ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውግእ ምስ ክርስትና ይቃዶ ድዩ፧

ውግእ ምስ ክርስትና ይቃዶ ድዩ፧

ውግእ ምስ ክርስትና ይቃዶ ድዩ፧

“ውግእ በየናይ ስነ-ምግባራዊ ስርዓት እዩ ገበን ወይ ሓጢኣት ጌርካ ዚርአ፧ እዚ ብርግጽ ንምምላሱ ዜጸግም እዩ።”—ኦሊቨር ኦዶነቫን፡ ፕሮፌሰር ክርስትያናዊ ስነ-ምግባር

መስዋእቲ ተባሂሉ ዚጽዋዕን ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተመርኲሱ እተዳለወን ቅብኣ ኣብ ቤተ-መዘክር ውግእ ካናዳ ይርከብ። እዚ ቕብኣ እዚ፡ እተቐትሉ ወተሃደራትን ካብ ኲናት ጸማልያ መሲሎም ዝተረፉ ሰባትን ኣብ ዓዶም ዘለዉ ስድራ ቤቶምን ሒዙ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ እቲ ስእሊ፡ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኸሎ ይርአ። ገሊኦም ተዓዘብቲ፡ እቲ “መስፍን ሰላም” ዝዀነ የሱስ ጥቓ ውግእ ተሳኢሉ ምርካቦም የሰምብዶም እዩ። (ኢሳይያስ 9:6) ገሊኦም ግን፡ ነቲ ደቂ ዓዶም ዝገበርዎ መስዋእቲ የማስዉሉ እዮም፣ ኣምላኽን ወዱን ንክርስትያናት፡ ንድሕንነትን ናጽነትን ሃገሮም ኣብ ዚምክት ኲናት ኪሳተፉ ኸም ዚጽበይዎም እውን ይስምዖም እዩ።

መራሕቲ ሃይማኖት ንውግእ ዚድግፍ ስብከት፡ ንዘመናት ኬካይዱ ጸኒሖም እዮም። ብ417 ድ.ክ.፡ ኦገስቲን ዚበሃል ስነ-ሃይማኖተኛ፡ “ኣጽዋር ውግእ ሒዙ ወተሃደር ኰይኑ ዜገልግል ሰብ፡ ኣብ ኣምላኽ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ጌርኩም ኣይትሕሰቡ። . . . ካልኦት ብጸሎት ምስ ዘይረኣዩ ጸላእቲ ኺቃለሱልኩም ከለዉ፡ ንስኻትኩም ምስቶም ዚረኣዩ ባርባራውያን ትቃለሱሎም” ኢሉ ጸሓፈ። ኣብ መበል 13 ዘመን ከኣ፡ ቶማስ ኣኳይነስ፡ “ውግእ ንድኻታትን ንብምልእታ ሃገርን ካብ ጥልመት ጸላኢ ኽሳዕ እተኸላኸለ፡ ፍቑድን ፍትሓውን እዩ” ኢሉ ገለጸ።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ንሓደ ኽቡር ዚመስል ዕላማ—ንኣብነት፡ ናጽነት ህዝቢ ንምክልኻል ወይ ንጭቁናት ሓራ ንምውጻእ—ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኺውሰድ ከሎ፡ ኣምላኽ ይባርኾ ድዩ፧ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ክርስትያናት በየናይ “ስነ-ምግባራዊ ስርዓት” ገይሮም ኪግምግሙ ይኽእሉ፧

ኣብነት የሱስ ክርስቶስ

ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ኸም ዘመናዊ ውግእ ዝኣመሰለ እተሓላለኸ ጕዳይ ዘለዎ ሓሳብ ክንርድኦ ንኽእልዶ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ንዅነታትና ኺገልጾ ኸሎ፡ “ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ አሎና” በለ። (1 ቈረንቶስ 2:16) የሆዋ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሕግዘና ኢሉ፡ ኣርኣያ ንኪዀነና ንየሱስ ልኢኹልና እዩ። የሱስ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት፡ ሓሳባትን መገድታትን የሆዋ እዩ ዚገልጽ። የሱስ ብዛዕባ ውግእ እንታይ ኢሉ፧ ኣብ ውግእ እንታይ መትከል እዩ ሒዙ፧

ንህይወትን ድሕንነትን የሱስ ክርስቶስ ኣጽዋር ኣልዒልካ ኻብ ምክልኻል ዝሓሸ ምኽንያት መቸም ዘሎ ኣይመስልን እዩ። ሓደ ኻብ ሃዋርያቱ ኸምኡ ተሰሚዕዎ ነይሩ እዩ። ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ፡ የሱስ ኣሕሊፍካ ምስ ተዋህበን ብጭፍራ ምስ ተታሕዘን፡ ጴጥሮስ ዓርኩ፡ “ኢዱ ዘርጊሑ፡ ሰይፉ መልሔ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ ኸኣ እዝኑ ቘረጾ።” እሞኸ እዚ ዅነታት እዚ፡ ኣጽዋር ኣልዒሉ ንኺዋጋእ ብቑዕ ምኽንያት ኰይንዎ ድዩ፧ የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ” በሎ።—ማቴዎስ 26:47-52

