ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ፍትሕ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ፍትሕ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

 ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መውስቦን ፍትሕን ዘለዎ ኣረኣእያ ጠቢቕና ንስዕቦ ኢና። ኣምላኽ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ነባሪ ጥምረት ኪህሉ እዩ ንመወስቦ መስሪትዎ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንፍትሕ መሰረት ኪኸውን ዚኽእል እንኮ ምኽንያት ዝሙት ጥራይ ምዃኑ ይገልጽ እዩ።—ማቴዎስ 19:5, 6, 9

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሓዳሮም ጸገም ንዘለዎም ሰብ ሓዳር ይሕግዝዎም ድዮም፧

 እወ፣ ብእተፈላለየ መገድታት ይሕግዝዎም እዮም፦

  •   ሕታማት። ኪዕረ ዘይክእል ንዚመስል ሓዳር እኳ ከይተረፈ ኼደልድሎ ዚኽእል ሓሳባት ዝሓዘ ሕታማት ብቐጻሊ ይወጽእ እዩ። ንኣብነት፡ ነተን “ኣብ ቃል ኪዳን ምጽናዕ፡” “ብኸመይ ይቕረ ኸም እትብል፡” ከምኡ ድማ “ኣብ መጻምድትኻ እንደገና እምነት ምሕዳር” ዘርእስተን ዓንቀጻት ርአ።

  •   ኣኼባታት። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤናን ዓበይቲ ኣኼባታትናን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንሓዳር ዚምልከት ግብራዊ ምኽሪ ንመያየጥ ኢና።

  •   ሽማግለታት። ሽማግለታት ጉባኤ፡ ሰብ ሓዳር ንኸም ኤፌሶን 5:22-25 ዝኣመሰለ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜተኵሩሉ ብምግባር ብብሕቲ ይሕግዝዎም እዮም።

ሽማግለታት ጉባኤ ንፍትሕ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኬጽድቕዎ የድልዮም ድዩ፧

 ኣይፋልን። ሽማግለታት ንሰብ ሓዳር ኣብ ሓዳሮም ንዘጋጠሞም ጸገም ኣብ ምፍታሕ ኪሕግዝዎም ምስ ዚሕተቱ እውን ከይተረፈ፡ ነቶም ሰብ ሓዳር እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ኪነግርዎም ስልጣን የብሎምን። (ገላትያ 6:5) ግናኸ፡ ሓደ ሰብ ብዘይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ኪፋታሕ እንተ ወሲኑ፡ ኣብ ጉባኤ ፍሉይ መሰላት ኪውሃቦ ኣይበቅዕን እዩ፣ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ ዳግማይ ኪምርዖ ሓራ ኣይኰነን።—1 ጢሞቴዎስ 3:1, 5, 12

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ምፍልላይ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብ ሓዳር ኣብ ዘይምሹእ ኵነታት እውን ብሓደ ኺነብሩ እዩ ዜተባባዕ። (1 ቈረንቶስ 7:10-16) ካብ ልቢ ብምጽላይን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምትግባርን ፍቕሪ ብምርኣይን ብዙሕ ጸገማት ኪፍታሕ ይኽእል እዩ።—1 ቈረንቶስ 13:4-8፣ ገላትያ 5:22

 ይኹን እምበር፡ ኣብ ከምዚ ስዒቡ ተጠቒሱ ዘሎ ዝኣመሰለ ጽንኵር ኵነታት፡ ገሊኦም ክርስትያናት ካብ መጻምድቶም ኪፍለዩ ወሲኖም እዮም፦

  •   ኰነ ኢልካ ዘይምሕላይ።—1 ጢሞቴዎስ 5:8

  •   ክቱር ኣካላዊ ማህሰይቲ።—መዝሙር 11:5

  •   መንፈሳዊ ህይወት ብዘየማትእ መገዲ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ዅነታት። ንኣብነት፡ ሓደ መጻምድቲ ነቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ መጻምድቱ ብገሊኡ መገዲ ሕጊ ኣምላኽ ኬፍርስ ጸቕጢ ይገብረሉ ይኸውን፣ እቲ ኣብ ሓደጋ ዘሎ መጻምድቲ ኸኣ፡ ‘ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኪእዘዝ’ ዚኽእለሉ እንኮ መገዲ ምፍልላይ ከም ዝዀነ ኺውስን ይኽእል እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29