣምላኽ

ዘፍጥረት 22:1-18

ኣብርሃም ንኣምላኽ የፍቅሮ ነበረ። እዚ ሓደ ኻብቶም እሙናት ኣበው እዚ፡ ነቲ ኣብ እርጋኑ ዝወለዶ ወዱ ይስሃቅ እውን የፍቅሮ ነበረ። ይስሃቅ ወዲ 25 ዓመት ኣብ ዝዀነሉ እዋን ግን፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ንይስሃቅ ወዱ ኺስውኦ ስለ ዝነገሮ፡ ሓደ ኣቦ ብተፈጥሮ ዘይገብሮ ነገር ንኺገብር ፈተና ኣጋጠሞ። ይኹን እምበር፡ እቲ ታሪኽ ብሞት ይስሃቅ ኣይኰነን ተዛዚሙ። ኣብታ ናይ መወዳእታ ህሞት፡ ኣምላኽ ብመልኣኹ ኣቢሉ ኢዱ ኣእተወ። እዚ ኣብ ዘፍጥረት 22:1-18 ዚርከብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ዜርኢ ትንቢታዊ መርኣያ ዝሓዘ እዩ።

ቍጽሪ 1፡ “ኣምላኽ ንኣብርሃም መከሮ” ትብል። ኣብርሃም ናይ እምነት ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ እምነቱ ተፈተነት። ኣምላኽ፡ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰድ እሞ፡ . . . ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዚሐርር መስዋእቲ ሰውኣዮ” በሎ። (ቍጽሪ 2) ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ኻብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኺፍተኑ ኸም ዘይሓድጎም ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ እዚ ፈተና እዚ ንኣብርሃም ከም ዚተኣማመነሉ ዜርኢ እዩ ነይሩ።—1 ቈረንቶስ 10:13

ኣብርሃም ሰጋእ መጋእ ከይበለ ተኣዘዘ። “ንጽብሒቱ ድማ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ኣድጉ ጽዒኑ፡ ክልተ ግዙኣቱን ወዱ ይስሃቅን ምስኡ ወሰደ፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ዚኸውን ዕጨይቲውን ፈለጸ፡ ተንሲኡ ድማ ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ ኸደ” ዚብል ነንብብ። (ቍጽሪ 3) ብዛዕባ ዝርዝር እቲ ፈተና ንዋላ ሓደ ኸም ዘይነገረ ፍሉጥ እዩ።

ኣብቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጕዕዞ፡ ኣብርሃም ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣጸቢቑ ሓሲቡ ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ካብ ውሳኔኡ ወለቕ ዘለቕ ኣይበለን። እቲ እተዛረቦ ቓላት፡ እምነት ከም ዝነበሮ ዜርኢ እዩ። ኣብታ እተነግረቶ ኸረን ምስ በጽሐ፡ ንኣገልገልቱ፡ “ኣብዚ ጽንሑ፡ ኣነን እዚ ወድን ከኣ ናብቲ ኼድና ኽንሰግድ ኢና፡ ናባኻትኩም ድማ ንምለስ” በሎም። ይስሃቅ ንመስዋእቲ ዚኸውን በጊዕ ኣበይ ከም ዘሎ ምስ ሓተቶ፡ “እቲ ንዚሐርር መስዋእቲ ዚኸውን በጊዕሲ ኣምላኽ ንርእሱ ይሐልዮ እዩ” በሎ። (ቍጽሪ 58) ኣብርሃም ምስ ወዱ ኺምለስ እዩ ዚጽበ ነይሩ። ስለምንታይ፧ “ኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከአሎ ሐሲቡ” ስለ ዝነበረ እዩ።—እብራውያን 11:19

ኣብርሃም ኣብቲ ኸረን ‘ንወዱ ኺሐርድ ካራ ምስ ወሰደ፡’ ሓደ መልኣኽ ኢዱ ሓዞ። ሽዑ ኣምላኽ፡ ኣብርሃም “ኣብ ክንዲ ወዱ” ዚስውኦ፡ ቀርኑ ብሓረግ እተታሕዘ ድዑል ኣዳለወ። (ቍጽሪ 10-13) ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ፡ ይስሃቅ ከም እተሰውአ እዩ ዚቝጸር። (እብራውያን 11:17) ሓደ ምሁር ከም ዝገለጾ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ እቲ ፍቓደኛ ምዃን ከም ተግባር እዩ ተቘጺሩ።”

የሆዋ ንኣብርሃም ከም ዚተኣማመነሉ ተረጋገጸ። ኣምላኽ ነቲ ምስኡ ዝኣተዎ ኺዳን፡ ማለት ነቲ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ዚባረኹሉ ኺዳን ስለ ዝደገሞን ዘስፍሖን ድማ ኣብርሃም በቲ ኣብ የሆዋ ዝገበሮ እምንቶ ተኻሕሰ።—ቍጽሪ 15-18

ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ንወዱ ኸይስውእ እኳ እንተ ዓገቶ፡ ጸኒሑ ግን ንሱ ንባዕሉ ወዱ ሰውአ። ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ኪስውእ ፍቓደኛ ምዃኑ፡ ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ የሱስ ኣብ ክንዲ ሓጢኣትና መስዋእቲ ገይሩ ኬቕርብ ምዃኑ ዜርኢ እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 3:16) መስዋእቲ ክርስቶስ፡ ነቲ የሆዋ ንዓና ዘለዎ ፍቅሪ ዜርኢ ዝዓበየ መረጋገጺ እዩ። ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት መስዋእቲ ስለ ዝገበረልና ኸኣ፡ ‘ንኣምላኽ ምእንቲ ኸሐጕስ እንታይ ዓይነት መስዋእቲ ኽገብር እየ ፍቓደኛ ዝኸውን፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ይግባእ።