ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መጻምድትኻ እንደገና እምነት ምሕዳር

ኣብ መጻምድትኻ እንደገና እምነት ምሕዳር

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ኣብ መጻምድትኻ እንደገና እምነት ምሕዳር

ስቲቭ * “ጆዲ ትዝሙ እያ ኢለ ሓሲበዮ እውን ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ኣብኣ ዝነበረኒ ዅሉ እምነት እዩ ጠፊኡ። ይቕረ ንኽብለላ ኽሳዕ ክንደይ ከቢዱኒ ኸም ዝነበረ ንምግላጽ፡ ቃላት እዩ ዚሓጽረኒ።”

ጆዲ፦ “ስቲቭ ኣባይ ዝነበሮ እምነት ስለምንታይ ከም ዝጠፍአ ይርድኣኒ እዩ። ከም እተጠዓስኩ ንኸርእዮ፡ ብዙሕ ዓመታት እዩ ወሲዱለይ።”

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ብሰንኪ ዝሙት እተጐድኡ ሰባት፡ ንኺፋትሑ ወይ ንኸይፋትሑ ኺውስኑ ኸም ዚኽእሉ ይሕብር እዩ። * (ማቴዎስ 19:9) እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ስቲቭ፡ ንኸይፋታሕ ወሰነ። ንሱን ጆዲን ድማ ሓዳሮም ንኸይብተን ኪጽዕሩ ቘረጹ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ እቲ ዝገበርዎ ውሳነ፡ ብሓደ ኻብ ምንባር ንላዕሊ ኸም ዜጠቓልል ተገንዘቡ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝሃብዎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ ጆዲ ዝፈጸመቶ ጥልመት ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ እምነት ኣጥፊእዎ እዩ። ብሓዳሮም ኪሕጐሱ እንተ ዀይኖም፡ ክልቲኦም እሙናት ኪዀኑ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ንሓድሕዶም እንደገና እምነት ንምሕዳር ኣበርቲዖም ኪጽዕሩ ነበሮም።

ንዓኻን ንመጻምድትኻን ዝሙት ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ጸገም እኳ እንተ ኣጋጠመኩም፡ ሓዳርኩም ከይብተን ትጽዕሩ እንተ ኣሊኹም፡ በዳሂ ኪዀነኩም ከም ዚኽእል ኣየጠራጥርን እዩ። ብፍላይ እተን ብዛዕባ እቲ እተፈጸመ ዝሙት ድሕሪ ምስማዕኩም ዘለዋ ሓያሎ ኣዋርሕ፡ ኣዝየን ኪኸብዳኹም ይኽእላ እየን። ኰይኑ ግና፡ ክትዕወቱ ትኽእሉ ኢኹም። እሞኸ ኣብ መጻምድትኻ እንደገና እምነት ከተሕድር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ነጥብታት እስከ ንርአ።

1 ሓቀኛታት ኩኑ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንሓሶት ንየው በልዎ፡ . . . ሓቂ ተዛረቡ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌሶን 4:25) ሓሶት፡ ምሉእ ሓቅነት ዘይብሉ ዘረባ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ነቲ ጕዳይ ኣብ ውሽጥኻ ምሓዝ፡ ዝያዳ ጥርጣረ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ምስ መጻምድትኻ ብግልጺ ኽትዘራረቡን ሓቀኛታት ክትኰኑን ኣሎኩም።

ኣብ ፈለማ፡ ንስኻን መጻምድትኻን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ጥልመት ክትዘራረቡ ኸለኹም፡ ኣመና ትቝጥዑ ትዀኑ። ውዒሉ ሓዲሩ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብግልጺ ኽትዘራረቡ ኣሎኩም። ንገሊኡ ዝርዝር ጕዳያት ክትሓድግዎ ትኽእሉ እኳ እንተ ዀንኩም፡ ነቲ ጕዳይ ብሓፈሻኡ ዕሽሽ ምባል ግና ጥበባዊ ኣይኰነን። እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ጆዲ፡ “ኣብ ፈለማ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምዝርራብ ኣዝዩ ኸቢዱንን ኣጽሊኡንን ነበረ። ተግባረይ ኣዝዩ ስለ ዘጠዓሰኒ፡ ክርስዖ እየ ዝደሊ ነይረ” በለት። ምስ ሰብኣያ ዘይምዝርራቦም ግና ዝያዳ ጸገም ኣስዓበ። ስለምንታይ፧ ስቲቭ፡ “ጆዲ ብዛዕባ እቲ ዝፈጸመቶ ጥልመት ክትዘራረብ ዘይምድላያ፡ ብዝያዳ ኸም ዝጥርጥራ ገበረኒ” በለ። ጆዲ እውን እንተ ዀነት፡ ምልስ ኢላ ኽትሓስቦ ኸላ፡ “ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘይምዝርራብና፡ ቀልጢፍና ናብቲ ናይ ቀደምና ንኸይንምለስ ዓጊቱና እዩ” በለት።

ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ጥልመት ምዝርራብ ኣዝዩ ዜጕሂ ኸም ዝዀነ ኣየጠራጥርን እዩ። ሓደ ፖል ዚብሃል ሰብኣይ ምስ ጸሓፊቱ ዝሙት ምስ ፈጸመ፡ ደቢ እትብሃል ሰበይቱ፡ “‘ብኸመይ፧ ስለምንታይ፧ ብዛዕባ እንታይከ እዮም ተዘራሪቦም፧’ ዚብል ብዙሕ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮይ ይመላለስ ነበረ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብተደጋጋሚ ኽሓስብ ከለኹን ሰሙናት እናሓለፈ ኪኸይድ ከሎን፡ ዝያዳ ሕቶ ኣብ ኣእምሮይ እናመጸ ንስምዒተይ ይጐድኦ ነበረ” በለት። ፖል እውን፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ምስ ደቢ እንገብሮ ዝነበርና ምይይጥ ናብ ቈየቛ ይቕየር እኳ እንተ ነበረ፡ ጸኒሕና ግና ይቕረ ንበሃሃል ነበርና። እቲ ብግልጺ እንገብሮ ዝነበርና ዝርርብ፡ ከም እንቀራረብ ገይሩና እዩ” በለ።

ነቲ ኣብ ዝርርብኩም ውጥረት ከም ዚሰፍን ኪገብር ዚኽእል ነገራት ከተወግዶ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ቀንዲ ዕላማኻ ንመጻምድትኻ ንምቕጻዕ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ዘጋጠመ ነገር ተማሂርካ ሓዳርካ ንምድልዳል ምዃኑ ዘክር። ንኣብነት፡ ቹል ሱን ሚ ያንግ ሰበይቱን፡ ነቲ ቹል ሱ ንሚ ያንግ ሰበይቱ ዝጠለመሉ ምኽንያት መርመርዎ። ቹል ሱ፡ “ብውልቃዊ ጕዳያተይ ጥራይ እግደስ ከም ዝነበርኩ ተገንዘብኩ። ብዘይካዚ፡ ንኻልኦት ከሐጕስን ከምቲ ንሳቶም ዚደልዩኒ ክኸውንን እየ ዝጽዕር ነይረ። መብዛሕትኡ ግዜይን ኣቓልቦይን እህቦም ነበርኩ። ምስ ሰበይተይ ግና ሒደት ግዜ ጥራይ እየ ዘሕልፍ ነይረ” በለ። ቹል ሱን ሚ ያንግን ነዚ ምስትውዓሎም፡ ጸኒሑ ንሓዳሮም ዘደልደሎ ለውጥታት ንኺገብሩ ሓገዞም።

ነዚ ፈትኖ፦ ንመጻምድትኻ ዝጠለምካ ብዓል ሓዳር እንተ ዄንካ፡ ኣይተመኻኒ ወይ ንመጻምድትኻ ኣይትውቀሶ። ንተግባርካን ነቲ ዘስዓብካዮ ጕድኣትን ሓላፍነት ክትወስድ ኣሎካ። እተጠለምካ ብዓል ሓዳር እንተ ዄንካ ኸኣ፡ ንመጻምድትኻ ኣይትጨድረሉ ወይ ኣይትጽረፎ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ መጻምድትኻ ናይ ልቡ ኣውጺኡ ንኼዘራርበካ ኣይኪተባባዕን እዩ።—ኤፌሶን 4:32

2 ብሓባር ኴንኩም ዕየዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ” ይብል። ስለምንታይ፧ “ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ።” (መክብብ 4:9, 10) እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ፡ ብፍላይ ኣብ መጻምድትኻ እምነት ንምሕዳር ትጽዕር እንተ ኣሊኻ፡ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ንስኻን መጻምድትኻን ነቲ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ዘይምትእምማን ኣብ ምፍታሕ ክትዕወቱ ትኽእሉ ኢኹም። ይኹን እምበር፡ ብሓባር ኴንኩም ሓዳርኩም ንኸይብተን ክትጽዕሩ ኣሎኩም። በብውልቅኹም ክትፈትሕዎ እንተ ፈቲንኩም ግና፡ ካልእ ጸገም ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ከም መጻምድቲ ዄንኩም ኢኹም ክትዓይዩ ዘሎኩም።

