ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መሐበሪ መጽናዕቲ

ነዚ መሐበሪ መጽናዕቲ ኣራጊፍካ፡ ምስታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ጌርካ ተጠቐመሉ። ብዛዕባ እምነትካን ብዛዕባ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስን መርምር፣ ንእምነትካ ብኸመይ ከም እትጣበቐላ እውን ተምሃር።

ምዕራፍ 1

ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧ (1ይ ክፋል)

ሓደ ሰብ፡ “ኣምላኽ ንኽፉኣት ሰባት ከም ዚሳቐዩ ብምግባር ይቐጽዖም እዩ” እንተ ዚብለካ እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ምዕራፍ 1

ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧ (2ይ ክፋል)

ዓርኪ ኣምላኽ ምዃን ብሓቂ ይከኣል ድዩ፧

ምዕራፍ 12

ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ መገዲ ምንባር (2ይ ክፋል)

ሰይጣን ጸገማት ኬውርደልና እናጸዓረ ኽነሱ፡ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ንኽእልዶ፧

ምዕራፍ 12

ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ መገዲ ምንባር (3ይ ክፋል)

ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕካ ንምንባር ጻዕሪ የድሊ እዩ። እዚ ጻዕሪ እዚ ግና ዚኽሕስ ድዩ፧

ምዕራፍ 13

ከምቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ይሃሉኻ (1ይ ክፋል)

ህይወት ካብ ኣምላኽ እተዋህበትና ውህበት እያ። ንህይወትናን ንህይወት ካልኦትን ዘሎና ኣኽብሮት ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ምዕራፍ 15

ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ (1ይ ክፋል)

ኵለን ሃይማኖታት ንኣምላኽ ዜሐጕሳ ድየን፧ ዜሐጕሳ እንተ ዘይኰይነን፡ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ብኸመይ ከተለልያ ትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህርን ንስኻ እንታይ ከም እትኣምንን መርምር።

ምዕራፍ 15

ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ (2ይ ክፋል)

ብኣምላኽ ተቐባልነት ንምርካብ ብእኡ ምእማን ጥራይ እኹል ድዩ፧ ወይስ ካብ ኣምለኽቱ ዝያዳ እዩ ዚደሊ፧

ምዕራፍ 16

ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ቑም (1ይ ክፋል)

ኣምላኽ ንበዓላት ልደትን ሃይማኖታዊ በዓላትን ኣብ ኣምልኾ ምስልታት ምጥቃምን ይድግፎ ድዩ፧ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ምዕራፍ 16

ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ቑም (2ይ ክፋል)

ብዛዕባ እቲ እትኣምነሉ ነገራት ብሜላ ኽትገልጽን ንርእይቶ ኻልኦት ከተኽብርን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ምዕራፍ 18

ጥምቀትን ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብን (1ይ ክፋል)

ጥምቀት ሓደ ክርስትያን ኬማልኦ ዘለዎ ብቕዓት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ክርስትያናት ኪጥመቑ ዚድርኾም እንታይ ኪኸውን ይግባእ፧

ምዕራፍ 18

ጥምቀትን ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብን (2ይ ክፋል)

ሓደ ክርስትያን ህይወቱ ንየሆዋ ቕድሚ ምውፋዩ፡ እንታይ ስጕምትታት ኪወስድ ኣለዎ፧ ወፈያኡ ንዅሉ ውሳነታቱ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 18

ጥምቀትን ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብን (3ይ ክፋል)

ርእሱ ንኣምላኽ ዝወፈየ ክርስትያን እንታይ ትጽቢት እዩ ዚግበረሉ፧ ንኣምላኽ ብሓቂ ዜፍቅርዎ ሰባት ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ ዚተኣማመኑ ስለምንታይ እዮም፧

ምዕራፍ 19

ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ጽናዕ (1ይ ክፋል)

ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ኪህልወካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ እዚ መሐበሪ መጽናዕቲ እዚ፡ እምነትካ ኽትምርምርን ንኻልኦት ክትገልጽን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ምዕራፍ 19

ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ጽናዕ (2ይ ክፋል)

ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ምስ ፈለጥካ፡ ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ ኽትዕቅብን ናብኡ ብዝያዳ ኽትቀርብን እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