ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድያብሎስ ብሓቂ ኣሎ ድዩ፧

ድያብሎስ ብሓቂ ኣሎ ድዩ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ድያብሎስ ብሓቂ ኣሎ ድዩ፧

እወ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ናይ ሓቂ ኣካል ከም ዝዀነ ይምህር እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓያስያን መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓሳብ እዚ ይነቕፍዎ እዮም። ሰይጣን ኣብ ውሽጢ ሰባት ንዘሎ እከይ ዜመልክት መጸውዒ ኸም ዝዀነ እዮም ዚዛረቡ።

ብዛዕባ ናይ ሓቂ መንነት ሰይጣን ከምዚ ዝኣመሰለ ምድንጋራት ምህላዉ ኼገርመና ኣለዎዶ፧ ኣይፋሉን። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ሓደ ገበነኛ ንመንነቱ ሓቢኡ ዘይሕጋዊ ተግባራት ምግባሩ ምእንቲ ኪቕጽል፡ ካብቲ ገበን ዝፈጸመሉ ቦታ ኣሰር ኣጻብዑ የጥፍእ ይኸውን። ሰይጣን እውን ብሕቡእ ስነ-ምግባራዊ ብልሽውና ኺገብር ዚደሊ ሓያል ገበነኛ እዩ። ሰይጣን ነቲ ኣብ ደቂ ሰብ ዚርአ እከይ ተሓታቲ ምዃኑ የሱስ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ኸኣ ጸውዖ።—ዮሃንስ 12:31

ሰይጣን ካበይ እዩ መጺኡ፧ እዚ ፈለማ ፍጹም መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ እተፈጥረ ዓለወኛ መልኣኽ፡ ነቲ ደቂ ሰብ ንኣምላኽ ዚህብዎ ኣምልኾ ንርእሱ ምስ ደለየ ድያብሎስ ኰነ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ሰይጣንን ኣብ መንጎ የሱስን ኣብ ምድሪ እተገብረ ምይይጥ ይገልጽ እዩ፣ እዚ ምይይጥ እዚ፡ ነቲ ናይ ሰይጣን ስስዐ ዝመልኦ ህርፋን ዜርኢ ነበረ። ሰይጣን፡ የሱስ ‘ፍግም ኢሉ ኸም ዚሰግደሉ’ ኺገብር ፈተነ።—ማቴዎስ 4:8, 9

ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ተመዝጊቡ ዘሎ ሰይጣን ምስ ኣምላኽ ዝገበሮ ዝርርብ እውን ነቲ ድራኸኡ ብንጹር የርእየና እዩ። ሰባት ካብ ኣምላኽ ከም ዚርሕቁ ንምግባር ሒዅ እዩ ዚብል።—እዮብ 1:13-19፣ 2:7, 8

ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ ሰይጣን ምስ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን እንተ ደኣ ተዘራሪቡ፡ ከመይ ኢሉ እዩ ኣብ ውሽጢ ኻልኦት ንዘሎ እከይ ዜመልክት መጸውዒ ኪኸውን ዚኽእል፧ ኣብ ኣምላኽ ኰነ ኣብ ወዱ እከይ ዚበሃል ፈጺሙ የልቦን! ስለዚ፡ ሰይጣን ናይ ሓቂ ኣካል፡ ማለት ንኣምላኽ ኰነ ንየሱስ ዋላ ሓንቲ ኣኽብሮት ዘይብሉ እኩይ መንፈሳዊ ፍጡር ከም ዝዀነ ንጹር እዩ።

ብልሹው ኵነታት ደቂ ሰብ፡ ድያብሎስ ብሓቂ ኸም ዘሎ ዜርኢ እዩ። መንግስትታት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ዜጋታቶም ብጥሜት እናተወድኡ ኽነሶም ብዙሕ ምግቢ ኺበላሾ ኸሎ ስቕ ኢሎም ይርእዩ እዮም። ሃገራት ኣዕናዊ ጥፍኣት ዜስዕብ ኣዝዩ ብዙሕ ኣጽዋር ይኽዝና እየን። ሰባት ንናይ ምድሪ ኣካባቢ በኪሎምዎ እዮም። ኰይኑ ግን፡ መብዛሕትኦም ሰባት ምንጪ ናይዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ጎዳኢ ነገራት መን ምዃኑ ኣይፈልጡን እዮም። ስለምንታይ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰይጣን “ንሓሳብ እቶም ዘይአምኑ ኣዖሮ” ይብለና። (2 ቈረንቶስ 4:4) ንሰባት ከም ዝደለዮ ንምቍጽጻር ዘይትርአ ውድብ ይጥቀም እዩ። እወ፡ “ሓለቓ ኣጋንንቲ” እዩ። (ማቴዎስ 12:24) ልክዕ ከምቲ ሓደ ሓለቓ፡ ብዙሓት ካብ ኣባላት እታ ውድብ ከይፈለጥዎ ንሓንቲ ዘይሕጋዊት ውድብ ኬንቀሳቕስ ዚኽእል፡ ሰይጣን እውን ጽልዋ ይገብረሎም ከም ዘሎ ንዘይፈልጡ ብዙሓት ሰባት ንምቍጽጻር ነታ ብእኩያት መላእኽቲ ዝቘመት ዘይትርአ ውድቡ ይጥቀም እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንሰይጣንን ነታ ውድቡን ዜቃልዖም ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግን! እምበኣር፡ ካብ ጽልዋ ሰይጣን ክንርሕቕ እንኽእለሉ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ” ኢሉ ይምዕደና።—ያእቆብ 4:7