ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንደቅኻ ምሃሮም

ዮስያስ ቅኑዕ ዘበለ ኺገብር መረጸ

ዮስያስ ቅኑዕ ዘበለ ኺገብር መረጸ

ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ኣጸጋሚዶ ይመስለካ፧ *— እወ፡ ትብል እንተ ደኣ ዄንካ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ምሳኻ ይሰማምዑ እዮም። ዓበይቲ እውን እንተ ዀኑ፡ ነቲ ቕኑዕ ምዃኑ ዝፈልጥዎ ነገር ምግባር የጸግሞም እዩ። ብፍላይ ንዮስያስ ቅኑዕ ምርጫታት ንኺገብር ስለምንታይ ከም ዜጸገሞ ንርአ። ዮስያስ እንታዋይ ምንባሩ ትፈልጥዶ፧—

ዮስያስ ወዲ እቲ ንጉስ ይሁዳ ዝነበረ ኣሞን እዩ። ዮስያስ ኪውለድ ከሎ ኣቦኡ ኣሞን ወዲ 16 ዓመት ነበረ። ኣሞን ልክዕ ከም ኣቦኡ ንጉስ ምናሴ ኣዝዩ ኽፉእ ገበረ። ምናሴ ንብዙሕ ዓመታት ኣዝዩ እኩይ ገዛኢ እዩ ነይሩ። ደሓር ግን ብኣሶራውያን ተማሪኹ ናብታ ኣብ ርሑቕ ዝነበረት ባቢሎን እሱር ኰይኑ ተወስደ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ ይቕረ ምእንቲ ኺበሃለሉ፡ ንየሆዋ ለመኖ፣ የሆዋ ኸኣ ይቕረ በለሉ።

ምናሴ ምስ ተፈትሐ፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ፡ ኣብኡ ኸአ እንደገና ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ጀመረ። ብኡንብኡ ነቲ ዝገበሮ ሕማቕ ነገራት ኣሪሙ፡ ነቶም ሰባት ንየሆዋ ኼገልግሉ ሓገዞም። ወዱ ኣሞን ነቲ ጽቡቕ ኣብነቱ ብዘይምስዓቡ፡ ጕህዩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣቢሉ፡ ዮስያስ ተወልደ። ምናሴ ምስ ዮስያስ እቲ ወዲ ወዱ ኽሳዕ ክንደይ ይራኸብ ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን እዩ። ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ኼገልግል ሓጊዝዎ ኪኸውን ዚኽእልዶ ይመስለካ፧—

ዮስያስ ገና ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ከሎ፡ ምናሴ ሞተ፣ ኣሞን ኣቦ ዮስያስ ከኣ ነገሰ። ኣሞን ንኽልተ ዓመት ጥራይ ምስ ገዝአ፡ ኣገልገልቱ ቐተልዎ። ስለዚ፡ ዮስያስ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ከሎ፡ ንጉስ ይሁዳ ዀነ። (2 ዜና መዋእል፡ ምዕራፍ 33) ሽዑ እንታይ ዝገበረ ይመስለካ፧ ነቲ ሕማቕ ኣብነት ኣቦኡ ኣሞን ኺስዕብ ድዩ መሪጹ፡ ወይስ ነቲ ሰናይ ኣብነት እቲ እተነስሐ ኣባሓጎኡ ምናሴ፧—

ዮስያስ ገና ቘልዓ እኳ እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ኸገልግል ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ፡ ኣብ ክንዲ ንኣዕሩኽ ኣቦኡ፡ ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ሰምዐ። ዮስያስ ገና ወዲ ሸሞንተ ዓመት ክነሱ፡ ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ሰባት ምስማዕ ቅኑዕ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። (2 ዜና መዋእል 34:1, 2) ብዛዕባ እቶም ንዮስያስ ዝመኸርዎን ኣርኣያ ዝዀንዎን ሰባት ክትፈልጥ ትደሊዶ፧—

ሓደ ኻብቶም ንዮስያስ ጽልዋ ዝገበሩሉ ሰባት፡ ነብዪ ጸፎንያስ እዩ። እዚ ነብዪ እዚ፡ ካብ ዘርኢ እቲ ቅኑዕ ንጉስ ዝነበረ ህዝቅያስ ኣቦ ምናሴ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ዘመድ ዮስያስ እዩ ነይሩ። ኣብተን ዮስያስ ንጉስ ኰይኑ ዝገዝኣለን ናይ መጀመርታ ዓመታት፡ ጸፎንያስ ነታ ብስሙ እተጸውዐት ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ጸሓፋ። ጸፎንያስ ነቶም ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ዘይመርጹ ሰባት ክፉእ ነገራት ከም ዜጋጥሞም ኣጠንቀቐ፣ ዮስያስ ነቲ መጠንቀቕታት እቲ የቕልበሉ ኸም ዝነበረ ኸኣ ፍሉጥ እዩ።

ካልእ ንዮስያስ ጽልዋ ዝገበረሉ ኸኣ ኤርምያስ እዩ፣ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ኤርምያስ ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ኤርምያስን ዮስያስን ንኣሽቱ እዮም ነይሮም፣ ኣብ ሓደ ኸባቢ ኸኣ እዮም ዓብዮም። የሆዋ ንኤርምያስ ነታ ብስሙ እትጽዋዕ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ኪጽሕፍ ብመንፈሱ ደረኾ። ዮስያስ ኣብ ውግእ ምስ ሞተ፡ ኤርምያስ ሓዘኑ ንምግላጽ መጽሓፍ ልቕሶ ዝበሃል ፍሉይ ጽሑፍ ጸሓፈሉ። (2 ዜና መዋእል 35:25) ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ንኺነብሩ ንሓድሕዶም ክሳዕ ክንደይ ተተባቢዖም ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ክንግምቶ ንኽእል ኢና።

ብዛዕባ ዮስያስ ብምጽናዕ እንታይ ክትመሃር እትኽእል ይመስለካ፧— ኣቦኻ ከም ኣቦ ዮስያስ ንየሆዋ ዘየገልግል እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ክትመሃር ኪሕግዘካ ዚኽእል ካልእ ሰብ ኣሎዶ፧ ምናልባት ኣዴኻ፡ ኣቦሓጎኻ፡ ዓባይካ፡ ወይ ካልእ ዘመድካ ኪሕግዙኻ ይኽእሉ ይዀኑ። ወይ እውን ኣዴኻ ምስ ሓደ ንየሆዋ ዜገልግል ካልእ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ተፍቅደልካ ትኸውን።

እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ፡ ዮስያስ ገና ቘልዓ እኳ እንተ ነበረ፡ ምስቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ ሰባት ኪተዓራረኽ ከም ዘለዎ ግን ይፈልጥ ነበረ። ንስኻ እውን ንዕኡ ብምምሳል፡ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ምረጽ!

^ ሕ.ጽ. 3 ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ጸፎንያስን ኤርምያስን ንዮስያስ ቅኑዕ ዘበለ ንኺገብር ብኸመይ ሓጊዞምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ፧