ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ንውሉዳት ምግሳጽ

ንውሉዳት ምግሳጽ

ጆን፦ * ወለደይ ብሓደ በደል ቅድሚ ምቕጻዖም፡ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበርኩን እንታይ ኵነታት ከም ዝነበረን ኪርድኡ ይጽዕሩ እዮም ነይሮም። ኣነ እውን ንደቀይ ብተመሳሳሊ መገዲ እየ ኽሕዘን ዝፍትን። ኣሊሰን ሰበይተይ ግን፡ እተፈልየ ኣተዓባብያ እዩ ነይርዋ። ኣቦኣን ኣዴኣን ተቓጻዕቲ እዮም ነይሮም። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ዅነታት ከይተጨነቑ፡ ንደቆም ይቐጽዑ ነይሮም። ሓድሓደ ግዜ ሰበይተይ ንደቅና ብተመሳሳሊ መገዲ ተግሳጽ ከም እተብዝሓለን እዩ ዚስምዓኒ።

ካሮል፦ ገና ጓል ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣቦይ ራሕሪሑና ኸደ። ንኣይ ኰነ ነተን ሰለስተ ኣሓተይ ኣይተገደሰልናን። ኣደይ ዜድልየና ንምምላእ ኣበርቲዓ ትዓዪ ነበረት፡ ኣነ እውን ነተን ምንኣሰይ ኣሓተይ ናይ ምክንኻን ብዙሕ ሓላፍነት ተሰከምኩ። ናይ ወላዲ ዕዮ እዓዪ ብምንባረይ፡ ቍልዕነተይ ኣየስተማቐርክዎን። ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ፡ ቍም ነገር ስለ ዘብዝሕ፡ ተጻዋቲት ኣይኰንኩን። ደቀይ ተግሳጽ ኬድልየን ከሎ፡ ብጌጋታተን ብዙሕ እየ ዝጕሂ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም እተገብረን እንታይ ይሓስባ ምንባረንን ክፈልጥ እደሊ እየ። ማርክ ሰብኣየይ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብዙሕ ኣይጭነቕን እዩ። ፈቃር ግን ከኣ ጽኑዕ ኣቦ እዩ ኣዕብይዎ፡ ንኣዲኡ እውን ብተኣማንነት እዩ ተኸናኺንዋ። ደቅና ኺብድላ ኸለዋ፡ ሰብኣየይ ቀልጢፉ ነቲ ጸገም ይፈትሖ እዩ። ነቲ ዅነታት ይግምግሞ፡ መአረምታ ይህብ፡ ድሕሪኡ መሊሱ ኣይዝክሮን።

እቲ ጆንን ካሮልን ዝሃብዎ ሓሳብ ከም ዚሕብሮ፡ ኣተዓባብያኻ ንውሉዳትካ ኣብ እትግስጸሉ መገዲ ሓያል ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ሰብኣይን ሰበይትን እተፈላለየ ኣተዓባብያ እንተ ኣልይዎም፡ ንውሉዳቶም ስልጠና ኣብ ምሃብ ዝመጸ እተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዚህልዎም። ሓድሓደ ግዜ፡ እዚ ፍልልይ እዚ ኣብ ሓዳር ውጥረት ይፈጥር እዩ።

ድኻም እውን ነቲ ውጥረት ኬጋድዶ ይኽእል እዩ። ሓደስቲ ወለዲ፡ ብዙሕ ከይጸንሑ ንውሉዶም ምግሳጽ ኣድካሚ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ኸም ዝዀነ ይግንዘቡ እዮም። ጆኣን እትበሃል ምስ ሰብኣያ ዳረን ክልተ ኣዋልድ ዘዕበየት ብዓልቲ ሓዳር ከምዚ በለት፦ “ንደቀይ የፍቅረን እኳ እንተ ዀንኩ፡ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኣብቲ ኺድቅሳ ዝደልየን ሰዓት ኣይድቅሳን እየን። ኣብ ዘይሰዓተን ይበራበራ። ክዛረብ ከለኹ ይዀልፋኒ። ሳእነንን ክዳውንተንን መጻወቲአንን ፈቐዶኡ ይድርብያኦ፡ ንጠስሚ ድማ ኣብ መዝሓሊ ኣይመልሳኦን እየን።”

ካልአይቲ ውሉዳ ድሕሪ ምውላዳ ጭንቀት ዘሕደረት ሰበይቲ ዘላቶ ጃክ ከምዚ በለ፦ “መብዛሕትኡ ግዜ፡ ካብ ስራሕ ኣዝየ ደኺመ እየ ዝመጽእ፡ ድሕሪኡ ኽሳዕ ፍርቂ ለይቲ ኸይደቀስኩ ነታ ሓዳስ ውላድና እኣልያ። እዚ ኸኣ ነታ ዓባይ ጓልና ተሪር ተግሳጽ ንኸይንህባ ዕንቅፋት ኰነና። ኣቓልቦና ናብታ ንእሽተይ ሓብታ ስለ ዝገበርና፡ ትቐንእ ነበረት።”

