ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንበብዓይነቱ ህይወት ንምፍጣር፡ ብፍልቀት ተጠቒሙ ድዩ፧

ኣምላኽ ንበብዓይነቱ ህይወት ንምፍጣር፡ ብፍልቀት ተጠቒሙ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣይፋልን። ኣምላኽ፡ ሰባትን “በብዓይነቱ” እንስሳታትን ኣትክልትን ከም ዝፈጠረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ። a (ዘፍጥረት 1:12, 21, 25, 27፣ ራእይ 4:11) ብዘሎ ዓሌት ሰብ ካብቶም ቀዳሞት ወለድና ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ከም ዝመጹ እውን ይሕብር እዩ። (ዘፍጥረት 3:20፣ 4:1) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዛንታ ነቲ ኣምላኽ ንበብዓይነቱ ህይወት ንምፍጣር ብፍልቀት ከም እተጠቕመ ዚገልጽ ክልሰ ሓሳብ ኣይድግፎን እዩ፣ እዚ ኽልሰ ሓሳብ እዚ ሓድሓደ ግዜ ቲዪስቲክ ኢቮሉሽን (ኣምላኽነታዊ ፍልቀት) ይብሃል እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምስቶም ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ዓይነት ህይወታውያን ምስ ኵነታት ናይ ምልዋጥ ባህርይ ከም ዘሎ ዚኣምኑ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ዚጋጮ ሓሳብ የብሉን። b

 ኣምላኽ ብፍልቀት ተጠቒሙ ድዩ፧

 እቲ ቲዪስቲክ ኢቮሉሽን ዚብል ስያመ ንእተፈላለየ ሰፊሕ ሓሳባት እዩ ዜመልክት። ብመሰረት ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ዚብሃል መዝገበ ፍልጠት፡ እዚ ስያመ እዚ፡ “ኣምላኽ ንተፈጥሮኣዊ ዓለም ዚመርሓሉ ሓደ መገዲ፡ ተፈጥሮኣዊ ሕርያ እዩ” ዚብል ሓሳብ የመሓላልፍ እዩ።

 ቲዪስቲክ ኢቮሉሽን ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት እውን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ፦

  •   ኵሎም ህያዋን፡ ጥንቲ ኻብ ዝነበረ ሓደ ዘርኢ እዮም መጺኦም።

  •   ሓደ ዓይነት ህይወት ናብ ኣጸቢቑ እተፈልየ ዓይነት ህይወት ኪምዕብል ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ፡ ሓድሓደ ግዜ ማክሮኢቮሉሽን ይብሃል።

  •   ነዚ መስርሓት እዚ፡ እንተ በዚ እንተ በቲ ኣምላኽ እዩ ዜካይዶ።

 ፍልቀት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይሳነ ድዩ፧

 ቲዪስቲክ ኢቮሉሽን፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ብዛዕባ ፍጥረት ዚገልጽ ዛንታ ምሉእ ብምሉእ ልክዕ ዘይምዃኑ ይእምት። የሱስ ግና ንዘፍጥረት ከም ታሪኻዊ ሓቂ ገይሩ እዩ ጠቒስዎ። (ዘፍጥረት 1:26, 27፣ 2:18-24፣ ማቴዎስ 19:4-6) የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ኣብ ሰማይ ምስ ኣምላኽ ይነብር ከም ዝነበረ፡ “ኵሉ” ኺፍጠር ከሎ ድማ ንኣምላኽ ይሕግዞ ኸም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ዮሃንስ 1:3) ስለዚ፡ ኣምላኽ ብፍልቀት ገይሩ በበይኑ ዓይነት ህይወት ፈጢሩ ዚብል ሓሳብ ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይቃዶን እዩ።

 እቲ ኣትክልትን እንስሳታትን ምስ ከባቢኦም ንምልምማድ ዘለዎም ክእለት ደኣኸ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓይነት ዚብሃል ክፋል፡ ክንደይ ለውጢ ኪኽሰት ከም ዚኽእል ኣይገልጽን እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ዝፈጠሮም በበይኑ ዝዓይነቶም እንስሳታትን ኣትክልትን ኪፋረዩ ወይ ምስ ከባቢኦም ኪላመዱ ኸለዉ ቝሩብ ለውጢ ይገብሩ ዚብል ሓሳብ ኣሎ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ምስዚ ሓሳብ እዚ ኣይጋጮን እዩ። ገሊኦም ንኸምዚ ዝበለ ምልምማድ ከም ሓደ ዓይነት መስርሕ ፍልቀት ገይሮም ዚርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ በዚ ኸምዚ ግና ሓድሽ ዓይነት ህይወት ኣይመጽእን እዩ።

a መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ዓይነት” እትብል ቃል ካብቲ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት “ጅር” (species) ዚብልዎ ኽፋል ብዝሰፍሐ መልክዕ እዩ ዚጥቀመላ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ሓድሽ ጅር ብፍልቀት ማዕቢሉ ዚብልዎ ነገር፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ ዘፍጥረት ሓደ “ዓይነት” እተባህለ ኽፋል ዚህሉ ናይ ምልዋጥ ባህርይ (variation) እዩ።

b እዚ ሓሳብ እዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ማይክሮኢቮሉሽን ይብሃል።