ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር | መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ትጠቕመካ

ብመንግስቲ ኣምላኽ ክትግደስ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ብመንግስቲ ኣምላኽ ክትግደስ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ብመንግስቲ ኣምላኽ ተስፋ ይገብሩ እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ነቲ የሱስ ዝሰርዖ ኣብነት እዮም ዚስዕቡ፣ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ . . . ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ንኺጽልዩ ምሂርዎም እዩ።—ማቴዎስ 6:10

እቲ ዜገርም፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይግደሱ እኳ እንተ ዀኑ፡ መብዛሕትአን ሃይማኖታት ግና ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይገብራን እየን። ሀርበርት ጆርጅ ዌልስ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ፡ የሱስ ‘ንትምህርቲ እታ ‘መንግስተ ሰማያት’ ኢሉ ዝጸውዓ መንግስቲ ዓብዪ ኣገዳስነት’ እኳ እንተ ሃቦ፡ እዚ “ኣብ . . . ትምህርቲ መብዛሕትአን ኣብያተ ክርስትያን ኣገዳስነት ዘይብሉ ምዃኑ ዜደንቕ እዩ።”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና፡ ካብተን ኣብያተ ክርስትያን ብእተፈልየ መገዲ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዓብዪ ኣትኵሮ እዮም ዚገብሩ። ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ እዛ ሕጂ እተንብባ ዘለኻ ቐንዲ መጽሔትና፡ ብ220 ቋንቋታት እያ እትሕተም። ነፍሲ ወከፍ ሕታም ከኣ፡ ብኣስታት 46 ሚልዮን ቅዳሓት ትሕተም፣ ብብዝሒ ብምዝርጋሕ ድማ ኣብ ዓለም ቀዳማይ ቦታ ሒዛ ኣላ። ቀንዲ መልእኽቲ እዛ መጽሔት እዚኣ እንታይ እዩ፧ እቲ መልእኽቲ፡ ኣብቲ “መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ” ዚብል ምሉእ ኣርእስታ ተገሊጹ ኣሎ። *

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ክንድዚ ጻዕሪ ዚገብሩ ስለምንታይ እዮም፧ ብቐዳምነት፡ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ቀንዲ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምዃና ንኣምን ኢና፣ እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ መጻሕፍቲ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ መጽሓፍ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ንደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ብሓቂ ኽትፈትሖ እትኽእል መንግስቲ ንሳ ጥራይ ምዃና ንኣምን ኢና።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ፡ ሰባት ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዜተኵሩ ይገብሩ እዮም። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ህይወቱን ኣገልግሎቱን ብቐንዱ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኰረ እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 4:43) መንግስቲ ኣምላኽ ንየሱስ ኣዝያ እተገድሶ ስለምንታይ እያ፧ ንዓኻኸ ብኸመይ እያ እትጠቕመካ፧ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ሕቶታት እዚ ዚህቦ ኣብቲ ቐጺሉ ዘሎ ዓንቀጻት ዚርከብ መልሲ ኽትምርምሮ ንዕድመካ።

^ ሕ.ጽ. 5 የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።