ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ይሓልየለይ ድዩ፧

ኣምላኽ ይሓልየለይ ድዩ፧

ኣምላኽ ይሓልየለይ ድዩ፧

ልሙድ መልስታት፦

“ኣምላኽ ኣዝዩ ልዑል ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ጸገማተይ ኣይግደስን እዩ።”

▪ “ብዛዕባይ ዚግደስ ኣይመስለንን።”

የሱስ እንታይ በለ፧

▪ “ሓሙሽተ ዑፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ። ንስኻትኩምሲ ዅለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ቝጹራት እየን። እምብኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ።” (ሉቃስ 12:6, 7) የሱስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ኸም ዝሓሊ ምሂሩ እዩ።

▪ “እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።” (ማቴዎስ 6:31, 32) የሱስ፡ ኣምላኽ ብብሕቲ ዜድልየና ነገራት ከም ዚፈልጥ ይኣምን ነይሩ እዩ።

ኣምላኽ ብዛዕባና ኸም ዝሓሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ። (መዝሙር 55:22፣ 1 ጴጥሮስ 5:7) ብዛዕባና ዚሓሊ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ እዩ ብዙሕ መከራ ዜጋጥመና፧ ፈቃርን ሓያልን እንተ ዀይኑ፡ መከራ ንምውጋድ ስለምንታይ ስጕምቲ ዘይወስድ፧

ብዙሓት ሰባት ነቲ ምስ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ እተኣሳሰረ ጕዳይ ኣይፈልጥዎን እዮም። ሰይጣን ድያብሎስ፡ ገዛኢ እዛ እክይቲ ዓለም እዩ። ንየሱስ ኪፍትኖ ኸሎ፡ “እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ኽብረተንን ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ፡ ኣነ ንዝደሌኹ እህቦ፡ ንኣኻውን ክህበካ እየ” ብምባል መንግስትታት ኵላ ዓለም ኣቕረበሉ።—ሉቃስ 4:5-7

ንሰይጣን ገዛኢ ዅላ ዓለም ዝገበሮ መን እዩ፧ እቶም ቀዳሞት ወለድና ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ዝባኖም ሂቦም ንሰይጣን ምስ ተኣዘዙ፡ ንሱ ገዛኢኦም ኪኸውን መረጹ። ካብቲ ዝዓለዉሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣገዛዝኣ ሰይጣን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝፈሸለ ምእንቲ ኺርአ፡ የሆዋ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ግዜ ፈቒዱ እዩ። የሆዋ፡ ሰባት ንኼገልግልዎ ኣየገድዶምን እዩ፣ የግዳስ፡ ናብኡ ንኽንምለስ መገዲ ኸፊቱልና ኣሎ።—ሮሜ 5:10

ኣምላኽ ስለ ዚሓልየልና፡ ብየሱስ ገይሩ ኻብ ግዝኣት ሰይጣን ሓራ ንኼውጽኣና መሰናድዎ ገይሩ ኣሎ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሱስ ‘ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ድያብሎስ ኪስዕሮ እዩ።’ (እብራውያን 2:14) በዚ ኸምዚ፡ ‘ንግብሪ ድያብሎስ ኬፍርሶ እዩ።’—1 ዮሃንስ 3:8

ምድሪ ናብ ገነት ክትልወጥ እያ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም [ኣዒንቲ ሰባት] ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4, 5 *

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 12 ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኸም ዘፍቀደ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 ርአ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ምድሪ ናብ ገነት ክትልወጥ እያ