ስቲቭን ጆዲን ከምኡ እዮም ገይሮም። ጆዲ ኸምዚ በለት፦ “ግዜ እኳ እንተ ወሰደ፡ ኣነን ስቲቭን ድልዱል ርክብ ንምምስራት ብሓባር ኴንና ዓየና። ኣነ ኸኣ እንደገና ስምዒቱ ንኸይጐድኦ ቘረጽኩ። ስቲቭ እውን እንተ ዀነ፡ ተጐዲኡ እኳ እንተ ነበረ፡ ሓዳርና ንኸይብተን ቈረጸ። በብመዓልቱ ተኣማንነተይ ከርእየሉ ዝኽእል ኣጋጣሚ አናዲ ነበርኩ፣ ንሱ ኸኣ፡ ከም ዜፍቅረኒ ወትሩ የርእየኒ ነበረ። ከምኡ ብምግባሩ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ።”

ነዚ ፈትኖ፦ ኣብ ሓዳርኩም እንደገና እምነት ምእንቲ ኺህሉ፡ ብሓባር ኴንኩም ዕየዩ።

3 ነቲ ናይ ቀደም ልማዳትኩም ብሓድሽ ተክእዎ። የሱስ ንሰማዕቱ ብዛዕባ ዝሙት ምስ ኣጠንቀቖም ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ” ዚብል ምኽሪ ሃቦም። (ማቴዎስ 5:27-29) ንመጻምድትኻ ዝጠለምካ ብዓል ሓዳር እንተ ዄንካ፡ ንሓዳርካ ንምድሓን ጐጥጒጥካ ኽትድርብዮ ዘሎካ ተግባር ወይ ኣረኣእያ ኣሎዶ፧

ነቲ ምስቲ ምሳኻ ዝሙት ዝፈጸመ ሰብ ዘሎካ ርክብ ከተቋርጾ ኣሎካ። * (ምሳሌ 6:32፣ 1 ቈረንቶስ 15:33) እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ፖል፡ ምስታ ምስኡ ዝሙት ዝፈጸመት ሰበይቲ ምእንቲ ኸይራኸብ፡ ንመደብ ስራሑን ንቝጽሪ ሞባይሉን ለወጦ። ይኹን እምበር፡ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ርክቦም ኬቋርጾ ኣይከኣለን። ሰበይቱ ኣብኡ እንደገና እምነት ከተሕድር ስለ ዝደለየ፡ ንስራሑ ሓደጎ። ነታ ሞባይሉ ሓዲጉ ድማ፡ ብናይ ሰበይቱ ጥራይ ኪጥቀም ጀመረ። እሞኸ እዚ ዅሉ ጻዕሪ ፍረ ኣፍርዩዶ፧ ደቢ፡ “እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝነበሮ ርክብ ካብ ዚቋረጽ፡ ሽዱሽተ ዓመት ሓሊፉ ኣሎ፣ ኰይኑ ግና፡ እታ ሰበይቲ እንደገና ምስ ፖል ከይትራኸብ፡ ሓሓሊፈ እሰግእ እየ። ይኹን እምበር፡ ፖል ብፈተና እንደገና ኸም ዘይወድቕ እተኣማመን እየ” በለት።

ኣብ ልዕሊ መጻምድትኻ ሓጢኣት ዝፈጸምካ ብዓል ሓዳር እንተ ዄንካ፡ ኣብ ባህርያትካ ለውጢ ኽትገብር የድልየካ ይኸውን። ንኣብነት፡ ትኳሸም ወይ ከኣ ምስ ካልኦት ኪህልወካ ብዛዕባ ዚኽእል ፍቕራዊ ርክብ ትሓስብ ኔርካ ትኸውን። ስለዚ፡ ‘ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጥጦ።’ ነቲ ቐደም ዝነበረካ ልማዳት፡ መጻምድትኻ ብኣኻ ኸም ዚተኣማመን ኪገብሮ ብዚኽእል ሓድሽ ባህርያት ተክኣዮ። (ቈሎሴ 3:9, 10) ብምኽንያት ኣተዓባብያኻ፡ ፍቕርኻ ኽትገልጽ ይኸብደካ ድዩ፧ ኣብ ፈለማ እኳ እንተ ኣጸገመካ፡ ንመጻምድትኻ ፍቕርኻ ኣረጋግጸሉ። ስቲቭ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ጆዲ ወትሩ ብኢዳ ሒዛ ‘አፍቅረካ እየ’ ብምባል ፍቕራ ትገልጸለይ ነበረት” በለ።