የሱስ ዝሃቦ ምላሽ ሓድሽ ነገር ኣይነበረን። ክልተ ዓመት ኣቐዲሙ ኸምዚ ኢሉ ነበረ፦ “ብጻይካ ፍቶ፡ ጸላኢኻ ጽላእ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፤ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፡ ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፍኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ።” (ማቴዎስ 5:43-45) ሓደ ክርስትያን ምስ ጸላእቱ እናተዋግአ ኽነሱ፡ ኬፍቅሮምን ኪጽልየሎምን ይኽእልዶ፧

ክርስትያናት ብዙሓት ጸላእቲ ኸም ዝነበርዎም ታሪኽ ዚምስክሮ እዩ። ንኣብነት፡ ሮማውያን ንየሱስ ክርስቶስ ፈሪዶምዎን ቀቲሎምዎን እዮም። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ ሰብ ክርስትያን ብምዃኑ ጥራይ ብሞት ይቕጻዕ ነበረ። ክርስትያናት ከምቲ ገሊኦም ኣይሁድ ዝገበርዎ፡ ኣጽዋር ኬልዕሉን ኣንጻር ጭቈና ሮሜ ናዕቢ ኼለዓዕሉን ከም ዚፍተኑ፡ የሱስ ተጸብይዎ ነበረ። ስለዚ ድማ፡ ብዛዕባ ሰዓብቱ፡ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ። (ዮሃንስ 17:16) ክርስትያናት ካብ ፖለቲካ ገለልተኛታት ኪዀኑ እዮም ዚደልዩ። ኣብ ልዕሊኦም ኰነ ኣብ ልዕሊ እታ ዚነብሩላ ሃገር ዚወርድ ግፍዒ ወይ ኣስጋኢ ዅነታት፡ ኣብ ወተሃደራዊ ተግባር ንኺሳተፉ ምኽንያት ኣይኰኖምን እዩ።

ደገፍቲ መንግስቲ ኣምላኽ

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከምቲ የሱስ ዝደለዮ ገለልተኛታት ኰይኖም እዮም። ኣብታ ኣብ ንእሽቶ እስያ እትርከብ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ ኢቆንዩም ዘጋጠመ እሞ ንርአ። “ኣህዛብን ኣይሁድን ምስ መኳንንቶም [ንጳውሎስን በርናባስን] ሓሳር ኬጽግብዎምን ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎምን ምስ ተላዕሉ፡ ንሳቶም ድማ እዚ ምስ ፈለጡ፡ ናብ ከተማታት ሊቃኦንያን ናብ ልስጥራን ናብ ደርቤን፡ ኣብ ከባቢኤን ናብ ዘላ ሃገርን ሀደሙ፡ ኣብኣውን ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 14:5-7) ንክርስትያናት ከቢድ ምጽራር ምስ ኣጋጠሞም፡ ኣጽዋር ኣልዒሎም ንርእሶም ኣይተኸላኸሉን፡ ሕነ እውን ኣይፈደዩን። የግዳስ፡ “ወንጌል” ወይ ብስራት ምስባኽ ቀጸሉ። እንታይ ብስራት እዮም ዜበስሩ ነይሮም፧

ክርስትያናት ነቲ የሱስ ዝሰበኾ መልእኽቲ እዮም ሰቢኾም። የሱስ፡ “ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ” በለ። (ሉቃስ 4:43) የሱስን ሰዓብቱን ንመንግስቲ ኣምላኽ እዮም ዚድግፉ ነይሮም። ክርስቶስ ነታ መንግስቲ እቲኣ ንኺከላኸለላ ኢሉ፡ ሃገራዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ፈጺሙ ኣይተጠቕመን። የግዳስ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ፡ ብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በለ።—ዮሃንስ 18:36

“ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም”

ኣብ ግዜ ውግእ ገለልተኛ ምዃን፡ መለለዪ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ። የሱስ፡ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ ዜርእዩ ጕጅለ ኸም ዘለዉ ምፍላጦም ኣሐጒስዎም እዩ፣ እዞም ጕጅለ እዚኣቶም ኣደዳ ላግጺ፡ ማእሰርቲ፡ ወይ መቕተልቲ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣጽዋር ኣየልዕሉን እዮም።

