ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር | መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ትጠቕመካ፧

መንግስቲ ኣምላኽ ንዓኻ ብኸመይ ትጠቕመካ፧

መንግስቲ ኣምላኽ ንዓኻ ብኸመይ ትጠቕመካ፧

ካብተን ኣቐዲመን ዝነበራ ዓንቀጻት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝያ ኣገዳሲት ምዃና ተገንዚብካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ምናልባት እውን በቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ እተምጽኦ በረኸት ተሳሒብካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ እቲ መብጽዓታት ኪእመን ዘይከኣል ኰይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ።

ንዝሰማዕካዮ ዘበለ ብሃውሪ ኣብ ክንዲ እትኣምኖ፡ ጥንቁቕ ንኽትከውን ምጽዓርካ ጥበባዊ እዩ። (ምሳሌ 14:15) እቲ እትገብሮ ጥንቃቐ ድማ ምስቶም ጥንቲ ዝነበሩ ሰብ ቤርያ እዩ ዜመሳስለካ። * ሰብ ቤርያ ንፈለማ እዋን ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተነግሮም፡ ነቲ እተባህልዎ ተቐበልዎ፣ ይኹን እምበር፡ ብስምዒት ጥራይ ኣይኰኑን ተቐቢሎምዎ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘እዚ ነገር እዚ ኸምኡ እንተ ዀይኑ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ተጠንቂቖም ይምርምሩ’ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሰብ ቤርያ ነቲ ዝሰምዕዎ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ኣረኣእዮምዎ እዮም። ድሕሪ ግዜ ድማ፡ እቲ ብስራት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ምዃኑ ኣመኑ።

ንስኻ እውን ከምቲ ሰብ ቤርያ ዝገበርዎ ንኽትገብር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኽብሪ ይዕድሙኻ። በቲ እንህቦ ናጻ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልካ፡ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚኣምኑሉ ነገራት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ኸተረኣእዮ ትኽእል ኢኻ።

እቲ እትገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትፈልጥ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት መልሲ ንኽትረኽበሉ እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ልዕሊ ዅሉ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንኣምላኽ ንኽትቀርቦ’ ኺሕግዘካ እዩ። (ያእቆብ 4:8) ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ብዝቐረብካ መጠን ድማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንሕጂ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም ብኸመይ ከም እትጠቕመካ ብዝያዳ ኽትርዳእ ኢኻ። የሱስ እውን እንተ ዀነ ናብ ኣቦኡ ኺጽሊ ኸሎ፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ኢሉ ነይሩ እዩ።—ዮሃንስ 17:3

 

^ ሕ.ጽ. 4 ቤርያ ኣብ ጥንታዊት መቄዶንያ ዝነበረት ከተማ እያ።