ንእተወሰነ እዋን፡ ንመጻምድትኻ ብዛዕባ ብምሉኡ መዓልታዊ ንጥፈታትካ ኽትነግሮ የድልየካ ይኸውን። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሚ ያንግ፡ “ቹል ሱ፡ ዚሓብኦ ነገር ከም ዘየልቦ ንኼረጋግጸለይ ኢሉ፡ በብመዓልቱ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ነገራት፡ እንተላይ ብዛዕባ እቲ ኣገዳሲ ዘይኰነ ነገራት ይነግረኒ ነበረ” በለት።

ነዚ ፈትኖ፦ ኣብ ንሓድሕድኩም እንደገና እምነት ምእንቲ ኺህልወኩም፡ ነፍሲ ወከፍኩም እንታይ ክትገብሩ ኸም እትኽእሉ ተዘራረቡ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኽትገብርዎ ዝሓሰብኩም ጽሓፍዎ፣ ተግብርዎ ድማ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረኩም መደብ፡ ንኽልቴኹም ኬሐጕሰኩም ኣብ ዚኽእል ንጥፈታት ተኻፈሉ።

4 መዓስ ኣብ ካልእ ሸቶታት ከም እተተኵሩ ፍለጡ። ኵሉ ነገር ናብ ንቡር ከም እተመልሰ ጌርካ ንምድምዳም ኣይትተሃወኽ። ምሳሌ 21:5፡ “እቲ ዚህወኽ ዘበለ . . . ናብ ስእነት ጥራይ ይህወኽ” ኢላ ተጠንቅቕ። ኣብ መጻምድትኻ እንደገና እምነት ምሕዳር፡ ግዜ ይወስድ እዩ፣ ምናልባት እውን ዓመታት ኪወስድ ይኽእል እዩ።

እተጠለምካ ብዓል ሓዳር እንተ ዄንካ፡ ንመጻምድትኻ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ንምባል፡ ግዜ ውሰድ። ሚ ያንግ ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ዝጠለማ ሰብኣያ ይቕረ ኽትብለሉ ኪኸብዳ ኸሎ ይገርመኒ ነበረ። ንነዊሕ እዋን እትሓርቀሉ ምኽንያት እውን ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ። ሰብኣየይ ምስ ጠለመኒ ግና፡ ይቕረ ምባል ከቢድ ዝዀነሉ ምኽንያት ተረድኣኒ” በለት። እወ፡ ይቕረ ምባልን ኣብ መጻምድትኻ እምነት ምሕዳርን ቀስ ብቐስ እዩ ዚመጽእ።

ይኹን እምበር፡ መክብብ 3:1-3፡ “ንምሕዋይ ከኣ ጊዜ አለዎ” ትብል እያ። ኣብ ፈለማ፡ ብስምዒታዊ መዳይ ካብ መጻምድትኻ ምርሓቕ፡ ጕድኣት ዘየምጽእ ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ንዘይተወሰነ እዋን ከምኡ ምግባር፡ ኣብ መጻምድትኻ እንደገና እምነት ንኸተሕድር ኣይሕግዘካን እዩ። ስለዚ፡ ነቲ እተበላሸወ ርክብ እንደገና ንምህናጽ፡ ንመጻምድትኻ ይቕረ በለሉ፣ ብዛዕባ ውሽጣዊ ሓሳባትካን ስምዒታትካን ንዕኡ ብምንጋር ከኣ፡ ይቕረታኻ ኣርኢ። ንመጻምድትኻ፡ ብዛዕባ እቲ ዚስምዖ ሓጐስን ዜሻቕሎ ነገራትን ንኺነግረካ ድማ ኣተባብዓዮ።

ኣይትመረር። የግዳስ፡ ነቲ መረረኻ ኽትዋጽኣሉ ጽዓር። (ኤፌሶን 4:32) ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሓደጎ ኣብነት ምስትንታን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። የሆዋ ኣምላኽ፡ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ኣምለኽቱ ዝባኖም ምስ ሃብዎ፡ ኣመና ጐሃየ። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንገዛእ ርእሱ ምስ እተጠልመ መጻምድቲ ኣመሳሰላ። (ኤርምያስ 3:8, 9፣ 9:2) ኰይኑ ግና፡ ‘ቍጥዓ ንዘለኣለም ኣይዓቘረን።’ (ኤርምያስ 3:12) እቶም ህዝቢ ኻብ ልቦም ተነሲሖም ናብኡ ምስ ተመልሱ፡ ይቕረ በለሎም።

