ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቶም ዜገልግልዎ ዓስቢ ዚህብ

ነቶም ዜገልግልዎ ዓስቢ ዚህብ

ንኣምላኽ ቅረቦ

ነቶም ዜገልግልዎ ዓስቢ ዚህብ

“አመስግነካ።” ንስራሑ ብግቡእ ምስ ሰርሐ ወይ ካብ ልቡ ህያብ ምስ ሃበ፡ ነዛ ቓል እዚኣ ኺሰምዓ ዘይደሊ እሞ መን ኣሎ፧ ኵላትና፡ ካልኦት ሰባት ብፍላይ እቶም እነፍቅሮም ሰባት ነቲ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኼማስዉሉ ንደሊ ኢና። ሓቂ እዩ፡ ልዕሊ ዅሉ ነቲ ኣምላኽና ዝዀነ የሆዋ ኢና እነፍቅሮ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ንዕኡ ንምግልጋል እንገብሮ ጻዕሪ ኣኽቢሩ ይርእዮ ድዩ፧ የሆዋ ነቲ ንሓደ ኻብ ነብያት ኣምላኽ ንምድሓን ኢሉ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእተዋ ዔቤድ-ሜሌክ ብኸመይ ከም ዝሓዞ እስከ ንምርምር።—ኤርምያስ 38:7-13፣ 39:16-18 ኣንብብ።

ዔቤድ-ሜሌክ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ ኣብ ቤተ መንግስቲ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ዝነበረ ብዓል ስልጣን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። * ብግዜ እቲ ኣምላኽ ነታ ጠላም ይሁዳ ብዛዕባ እቲ ዚቐርብ ዝነበረ ጥፍኣት ንምጥንቃቕ ዝለኣኾ ኤርምያስ እዩ ነይሩ። ፍርሃት ኣምላኽ ብዘይብሎም መሳፍንቲ ተኸቢቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህን ንኤርምያስ ዓብዪ ኣኽብሮት ዝነበሮን ሰብኣይ እዩ ነይሩ። እኩያት መሳፍንቲ ንኤርምያስ ብናዕቢ ኸሲሶም ብጭቃ ናብ ዝመልአ ዒላ ብምድርባይ፡ ኣብኡ ንኺመዉት ምስ ሓደግዎ፡ እቲ ዔቤድ-ሜሌክ ዝነበሮ ኣምላኻዊ ባህርያት ተፈተነ። (ኤርምያስ 38:4-6) እሞኸ እንታይ ገበረ፧

ዔቤድ-ሜሌክ፡ እቶም መሳፍንቲ ሕነ ኸይፈድዩ ኸይፈርሀ፡ ትብዓት ዝመልኦ ቕልጡፍ ስጕምቲ ወሰደ። ናብ ጼድቅያስ ቀሪቡ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ንኤርምያስ ዘጋጠሞ ዘይፍትሓዊ ተግባር ነገሮ። ምናልባት ናብቶም ከምኡ ዝገበሩ ሰባት እናኣመልከተ ድማ ነቲ ንጉስ፡ ‘እዞም ሰባት እዚኣቶም ንኤርምያስ እከይ ገይሮምዎ ኣለዉ’ በሎ። (ኤርምያስ 38:9) ዔቤድ-ሜሌክ እተዛረቦ ዘረባ ነቲ ንጉስ ስለ ዘእመኖ፡ ብመሰረት እቲ ጼድቅያስ ዝሃቦ መምርሒ፡ ዔቤድ-ሜሌክ 30 ሰብኡት ሒዙ ንኤርምያስ ኬድሕኖ ኸደ።

ዔቤድ-ሜሌክ ካልእ ዚስሕብ ባህርይ፡ ማለት ለውሃት እውን ኣርእዩ እዩ። “ቅዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ወሰደ እሞ ብገመድ ገይሩ . . . ናብ ኤርምያስ ኣውረዶ።” ስለምንታይ እዩ ኣጭርቕትን ክዳውንትን ተጠቒሙ፧ ኤርምያስ ካብቲ ጭቃ ዝመልአ ዒላ እናተጐትተ ኺወጽእ ከሎ ምእንቲ ኸይሕርሕሮ፡ ኣብ ትሕቲ ትሽትሹ ኺገብሮ ኢሉ እዩ።—ኤርምያስ 38:11-13

የሆዋ ነቲ ዔቤድ-ሜሌክ ዝገበሮ ርእይዎ እዩ። እሞኸ ኣማስዩሉዶ፧ ኣምላኽ ብኤርምያስ ኣቢሉ ንዔቤድ-ሜሌክ፡ ጥፍኣት ይሁዳ ኸም ዝቐረበ ነገሮ። ድሕሪኡ ኣምላኽ ንዔቤድ-ሜሌክ ሓሙሽተ መብጽዓታት ኣተወሉ። ከምዚ ድማ በሎ፦ “ከናግፈካ እየ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሆም ዘሎኻ ሰባት ኣይክትውሀብን ኢኻ፡ . . . ኣነ ብርግጽ ከድሕነካ እየ፡ . . . ነፍስኻ ዘመተ ኽትኰነልካ እያ፡ . . . ብሰይፊ ኣይክትወድቕን ኢኻ።” የሆዋ ንዔቤድ-ሜሌክ ከም ዜድሕኖ እተመባጽዓሉ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ፡ “ኣባይ ስለ እተወከልካ” በሎ። (ኤርምያስ 39:16-18) የሆዋ፡ ዔቤድ-ሜሌክ ስጕምቲ ዝወሰደ፡ ንኤርምያስ ስለ ዚሓልየሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣምላኽ ስለ ዚውከልን ስለ ዚኣምንን ምዃኑ እውን ይፈልጥ ነበረ።

እቲ ትምህርቲ ንጹር እዩ፣ የሆዋ ነቲ ንዕኡ ንምግልጋል እንገብሮ ነገራት የማስወሉ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነታ ብልብና ተደሪኽና እንገብራ ንእሽቶ ነገር እውን እንተ ዀነት ከም ዚዝክራ የረጋግጸልና እዩ። (ማርቆስ 12:41-44) እሞኸ ናብዚ ንኣገልግሎትካ ዜማስወሉ ኣምላኽ ክትቀርብ ኣይትድረኽንዶ፧ ትድረኽ እንተ ዄንካ፡ “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም” ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—እብራውያን 11:6

ንግንቦት ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦

ኤርምያስ 32-50

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 4 ዔቤድ-ሜሌክ፡ “ስሉብ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ኤርምያስ 38:7) እዛ ቓል እዚኣ ቓል ብቓሉ ንሓደ ብልዕቱ እተቐጥቀጠ ወዲ ተባዕታይ ተመልክት እኳ እንተ ዀነት፡ ንዝዀነ ይኹን ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ዚዓዪ ብዓል ስልጣን ንምጽዋዕ እውን ትውዕል ነይራ እያ።