ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ንህይወትካ ኽትቈጻጸራ ትኽእል ዲኻ፧

ጸገም፦ ኣሉታዊ ስምዒት

ጸገም፦ ኣሉታዊ ስምዒት

ከም ጓሂ፡ ሕርቃን፡ ወይ ቅሬታ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ስምዒታት ይቈጻጸረካ ድዩ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ንግዜኻ ወይ ንሓይልኻ ስለ ዚጽንቅቖ ነቲ ብሓቂ ዜገድስካ ነገራት ንኸይትገብር ዕንቅፋት ኪዀነካ ይኽእል እዩ፧ እሞኸ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ *

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነት፦ ዳዊት

ንጉስ ዳዊት እተፈላለየ ዓይነት ስምዒታት፡ ከም ጭንቀትን ጓህን እውን ከይተረፈ፡ ኣሕሊፉ እዩ። ንጸገማቱ ተጻዊሩ ኺነብር ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ዳዊት ንነገራት ኣብ ኢድ የሆዋ እዩ ዚገድፎ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 24:12, 15) ንስምዒታቱ እውን ከይተረፈ ይጽሕፎ ነይሩ እዩ። ናይ እምነት ሰብ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ደጋጊሙ ይጽሊ ነበረ። *

ግሪጎሪ ዝገበሮ

ኣብታ ኣብ መእተዊ ዘላ ዓንቀጽ ከም እተጠቕሰ፡ ግሪጎሪ ብጭንቀት ይሳቐ እዩ። “ጭንቀተይ ካብ መጠን ንላዕሊ እዩ ነይሩ፣ ክቈጻጸሮ ድማ ኣይክእልን እየ ነይረ” ኸኣ በለ። ጸኒሑ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ ኺቈጻጸሮ ኽኢሉ፧ ንሱ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ሚዛነይ ምእንቲ ኽሕሉ፡ ነቲ ብዓልቲ ቤተይን ፈተውተይን ዚገብሩለይ ዝነበሩ ደገፍ ተቐበልክዎ። ናብ ሓኪም ብምኻድ ከኣ ብዛዕባ ዅነታተይ ተወሳኺ ፍልጠት ኣጥረኹ። ኣብ ኣነባብራይ ለውጢ ምስ ገበርኩ፡ ኵነታተይ ንዓይ ኣብ ክንዲ ዚቈጻጸረኒ፡ ኣነ ንዅነታተይ ክቈጻጸሮ ኸም ዝኸኣልኩ፡ ኪስምዓኒ ጀመረ። ኣብዚ ግዜ እዚ እውን እንተ ዀነ ኽጭነቕ ከለኹ፡ ንጭንቀተይ እንታይ ከም ዜለዓዕሎ ይርድኣኒ እዩ፣ ብኸመይ ክቈጻጸሮ ኸም ዚኽእል ከኣ እፈልጥ እየ።”

“ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ።”—ምሳሌ 17:22

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ኣሉታዊ ስምዒት ንህይወትካ ይቈጻጸራ እንተ ኣልዩ፡ ነዚ ዚስዕብ ፈትኖ፦

  • ንስምዒታትካ ኣብ ጽሑፍ ኣስፍሮ።

  • ንመቕርብካ ወይ ንፈታዊኻ እንታይ ከም ዚስምዓካ ንገሮ።

  • ንርእስኻ ኽትግስጻ ፈትን። ‘እዚ ኣሉታዊ ስምዒት እዚ ኺስምዓኒ፡ ብሓቂዶ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎኒ እዩ፧’ ኢልካ ሕሰብ።

  • ጭንቀትን ሕርቃንን ቅሬታን ሒዝካ ኣይትንበር። ንሓይልኻ ዝያዳ ሃናጺ ኣብ ዝዀነ ነገራት ከተውዕሎ ጽዓር። *

ቀንዲ ነጥቢ፦ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣሉታዊ ስምዒት ዚመጸና ብሰንኪ ዅነታትና ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ እቲ ብዛዕባ ዅነታትና ዘሎና ኣመለኻኽታ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 3 ገሊኡ ኣሉታዊ ስምዒታት፡ ብሰንኪ እቲ ሕክምና ዜድልዮ ጸገም ጥዕና ዚመጽእ ኪኸውን ይኽእል እዩ።ንቕሑ! ንዝዀነ ይኹን ሕክምና ፍሉይ ደገፍ ኣይትህብን እያ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ውሳነ ቕድሚ ምግባሩ ንኣማራጺታት ሕክምና ኺምርምር ኣለዎ።

^ ሕ.ጽ. 5 መብዛሕትኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መዝሙራት፡ ዳዊት ዘቕረቦን ኣብ ጽሑፍ ዘስፈሮን ጸሎት እዩ።

^ ሕ.ጽ. 13 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2015 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ፡ “ንጭንቀት ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧” ዘርእስቱ ገበር ርአ።