እቶም ዝደኸሙ ወለዲ ንደቆም ብኸመይ ከም ዜዕብይዎም ኪካትዑ ኸለዉ፡ ንእሽቶ ኽትዕ ናብ ዓብዪ ዘይምስምማዕ ኪመርሕ ይኽእል እዩ። ፍታሕ ዘይረኸበ ጸገማት፡ ንመጻምድቲ ዚፈላሊ ነቓዕ ኪፈጥርን ቈልዓ ናብ ሓዲኦም ከም ዚውግን ኪገብርን ይኽእል እዩ። ሰብ ሓዳር ንውሉዳቶም ውጽኢታዊ ስልጠና እናሃቡ ጥብቂ ርክብ ኪህልዎም ዚሕግዝ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

ምስ መጻምድትኻ እተሕልፎ ግዜ መድብ

ሓዳር ቅድሚ ውሉዳት ምምጻኦም ኪምስረት፡ ውሉዳት ዓብዮም ካብ ገዛ ድሕሪ ምውጻኦም ድማ ኪቕጽል እዩ ተሓሊኑ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥምረት ሓዳር ኪገልጽ ከሎ፡ “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ” ይብል። (ማቴዎስ 19:6) ብኣንጻሩ ግን፡ ኣምላኽ ንውሉድ ኣብ መወዳእታ ‘ነቦኡን ነዲኡን ኪሓድግ’ ከም ዚጽበዮ፡ ኣብ ከባቢ እዛ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ይሕብረና። (ማቴዎስ 19:5) ብሓቂ እምበኣር፡ ውሉዳት ምዕባይ መሰረት ናይ ሓዳር ዘይኰነስ፡ ሓደ ገጽ ናይ ሓዳር ጥራይ እዩ። ወለዲ ንውሉዳቶም ኣብ ምስልጣን ግዜ ኼሕልፉ የድልዮም እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ኺገብርዎ ዚግባእ ዝበለጸ መሰረት ግን ጽኑዕ ሓዳር ምምስራት ምዃኑ ኺርስዑ የብሎምን።

ሰብ ሓዳር ንውሉዳቶም ኣብ ዜዕብይሉ ዓመታት፡ ጥብቂ ርክብ ሒዞም ንኪቕጽሉ ዜኽእሎም ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧ ብእተኻእሎም መጠን፡ ውሉዳት ኣብ ዘይህልዉሉ እዋን ብሓንሳእ ዘሕልፍዎ እተወሰነ ግዜ ወትሩ ኺምድቡ ኣለዎም። ከምዚ ምግባር፡ ብዛዕባ ስድራ ቤትኩም ኣገዳሲ ነገራት ንኽትመያየጡን ንሓድሕድኩም ጽቡቕ ግዜ ንኸተሕልፉን ኣጋጣሚ ይኸፍተልኩም እዩ። ልክዕ እዩ፡ ክልቴኹም ጥራይ እተሕልፍዎ ግዜ ምርካብ ቀሊል ኣይኰነን። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኣሊሰን እትበሃል ኣደ ኸምዚ በለት፦ “ኣነን ሰብኣየይን ብሓንሳእ እንዀነሉ እተወሰነ ግዜ ኸም ዝረኸብና ኽንሓስብ ከለና፡ እታ ንእሽቶ ጓልና ኣቓልቦ ኽንገብረላ ትደሊ ወይ እታ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ጓልና ሕብርታታ ኸም ዝጠፍኣ ኣምሲላ ‘ትርብሽ።’”

እቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ጆኣንን ዳረንን፡ ንደቆም ዚድቅሳሉ ሰዓት ብምውሳን ክልቲኦም ብሓንሳእ ዜሕልፍዎ ግዜ መደቡ። ጆኣን፡ “ደቅና ዅሉ ግዜ ኣብታ እተመደበትለን ሰዓት ናብ ዓራተን ደይበን ክድቅሳ ትጽቢት ይግበረለን ነይሩ። ከምዚ ምግባርና ኸኣ ኣነን ዳረንን ፍዅስ ኢሉና እንዘራረበሉ ግዜ ኸም እንረክብ ገበረ” በለ።

