ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈስ ቅዱስ ሰባት ንምርዳኡ ዘጸግሞም ስለምንታይ እዩ፧

መንፈስ ቅዱስ ሰባት ንምርዳኡ ዘጸግሞም ስለምንታይ እዩ፧

መንፈስ ቅዱስ ሰባት ንምርዳኡ ዘጸግሞም ስለምንታይ እዩ፧

መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ቐላል ትመስል እኳ እንተ ዀነት፡ ቀሊል መልሲ ንምርካብ ግን ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ኦገስቲን ብዓል ሂፖ ዚበሃል ኣቡን ካቶሊክ፡ ብዛዕባ ግደ መንፈስ ቅዱስ፡ “ከምዚ ጕዳይ እዚ ገይሩ ዜጋጊ፡ ዜጸግም፡ ወይ ብጥንቃቐ ምስ ተጸንዐ ኣገዳሲ ፍረ ዜፍሪ የልቦን” ኢሉ ጸሓፈ።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመት ጸኒሑ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16፡ ኣብ ኣውስትራልያ ንእተኣከቡ ሰማዕቱ፡ “ንመንፈስ ቅዱስ ብንጹር ክትርድኦ ዳርጋ ዘይከኣል እዩ” በለ።

‘መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧’ እትብል ሕቶ ኽትቀርብ ከላ፡ ብዙሕ ኣረኣእያታትን ጥርጣረታትን እዩ ዚቐርብ። እዚ ዚስዕብ ገለ ኻብቲ ብብዝሒ ዚቐርብ መልስታት እዩ፦

ኣብ ውሽጢ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዚነብር ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል እዩ።

ኣምላኽ ምህላዉ ኣብ ዓለም ዚግለጸሉ እዩ።

ሳልሳይ ኣካል ስላሴ እዩ።

ሰባት ንምርዳኡ ዜጸግሞም ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ሽግር እዚ ኻብቲ ገሊኦም ስነ-ሃይማኖተኛታት፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣምላኽ ማዕረ ዝዀነ ኣካል ገይሮም ዝረኣይሉ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዙ እዩ ተቐልቂሉ። ቅዱሳት ጽሑፋት ኰነ ቐዳሞት ሰዓብቲ ክርስቶስ ግን፡ ከምዚ ዚብል ሓሳብ ኣይመሃሩን። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ “ብሉይ ኪዳን ንመንፈስ ኣምላኽ ብግልጺ ኸም ኣካል ገይሩ ኣይወስዶን እዩ። . . . ብሓጺሩ፡ መንፈስ ኣምላኽ፡ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ” በለ። ብተወሳኺ እውን፡ “መብዛሕትኡ ጥቕስታት ሓድሽ ኪዳን ንመንፈስ ኣምላኽ ከም ሓደ ነገር ደኣ እምበር፡ ከም ሓደ ብርእሱ ዚሓስብ ኣካል ገይሩ ኣይጠቕሶን እዩ፣ እዚ ድማ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ መንጎ መንፈስን ሓይልን ኣምላኽ ዘሎ ምምስሳል ይርአ እዩ” በለ።

ሰባት ንሓይሊ ኸም ሓደ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ገይሮም ኪሓስብዎ የጸግሞም እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ንመንፈስ ቅዱስ ከም ሓደ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ወይ ከም “ህያው ኣካል” ገይሮም ኣይቅበልዎን እዮም። ሓቆም ድዮም፧ ወይስ ነቶም “መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦን ወድን እተፈልየ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል እዩ” ዚብሉ ስነ-ሃማኖተኛታት ዲና ኽንኣምኖም ዘሎና፧

ዜተኣማምን መልሲ ንምርካብ፡ ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ብዝርዝር ዚገልጾ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ክንውከሶ ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ፡ ሓቂ ኽትፈልጥ ጻዕሪ ኽትገብር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ምኽንያቱ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ምፍላጥካ፡ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ንኽትረክብ መገዲ ኪኸፍተልካ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ሓይልኻ እተጸንቀቐካ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ለምኑ ኺውሀበኩም፡ . . . ንስኻትኩም . . . ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” በሎም።—ሉቃስ 11:9, 13

ኣብ ዚቕጽላ ዓንቀጻት፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ንባህርይ መንፈስ ቅዱስ ኪገልጸልና እዩ። ኣብ ህይወትና ብኸመይ ኪጠቕመና ኸም ዚኽእል እውን ክንርኢ ኢና።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ቅዱሳት ጽሑፋት ንባህርይ መንፈስ ቅዱስ ይገልጸልና