ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ እንጽሊ ስለምንታይ ኢና፧

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን እንታይ ከም እትዓምምን ዝያዳ ፍልጠት ክትቀስም ምደለኻዶ፧

መንግስቲ ኣምላኽ ሰማያዊት ምምሕዳር እያ። ኣብ ምድሪ ጽድቅን ሰላምን ስለ እተስፍን ከኣ፡ የሱስ ንሰዓብቱ “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢሎም ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ። ዓመጽ፡ ምጕዳል ፍትሒ፡ ወይ ሕማም ምሉእ ብምሉእ ከተጥፍእ እትኽእል መንግስቲ ሰብ የላን፣ መንግስቲ ኣምላኽ ግና ነዚ ዅሉ ኸተጥፍኦ እያ። ኣምላኽ ንወዱ የሱስ፡ ንጉስ እታ መንግስቲ ኪኸውን መሪጽዎ እዩ። ንእተወሰኑ ሰዓብቲ የሱስ እውን ምስ ወዱ ዀይኖም ኣብታ መንግስቲ ኺገዝኡ መሪጽዎም እዩ።—ሉቃስ 11:2፣ 22:28-30 ኣንብብ።

ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ተጻረርቲ ግዝኣት ኣምላኽ፡ ስጕምቲ ኽትወስድ እያ። ስለዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ ዚጽለ ጸሎት፡ ምምሕዳር ኣምላኽ ንዅሉ ምምሕዳር ደቂ ሰብ ንኺትክኦ ዚግበር ልመና እዩ ዜመልክት።—ዳንኤል 7:13, 14፣ ራእይ 11:15, 18 ኣንብብ።

መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት እትጠቕሞም ስለምንታይ እያ፧

የሱስ ርሕሩሕ ብምዃኑ ንጉስ ኪኸውን ዚበቅዕ እዩ። ከም ወዲ ኣምላኽ መጠን ከኣ፡ ነቶም ረዲኤት ደልዮም ናብ ኣምላኽ ዜእውዩ ሰባት ዜድልዮም ንኺህቦም ዓቕሚ ኣለዎ።—መዝሙር 72:8, 12-14 ኣንብብ።

መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ንኽትመጽእ ዚጽልዩን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ዚመላለሱን ሰባት ክትጠቕሞም እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል እንተ ተማሂርካ እናሓደረ ኼሐጕሰካ እዩ።—ሉቃስ 18:16, 17፣ ዮሃንስ 4:23 ኣንብብ።