ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

እቲ ጳውሎስ እተወስደሉ “መጋባእያ” ወይ መንበር ፍርዲ እንታይ እዩ ነይሩ፧

እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 18:12, 13 ዚርከብ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣይሁድ ንጳውሎስ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ይሰብኽ ከም ዘሎ ብምኽሳስ፡ ናብቲ ቪማ (ብግሪኽኛ “መድረኽ” ማለት እዩ) ተባሂሉ ዚጽዋዕ “መጋባእያ” ወይ መንበር ፍርዲ ወሰድዎ። ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ኣብ ጥቓ ማእከል ዕዳጋ፡ ክብ ዝበለ መድረኽ ኣብ ግዳም ይርከብ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ካብ ቤት ጸሎት ሒደት ስጕምትታት ርሒቑ እዩ ዚርከብ ነይሩ። ኣቀማምጣ እቲ መድረኽ፡ ነቶም እተኣከቡ ህዝቢ ንምዝራብ ዚጥዕም እዩ ነይሩ። እቲ መድረኽ ብሰማያውን ብጻዕዳን እምነ በረድ እተሰርሐን ውቁብ ቅርጽታት ዝነበሮን እዩ ነይሩ፣ ብዘይካዚ፡ ብእምነ በረድ እተሰርሐ ኾፍ መበልን እተፈላለየ ሕብርታት ብዘለዎም ንኣሽቱ ኣእማን ተገጣጢሙ እተሰርሐ ባይታን ዘለዎ ኽልተ መጸበዪ ኽፍልታት ነበሮ።

እቲ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ኣካይያ ዝነበረ ምስለኔ ጋልዮስ ዝቐረበሉ መድረኽ፡ መንበር ፍርዲ እዩ ነይሩ። ሰበ ስልጣን ኣብዚ መድረኽ እዚ ኾፍ ኢሎም፡ ጕዳያት ይሰምዑን ነቶም እተኣከቡ ሰባት ብዛዕባ ፍርዳዊ ውሳነታቶም ይነግርዎምን ነበሩ።

ኣብ ከተማታት ግሪኽ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ቪማ ተኣኪብካ ሲቭላዊ ጕዳያት ንግዲ ምፍጻም ልሙድ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ማቴዎስ 27:19ን ኣብ ዮሃንስ 19:13ን ዚርከብ ብዛዕባ ፍርዲ የሱስ ዚገልጽ ኣብ ጽሑፋት ግሪኽኛ ዚርከብ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ነቶም ህዝቢ ኣብ ቪማ ዀይኑ እዩ ዚዛረቦም ነይሩ።—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 12:21 እውን ኣረኣኢ።

ገሊኦም ኣይሁድ ብኣማውታ የሱስ እተዓንቀፉ ስለምንታይ እዮም፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ቐዳሞት ክርስትያናት ኪገልጽ ከሎ፡ “ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ አሎና” በለ። (1 ቈረንቶስ 1:23) ኣማውታ የሱስ ንገሊኦም ሰባት ዘዐንቀፎም ስለምንታይ እዩ፧

ቤን ዊዘሪንግተን ዚብሃል ወሃብ ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ኣማውታ የሱስን ብዛዕባ ባህሊ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሩ ሰባትን ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣመና ዜሕፍር ኣማውታ እዩ ነይሩ። ከም ክቡር ሰማእትነት ጌርካ ኣይኰነን ዚርአ ነይሩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣማውታ ሓደ ሰብ፡ ባህርያቱ ዚሕብር ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። ስለዚ፡ የሱስ ከም እኩይን ንሃገሩ ኸም ዝኸሓደ ሰብን ጌርካ ይርአ ስለ ዝነበረ፡ ንባሮት ዚግብኦም መቕጻዕቲ እዩ ዚግብኦ ነይሩ” በለ። ነዚ ባህሊ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን የሱስ ዚገልጽ ጸብጻብ ባዕላቶም ከም ዝፈጠርዎ ምግላጽ፡ ርትዓዊ ኣይኰነን።