ኣብቲ ናዚ ዚቈጻጸሮ ዝነበረ ኽፋል ኤውሮጳ፡ ሰበ-ስልጣን ን10,000 ዚኣኽሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ኣሲሮምዎም ነይሮም እዮም፣ ካብዚኣቶም ድማ ን3,000 ዚኣኽሉ ናብ መዳጐኒ ደምበታት ኣእትዮምዎም ነይሮም እዮም። እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ልዕሊ 4,300 ዚዀኑ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ወተሃደራት ኪዀኑ ፍቓደኛታት ብዘይ ምዃኖም ተኣሲሮም ነይሮም እዮም። ኣብ ጀርመን ኰነ ኣብ ኣመሪካ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጽዋር ኣልዒሎም ምስ ክርስትያናት ኣሕዋቶም ኰነ ምስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣይተዋግኡን። ኣጽዋር እንተ ዜልዕሉ ነይሮም፡ ንሓድሕዶምን ንብጻዮምን ፍቕሪ ኸም ዘላቶም ኪዛረቡ ምኸኣሉዶ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኣገዳሲ መዳይ ርእሰ-ምክልኻል ይመስሎም እዩ። እንተዀነ ግን፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ከቢድ መስጐጕቲ እናወረዶም ክነሱ፡ ንሳቶም እውን ርእሶም ንምክልኻል ኪቃለሱ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ ኽነሶም፡ ኣይጸነቱን። እታ ሓያል ዝነበረት ሮሜ ንክርስትና ኸተጥፍእ ኣይከኣለትን። ሎሚ እውን ናይ ሓቂ ክርስትያናት ገለልትነቶም እናሓለዉ ይስስኑ ኣለዉ። ርእሶም ንምክልኻል ኢሎም ኣብ ክንዲ ዚቃለሱ፡ ብምትእምማን ካብ ኣምላኽ እዮም ሓገዝ ዚጽበዩ። እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ” ይብል።—ሮሜ 12:19

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ሳጹን]

ኣምላኽ ዝባረኾ ውግእ

እቶም ኣምላኽ ቅድሚ ክርስትና ፍሉይ ህዝቢ ኪዀንዎ ሓርይዎም ዝነበረ ጥንታውያን እስራኤላውያን፡ ሰራዊት ኣኪቦም ንኺዋግኡ ተፈቒዱሎም ነይሩ እዩ። ናብታ ኣምላኽ ንኣብርሃም እተመባጽዓሉ ከነኣን ቅድሚ ምእታዎም፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ [ንሸውዓተ ህዝብታት] ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፉ ምስ ዚህበካ፡ እሞ ምስ እትወቕዖም፡ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮም። ኪዳን ኣይትተኣታተዎም ኣይትምሐሮምውን” ተባሂሉ ተነግሮም። (ዘዳግም 7:1, 2) ስለዚ፡ እቲ እያሱ ዝስሙ እስራኤላዊ ሓለቓ ሰራዊት፡ “ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝአዘዞ፡” ነቶም ጸላእቲ ዝነበሩ ኣህዛብ ኣጥፈኦም።—እያሱ 10:40

እዚ ተግባር እዚ ግን፡ እስራኤላውያን ንኻልኦት ሃገራት ዜምበርክኹሉ ዝነበሩ ጭካነ ዝመልኦ ወራር ድዩ ነይሩ፧ ኣይኰነን። እቶም ኣህዛብ እቲኣቶም፡ ኣምልኾ ጣኦትን ምፍሳስ ደምን ጽዩፍ ጾታዊ ተግባራትን ዝመልኦም እዮም ነይሮም። ንቘልዑ መስዋእቲ ንኺገብሩ ኢሎም እውን ከይተረፈ፡ ኣብ ሓዊ የእትውዎም ነይሮም እዮም። (ዘሁልቍ 33:52፣ ኤርምያስ 7:31) ኣምላኽ ብቕድስናኡን ብፍትሑን በቲ ንህዝቡ ዘለዎ ፍቕርን ተደሪኹ፡ ንዅሉ እቲ ርኽሰት ካብታ ሃገር ኣወገዶ። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ንልቢ ዅሎም ሰባት ይምርምር ነይሩ እዩ፣ እዚ ድማ ዋላ ሓደ ኣዛዝ ሰራዊት ኪገብሮ ዚኽእል ኣይኰነን። ነቶም እኩይ መገዶም ሓዲጎም ኬገልግልዎ ዚደልዩ እውን ንሒፍዎም እዩ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንሰዓብቱ፡ ንዕኡ ዀነ ንክርስትያን ብጻዮም ንኺከላኸሉ ኢሎም ኪዋግኡ ተጸብይዎም ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

እተወሰኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ1945 ካብ መዳጐኒ ደምበ ቡከንዋልድ ምስ ወጹ