ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ናብራ ሓረስታይ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ናብራ ሓረስታይ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ናብራ ሓረስታይ

“ሽዑ [የሱስ] ንደቀ መዛሙርቱ፤ እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ፡ በሎም።”​—ማቴዎስ 9:37, 38

የሱስ ብምሳሌ ገይሩ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኺምህር ከሎ፡ መብዛሕትኡ እዋን፡ ሕርሻን ናውቲ ማሕረስን ይጥቀም ነበረ። (ማቴዎስ 11:28-30፣ ማርቆስ 4:3-9፣ ሉቃስ 13:6-9) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ብሕርሻ ኣብ ዚመሓደር ሕብረተሰብ እዩ ዚነብር ነይሩ። ብዙሓት ሰማዕቱ ነቲ ንነዊሕ ዘመናት ዘይተቐየረ ኣገባብ ሕርሻ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም። ነቲ የሱስ ዚጠቕሶ ዝነበረ ንመዓልታዊ ንጥፈታቶም ዚምልከት ነገራት ይርድእዎ ነበሩ። የሱስ ነቲ ንሳቶም ዚገብርዎ ዝነበሩ ነገራት ይርድኦ ነበረ፡ ንሳቶም ከኣ ብትምህርቱ ይትንከፉ ነበሩ።—ማቴዎስ 7:28

ብዛዕባ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ሓረስታይ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ዚዘርኦ ዝነበረ እኽሊ፡ ብዛዕባ ናውቱ፡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ዜጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታት ብእተወሰነ ምፍላጥና፡ ንምሳሌታት የሱስን ንኻልእ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስን ብዝያዳ ንኽንርድኦ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

ሓደ ሓረስታይ ኪወፍር ከሎ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ነቲ እተጠቕሰ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቦ፡ እንታይ ክትመሃር ከም እትኽእል ከኣ ሕሰብ።

ግዜ ምዝራእ

ሓደ ሓረስታይ ኣብ ኣፍ ደገ ቤቱ ደው ኢሉ፡ ንኣዒንቱ ኻብቲ ናይ ወጋሕታ ጩራ ጸሓይ እናተኸላኸለ ነቲ ጠሊ ዘለዎ ኣየር ኣዕሚቝ ሰሓቦ። እቲ ዝወቕዐ ዝናም ነቲ ብጸሓይ ደሪቑ ዝነበረ ሓመድ ኣለስሊስዎ እዩ። ስለዚ፡ ዚሕረሰሉ እዋን ስለ ዝኣኸለ፡ እቲ ሓረስታይ ነቲ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ፈኲስ ናውቲ ማሕረሱ ኣብ እንግድዓኡ ገይሩ ናብ ግራቱ ኣምርሐ።

እቲ ሓረስታይ ኣብ ግራቱ ምስ በጽሐ፡ ነቶም ኣብዑሩ ጸሚዱ፡ ማሕረስ ይጅምር። እቲ ማሕረሻ ነቲ መሬት ይስንጥቖ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ መሬት ግና ኣይግልብጦን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ነግሒ እዩ ዜውጽእ (1)። እቲ ሓረስታይ፡ ንድሕሪት እንተ ርእዩ ማሕረሻኡ ኻብ መስመር ኪወጽእ ከም ዚኽእል ስለ ዚፈልጥ፡ ሚዛኑ ኺሕሉ እናጸዓረ፡ ትኽ ዝበለ ነግሒ የውጽእ። (ሉቃስ 9:62) ደረት ግራቱ ሓልዩ እናሓረሰ ድማ፡ ነታ ንእሽቶ መሬቱ ብግቡእ ይጥቀመላ።

በዚ ኸምዚ፡ እቲ ነግሒ ዝወጾ ግራት ንኺዝራእ ድሉው ይኸውን። እቲ ሓረስታይ ብሓደ ኢዱ ብሉጽ ዘርኢ ስገም ዝመልአ ኸረጺት ሒዙ፡ በቲ ኻልእ ኢዱ ድማ ካብቲ ኸረጺት እናዓዀተ ናብ የማንን ጸጋምን ይብትኖ (2)። እቲ ዘርኢ ኣብቲ ብእግሪ እተረግጸ መሬት ዘይኰነስ፡ “ኣብ ጽቡቕ ምድሪ” ምእንቲ ኺወድቕ፡ እቲ ዚዘርእ ሓረስታይ ኣዝዩ እዩ ዚጥንቀቕ።—ሉቃስ 8:5, 8

እቲ ሓረስታይ ነቲ ግራት ምስ ዘርኦ፡ ኣሻዅ ጨናፍር ኣብቶም ኣብዑር ኣሲሩ በቲ ግራት ከም ዚጐትትዎ ይገብር። ኣዕዋፍ ድማ ጩቕ ጩቕ እናበላ ነቲ ዘይተኸድነ ዘርኢ ኺበልዕኦ ይፍትና። ጸኒሑ እቲ ሓረስታይ ብኣፍራዛ (3) ገይሩ ነቲ መሬት ብጥንቃቐ የለስልሶ፣ እቲ ዘራእቲ ምእንቲ ኸይሕነቕ ድማ፡ ነቲ ጻህያይ ይኣልዮ።—ማቴዎስ 13:7