ውሉዳት ዚድቅስሉ ምዱብ ሰዓት ምውሳን፡ ወለዲ ብሓንሳእ ዜሕልፍዎ ግዜ ኸም ዚረኽቡ ዚገብር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓደ ቘልዓ “ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብ” ይሕግዞ እዩ። (ሮሜ 12:3) ዚድቅስሉ ምዱብ ሰዓት ንኬኽብሩ ዝሰልጠኑ ውሉዳት፡ ኣብ ስድራ ቤቶም ኣገዳሲ ቦታ እኳ እንተ ኣለዎም፡ ልዕሊ ዅሉ ኣገደስቲ ኣባላት ስድራ ቤት ከም ዘይኰኑ ንኺግንዘቡ የኽእሎም። ናይ ስድራ ቤቶም መደብ ምስ ድሌቶም ኪሰማማዕ ኣብ ክንዲ ዚጽበዩ፡ ንሳቶም ምስቲ መደብ ስድራ ቤቶም ተሰማሚዖም ኪነብሩ ኸም ዘለዎም ንኺግንዘቡ የኽእሎም።

ነዚ ፈትኖ፦ ናይ ድቃስ ሰዓት መድብ፡ ብቐጻሊ ኣብ ግብሪ ኸም ዚውዕል ግበር። ውሉድካ ስለምንታይ ቍሩብ ኪጸንሕ ከም ዝደለየ ምኽንያት እንተ ኣቕሪቡ፡ ንኣብነት፡ ማይ ኪሰቲ እንተ ደልዩ ንሓንሳእ ከተፍቅደሉ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን፡ መወዳእታ ዘይብሉ ነገራት እናሓተተ ነቲ ናይ ድቃስ ሰዓቱ ንኼናውሕ ኣይተፍቅደሉ። ሓሙሽተ ደቒቓ ኺጸንሕ እንተ ለሚኑካ እሞ ንስኻ እውን ከተፍቅደሉ እንተ ደሊኻ፡ ሰዓት ደወል መሊእካ ኣብ ሓሙሽተ ደቒቕ ከም እትድውል ግበር። እታ ሰዓት ምስ ደወለት ተወሳኺ ግዜ ኸይፈቐድካ እቲ ቘልዓ ኸም ዚድቅስ ግበር። እቲ እትብሎ፡ “እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን።”—ማቴዎስ 5:37

ስሙር ግንባር ይሃልኹም

ሓደ ጥበብ ዝሓዘለ ምስላ፡ “ወደየ፡ . . . ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ” ይብል። (ምሳሌ 1:8) እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ እዚ፡ ኣቦን ኣደን ኣብ ውሉዳቶም ስልጣን ከም ዘለዎም ዜርኢ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ዓይነት ኣተዓባብያ ኣብ ዘለዎም ሰብ ሓዳር እውን ከይተረፈ፡ ቈልዓ ብኸመይ ኪግሰጽ ከም ዚግብኦን ኣብ እተፈላለየ እዋናት እንታይ ዓይነት ናይ ስድራ ቤት መምርሒ ኺዕየየሉ ኸም ዚግባእን ዘይምስምማዕ ኬጋጥም ይኽእል እዩ። ወለዲ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብኸመይ ኪዋጽእሉ ይኽእሉ፧

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጆን፡ “ኣብ ቅድሚ ውሉዳትና ዘይምብኣስ ኣድላዪ ኸም ዝዀነ እዩ ዚስምዓኒ” በለ። ይኹን እምበር፡ ሓድነት ምፍጣር ካብ ክትገብሮ፡ ክትዛረቦ ይቐልል። ጆን፡ “ቈልዑ መስተውዓልቲ እዮም። ዋላ እኳ ዘይምስምማዕና ብቓላት እንተ ዘይተገልጸ፡ ጓልና ነቲ ስምዒታትና ኸተንብቦ ትኽእል እያ” በለ።

ጆንን ኣሊሰንን ነዚ ብድሆታት እዚ ብኸመይ ፈትሕዎ፧ ኣሊሰን ከምዚ በለት፦ “በቲ ሰብኣየይ ንጓልና ዚግስጸሉ መገዲ እንተ ዘይተሰማሚዐ፡ ክትሰምዓና ናብ ዘይትኽእለሉ ቦታ ኽሳዕ እትኸይድ ካብ ምዝራብ እቝጠብ። በቲ ዘሎና ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ተጠቒማ ኽትከፋፍለናን ናብ ሓዴና ኽትውግንን ከም እትኽእል ክትሓስብ ኣይደልያን እየ። ከም ዘይተሰማማዕና እንተ ደኣ ኣስተውዒላ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ንመሰናድዎ የሆዋ ኺስዕብ ከም ዘለዎ፡ ልክዕ ከምቲ ንሳ ነቲ ኸም ወለዲ መጠን ንዘሎና ስልጣን ከተኽብር ዚግብኣ፡ ኣነ እውን ንርእስነት ኣቦኣ ብፍቓደይ ከኽብር ከም ዘሎኒ እነግራ።” (ኤፌሶን 6:1-3፣ 1 ቈረንቶስ 11:3) ጆን ድማ ከምዚ በለ፦ “ከም ስድራ ቤት መጠን ብሓንሳእ ክንከውን ከለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንደቅና ንምግሳጽ ሓላፍነት ዝወስድ ኣነ እየ። ኣሊሰን ብዛዕባ እቲ ዅነታት ዝያዳ ኣፍልጦ እንተ ኣልይዋ ግን፡ ተግሳጽ ንኽትህበን እፈቕደላን እድግፋን እየ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘይሰማማዓሉ ነገር እንተ ኣልዩ፡ ደሓር በይንና ምስ ኰንና እየ ኸም እንመያየጠሉ ዝገብር።”

