ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

“ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ” መን እዩ ነይሩ፧ እንታይ ሓላፍነትከ ነበሮ፧

“ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ፡” ሓደ ኻብቶም ንሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ዮሃንስን ኪሰብኩ ኸለዉ ዝኣሰርዎም ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:1-3) መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ብዛዕባ ዝነበሮ ሓላፍነታት ዚህቦ መግለጺ እኳ እንተ ዘየለ፡ ገሊኡ ታሪኻዊ ምንጭታት ግን ኣገዳሲ ድሕረ-ባይታ ይህብ እዩ።

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እዚ ሓላፍነት እዚ ነቲ ኻብ ሊቀ ኻህናት ቀጺሉ ዝዓበየ ስልጣን ዝነበሮ ኻህን ዚወሃብ ዝነበረ እዩ ዚመስል። እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ስርዓት ከም ዚሰፍን ይገብር ነበረ። ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚግበር ኣምልኾን ነቶም ከም ፖሊስ ቤተ መቕደስ ኰይኖም ዚዓዩን ይቈጻጸር ነይሩ እዩ። እቶም ኣብ ትሕቲኡ ዀይኖም ዚዓዩ ሓላቑ፡ ነቶም ንመዓጹ ቤተ መቕደስ ንግሆ ዚኸፍቱን ምሸት ዚዓጽዉን ሓለውቲ ይቈጻጸሩ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ናብቲ ኽልኩል ቦታታት ከይኣቱ ይከላኸሉ፡ ከምኡውን ንመዝገብ እቲ ቤተ መቕደስ ይሕልዉ ነበሩ።

እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዚዓዩ ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን፡ ኣብ 24 ጕጅለታት ተወዲቦም በብተራ ሓሓንቲ ሰሙን የገልግሉ ነበሩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ይዓዩ ነይሮም ማለት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓለቓ ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ዜና መዋእል 24:1-18

እቶም ሓላቑ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ዓብዪ ጽልዋ ዝነበሮም ሰባት እዮም ነይሮም። ምስቶም ንየሱስ ኪቐትልዎ ውዲት ዝኣለሙ ሊቃውንቲ ኻህናት ተጠቒሶም ኣለዉ፣ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ዝነበሩ ሰባት ተጠቒሞም እውን ንየሱስ ኣሰርዎ።—ሉቃስ 22:4, 52

ማቴዎስ 3:4 ዮሃንስ መጥምቕ “ኣንበጣን መዓር ሰንካልን” ከም ዝበልዐ ይነግረና። ኣብቲ እዋን እቲ ኣንበጣ ምብላዕ ልሙድ ድዩ ነይሩ፧

ገሊኦም ሰባት፡ ዮሃንስ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሸራ ብዛዕባ ምብላዑ ይጠራጠሩ እዮም፣ ማቴዎስ ብዛዕባ እቲ ኦም ኣንበጣ ዚበሃል ዓይነት ገረብ ዜብቍሎ ፍረ፡ ወይ ብዛዕባ ሓደ ኣብ በረኻ ዚበቍል ፍረ፡ ወይ ከኣ ብዛዕባ ገለ ዓይነት ዓሳ ይገልጽ ከም ዝነበረ እዮም ዚሓስቡ። ይኹን እምበር፡ እታ ማቴዎስ ተጠቒሙላ ዘሎ ናይ ግሪኽ ቃል ነቲ ሎሚ ኣክሮዲዲ ዚበሃል ዓሌት ኣንበጣ እያ እተመልክት። ኣንበጣ በረኻ፡ ኣብ እስራኤል ብብዝሒ ዚርከብ ዓሌት ኣንበጣ ኪኸውን ከሎ፡ ብዕስለ ዀይኑ ብዙሕ ነገር የጥፍእ ነበረ።—ዮኤል 1:4, 7፣ ናሆም 3:15

ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ኣሶራውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ኣንበጣ ብቐሊሉ ዘይርከብ ምቍር ምግቢ ኸም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ፣ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ገሊኦም በደውን (ዘላናት ኣዕራብ) ኣብ የመን ዚነብሩ ኣይሁድን ይበልዕዎ እዮም። ኣብ እስራኤል፡ ኣንበጣ ኸም ምግቢ ድኻታት ጌርካ ይርአ ነበረ። ነቲ ርእሱን ኣእጋሩን ከብዱን ድሕሪ ምቝራጽ፡ ነቲ ቆፎ ኣፍ ልቡ ብጥረኡ ወይ ጠቢሶም ወይ ከኣ ኣብ ጸሓይ ኣንቂጾም ይበልዕዎ ነበሩ። ሓድሓደ እዋን ድማ ጨው ይግበረሉ ወይ ድማ ኣብ መጺጽ ወይ መዓር ኣጥሊቖም ይበልዕዎ ነበሩ። ኦንሪ ዳንየል-ሮፕስ ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝበሎ፡ ጣዕሙ ልክዕ ከም ጋምቤሮ ዚበሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ እዩ ነይሩ።

ዮሃንስ ኣብ በረኻ እናተቐመጠ ይሰብኽ ስለ ዝነበረ፡ ኣንበጣ ብቐሊሉ ኺረክብ ይኽእል ነይሩ እዩ። (ማርቆስ 1:4) ኣንበጣ ዳርጋ 75 ሚእታዊት ትሕዝቶ ፕሮቲን ስለ ዘለዎ፡ ምስ መዓር ሰንካል ኪብላዕ ከሎ ተመጣጣኒ ምግቢ እዩ ዚኸውን ነይሩ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኣንበጣታትን ሮማናትን ዝሓዙ ኣሶራውያን ኣሰለፍቲ

[ምንጪ ስእሊ]

From the book Discoveries Among the Ruins of Nineveh and Babylon (1853)