ኣብ ርክብኩም ንኽልቴኹም ዜዕግብ ኣገዳሲ ለውጢ ምስ ገበርኩም፡ ኣብ መጻምድትኹም ዘለኩም ምትእምማን ኪድልድል እዩ። ድሕሪኡ፡ ሓዳርኩም ከይብተን ጥራይ ኣብ ክንዲ እትጽዕሩ፡ ብሓባር ኴንኩም ኣብ ካልእ ሸቶታት ከተተኵሩ ትኽእሉ ኢኹም። በብግዜኡ ነቲ ዝገበርኩምዎ ዕቤት ንምግምጋም መደብ ግበሩ። ኰይኑ ግና፡ ቅሱናት ኣይትኹኑ። ነቲ ኼጋጥመኩም ዚኽእል ንኣሽቱ ዕንቅፋታት ክትፈትሕዎን ቃል ኪዳንኩም ከተጽንዑን ጽዓሩ።—ገላትያ 6:9

ነዚ ፈትኖ፦ ንሓዳርኩም ናብቲ ናይ ቀደም ክትመልስዎ ጥራይ ኣብ ክንዲ እትፍትኑ፡ ሓድሽን ብዝያዳ ድልዱልን ርክብ ትሃንጹ ኸም ዘለኹም ጌርኩም ሕሰቡ።

ክትዕወቱ ትኽእሉ ኢኹም

ሓድሓደ ግዜ፡ ዘይትዕወቱ ዀይኑ ኺስምዓኩም ከሎ፡ መስራቲ መውስቦ ኣምላኽ ምዃኑ ዘክሩ። (ማቴዎስ 19:4-6) ስለዚ፡ ንሱ እናሓገዘኩም፡ ዕዉት ሓዳር ኪህልወኩም ይኽእል እዩ። ኵሎም እቶም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ሰብ ሓዳር፡ ነቲ ጥበባዊ ዝዀነ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝተግበርዎ፡ ንሓዳሮም ካብ ምፍራስ ኬድሕንዎ ኽኢሎም እዮም።

ንስቲቭን ንጆዲን ኣብ ርክቦም ጸገም ካብ ዜጋጥሞም፡ ልዕሊ 20 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ስቲቭ ብዛዕባ እቲ ንሓዳሮም ካብ ምፍራስ ንምድሓን ዝገበርዎ ጻዕሪ ኣሕጽር ኣቢሉ ኺገልጾ ኸሎ ኸምዚ በለ፦ “ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጀመርና፡ ዓብዪ ምምሕያሽ ገበርና። እቲ ዝረኸብናዮ ሓገዝ ብዋጋ ዘይሽነን እዩ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ነቲ ኣጸጋሚ እዋናት ክንሓልፎ ኸኣልና።” ጆዲ እውን እንተ ዀነት ከምዚ በለት፦ “ነቲ ኣጸጋሚ እዋናት ተጸሚምና ኽንሓልፎ ብምኽኣልና፡ ኣጸቢቐ እተባረኽኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ብሓባር ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘጽናዕናን ኣበርቲዕና ስለ ዝጸዓርናን፡ ሕጂ ጽቡቕ ሓዳር እዩ ዘሎና።”

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 3 ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 5 ከምኡ ዓይነት ውሳነ ኣብ ምግባር ሓገዝ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ ሚያዝያ-ሰነ 2000 ሕታም ንቕሑ!፡ ኣብ ገጽ 6 [ወይ ናይ 22 ሚያዝያ ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 6] ኸምኡውን ኣብ ናይ 8 ነሓሰ 1995 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ገጽ 10ን 11ን ርአ።

^ ሕ.ጽ. 17 ምስቲ ምሳኻ ዝሙት ዝፈጸመ ሰብ (ምናልባት ኣብ ስራሕ) ክትራኸብ እንተ ተገዲድካ፡ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነ ነገራት ጥራይ ኣተኵር። ምስቲ ሰብ፡ ካልኦት ኣብ ዘለዉዎን መጻምድትኻ ምስ ፈለጠን ጥራይ ክትራኸብ ኣሎካ።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

መጻምድተይ ጠሊምኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሓዳረይ ካብ ምፍራስ ንኸድሕኖ ዝወሰንኩ ስለምንታይ እየ፧

ኣብዚ እዋን እዚ፡ መጻምድተይ እንታይ ጽቡቕ ባህርያት እዩ ዘለዎ፧

ምስ መጻምድተይ ኣብ ወረዘ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ብንኣሽቱ ነገራት እውን እንተ ዀነ ፍቕሪ ዘርእዮ ዝነበርኩ ብኸመይ እየ፧ እንደገና ኸምኡ ኽገብር ዝኽእልከ ብኸመይ እየ፧