ግዜ ዓጺድ

ኣዋርሕ ሓሊፉ ዝናም ምስ ዘነመ፡ እቲ ዝበጽሐ ስገም ሰሰው ኪብል ከሎ፡ እቲ ግራት ጻዕድዩ ይርአ።—ዮሃንስ 4:35

ኣብ ቀውዒ፡ እቲ ሓረስታይን ስድራ ቤቱን ብስራሕ ትሑዛት እዮም ዚዀኑ። እቲ ዚዓጽድ ሰብ ብጸጋማይ ኢዱ ዕታሮ እኽሊ ሒዙ፡ በቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘሎ ማዕጺድ ገይሩ ይዓጽዶ (4)። ካልኦት ድማ ነቲ እተዓጽደ እኽሊ ኣኪቦም፡ በብእንዳእቲ (5) ይኣስርዎ፣ ኣብ ኣድጊ ወይ ኣብ ዓረብያ (6) ጽዒኖም ድማ ናብ ዓውዲ ይወስድዎ።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ጸሓይ ኣብ ማእከል እቲ ደበና ዘይብሉ ሰማይ ከም ዘሎ ጻዕዳ ነዃል መሲላ ደሚቓ እያ እትርአ። እታ ስድራ ቤት ድማ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኦም በለስ ንእተወሰነ እዋን ተዕርፍ። ኣባላት እታ ስድራ ቤት እናሰሓቑን እናኣዕለሉን ድማ፡ እንጌራን ህንኵቶን ፍረ ኣውሊዕን ዝነቐጸ በለስን ዘቢብን ይበልዑ። ካብ ዓይኒ ማይ ዚወጽእ ማይ ሰትዮም ከኣ፡ ዕረፍቶም ይዛዝሙ።—ዘዳግም 8:7

ኣብ ጥቓኦም ኣብ ዘሎ ግራት፡ ዚቕርሙ ሰባት ይርኣዩ እዮም። (7) ገሊኦም ድማ መሬት ዘይብሎም ድኻታት እዮም።—ዘዳግም 24:19-21

ጸኒሑ፡ እቲ ሓረስታይ ነቲ እንዳእቲ ኣብቲ ብርኽ ኣብ ዝበለ ምሹእን ጥጡሕን ቦታ ዚርከብ ዓውዲ ይዝርግሖ። እቶም ኣብዑር ጸፊሕን ሰፊሕን ዕንጨይቲ እናጐተቱ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እኽሊ ይዞሩ (8)። (ዘዳግም 25:4) ኣብ ትሕቲ እቲ ዕንጨይቲ ዚርከብ በሊሕ ኣእማንን ቍርጽራጽ ሓጺንን ድማ፡ ነቲ ብርዒ ይቘርጾ።

ድሕርዚ፡ እቲ ሓረስታይ ነቲ ኣብ ኣጋ ምሸት ዚመጽእ ህዱእ ንፋስ ይጽበዮ። (ሩት 3:2) ጽልግልግ ምስ በለ ድማ፡ በቲ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ‘መስኤኡ’ ወይ መዝረዊኡ (9) ገይሩ ነቲ እንዳእቲ ናብ ላዕሊ ይብትኖ። (ማቴዎስ 3:12) እቲ እኽሊ ኣብ ባይታ ኺዓልብ ከሎ፡ እቲ ሓሰር ወይ እቲ ብቝብቝ ከኣ ብንፋስ ይውሰድ። ንዅሉ እኽሊ ዘርዩ ኽሳዕ ዚውድእ ድማ፡ ነዚ መስርሕ እዚ ይቕጽሎ።

ጸሓይ ምስ በረቐት፡ ሰበይቲ እቲ ሓረስታይን ደቁን ነቲ እኽሊ ኺሓሕያኦ ይጅምራ (10)። ነቲ እኽልን ነቲ ሑጻን ንምፍላይ እናሓሓያ፡ ነቲ ስገም ናብ ከረጺት ይእክብኦ፡ ነቲ ሓሰር ድማ ይጕሕፍኦ። ሰራሕተኛታት ድማ ነቲ ምህርቲ ኣብ ዓበይቲ ዓታሩ የቐምጥዎ (11)። እቲ ዝተረፈ ኸኣ ናብ ቆፎ ይኣቱ።

እቲ ሓረስታይ ኣብቲ ዓውዲ ዀይኑ፡ ነቲ ዝደኸመ ጭዋዳታቱ ንምፍታሕ ይመጣላዕ፡ ነቲ ኣብ ዙርያ እቲ ገጠር ዘሎ ግራውቲ ኸኣ ብዓይኑ ይዞሮ። ነቲ ቕድሚ እተወሰነ እዋን ኣበርቲዑ ዚሰርሓሉ ዝነበረ፡ ሕጂ ግና ዝበጨወን ብብርዒ ዝመልአን ቦታ ብሓጐስ ይርእዮ። ዓየይቲ ንተኽሊ ወይንን ንኦም ኣውሊዕን ንሮማንን ንበለስን ኪከናኸኑ ኸለዉ ድማ ይርኢ። ሓደ ጐረቤቱ ኸኣ፡ ኣብ ንእሽቶ መሬት እናዀዓተ ብርሑቕ ሰላም ይብሎ። እታ መሬት ከኣ፡ ኣጕርሲን ብርስንን ባልደንጓን ቃንጫ ሽጕርትን ዓተርን ሽጕርትን ተፍርየሉ። እቲ ሓረስታይ ሓንሳእ ደው ኢሉ ናብ ሰማይ ቅንዕ ብምባል፡ ሓጺርን ልባውን ጸሎት ይጽሊ፣ ንኣምላኽ ከኣ ስለቲ ዝሃቦ ጽቡቕ ውህበት የመስግኖ።—መዝሙር 65:9-11

[Pictures on pages 28-30]

(See publication)