ብዛዕባ ውሉዳት ምግሳጽ ዚፍጠር ዘይምስምማዕ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ መጻምድትኻን ቅሬታ ምእንቲ ኸይፈጥር፡ በዚ ኣቢሉ ድማ ውሉዳት ንዓኻ ዘለዎም ኣኽብሮት ከይንኪ ኽትከላኸል እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ነዚ ፈትኖ፦ ኣብ ሰሰሙን፡ ንውሉዳት ብዛዕባ እተሰልጥነሉ መገዲ እትዘራረበሉ ስሩዕ ግዜ መድብ፡ ነቲ ዘሎካ ዘይምስምማዕ ድማ ብግልጺ ተመያየጠሉ። ንኣረኣእያ መጻምድትኻ ኸተስተውዕሎ ፈትን፡ መጻምድትኻ ምስ ውሉድካ ዘለዎ ናይ ብሕቲ ርክብ ከኣ ኣኽብር።

ከም ወለዲ መጠን ንሓድሕድኩም ዝያዳ ተፋለጡ

ውሉዳት ምስልጣን ከቢድ ዕዮ ኸም ዝዀነ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ሓድሓደ ግዜ፡ ጕልበትካ ዚጽንቅቕ ኪመስል ይኽእል እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ግን፡ ውሉዳትካ ኻብ ቤት ኪወጹ እዮም፡ ንስኻን መጻምድትኻን ድማ እንደገና ሓደ ኸም ዝዀንኩም ኪስምዓኩም እዩ። በቲ ንውሉዳትኩም ኣብ ምዕባይ እተሕልፍዎ ተመክሮ፡ ጥምረት ሓዳርኩም ኪድልድል ድዩ ወይስ ኪዳኸም፧ እቲ መልሲ ነቲ ኣብ መክብብ 4:9, 10 ዚርከብ፡ “ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ” ዚብል መምርሒ ግብራዊ ኣብ እትገብሩሉ መገዲ እዩ ዚምርኰስ።

ወለዲ ኸም መጻምድቲ ዀይኖም እንተ ዓይዮም፡ ኣዝዩ ዜዕግብ ውጽኢት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ካሮል ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ስምዒታ ገለጸት፦ “ሰብኣየይ ብዙሕ ብሉጽ ባህርያት ከም ዘለዎ እፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ብሓባር ኴንና ውሉዳት ምዕባይና ግን ርእየዮ ዘይፈልጥ ጽቡቕ ባህርያቱ ንኽርኢ ኣኽኢሉኒ እዩ። ንደቅና ብፍቕራዊ ሓልዮት ዝሕዘሉ መገዲ ምስ ረኣኹ፡ ንዕኡ ዝነበረኒ ኣኽብሮትን ፍቕርን ወሲኹ እዩ።” ጆን ድማ ብዛዕባ ኣሊሰን ከምዚ በለ፦ “ሰበይተይ ሓላዪት ኣደ ኽትከውን ከላ ምርኣየይ፡ ንዓኣ ዓሚቝ ፍቕርን ኣድንቖትን ከም ዚህልወኒ ገይሩ እዩ።”

ንመጻምድትኻ ግዜ እንተ መዲብካን ውሉዳት ኣብ እተዕብየሉ ዓመታት ብሓባር ኴንኩም እንተ ዓዪኹምን፡ ውሉዳትካ እናዓበዩ ብዝኸዱ መጠን ሓዳርካ እውን ዝያዳ እናደልደለ ኪኸይድ እዩ። እዚ ድማ ንደቅኻ ጽቡቕ ኣብነት ኪዀኖም እዩ።

^ ሕ.ጽ. 3 ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ . . .

  • ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን፡ ውሉዳት ኣብ ዘይብሉ እዋን ምስ መጻምድተይ ክንደይ ዚኣክል ግዜ እየ ዘሕልፍ፧

  • መጻምድተይ ንደቅና ተግሳጽ ኪህብ ከሎ ብኸመይ እየ ኺድግፎ ዝኽእል፧