ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ናብራ ጓሳ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ናብራ ጓሳ

“ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቝፉ ኸኣ ኪስከሞም . . . እዩ።”—ኢሳይያስ 40:11

ጓሶት ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብታ ኣብ መጀመርታ ዘላ ዘፍጥረት ክሳብ እታ ኣብ መወዳእታ ዘላ ራእይ፡ ብዙሕ ሳዕ ተጠቒሶም ይርከቡ እዮም። (ዘፍጥረት 4:2፣ ራእይ 12:5) ከም እኒ ኣብርሃምን ሙሴን ንጉስ ዳዊትን ዝኣመሰሉ ውሩያት ሰባት፡ ጓሶት እዮም ነይሮም። እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት፡ ንሓደ ንፉዕ ጓሳ ዝነበሮ ሓላፍነታትን ዜተሓሳስቦ ነገራትን ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ሓንቲ ናይ ኣሳፍ እትብሃል መዝሙር ከኣ፡ ዳዊት ኣብቶም ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ ከም ጓሳ ምዃኑ ትገልጽ።—መዝሙር 78:70-72

ብግዜ የሱስ እውን፡ ጕስነት ኣገዳሲ ዕዮ እዩ ነይሩ። የሱስ “ሕያዋይ ጓሳ” ኸም ዝዀነ ተዛሪቡ እዩ፣ ኣገዳሲ ትምህርትታት ንምምሃር ከኣ ብዙሕ ሳዕ ባህርያት ሕያዋይ ጓሳ ተጠቒሙ እዩ። (ዮሃንስ 10:2-4, 11) እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እውን ከይተረፈ፡ ምስ “ጓሳ” ተመሳሲሉ ኣሎ።—ኢሳይያስ 40:10, 11፣ መዝሙር 23:1-4

ጓሳ እንታይ እንስሳታት ይጓሲ ነበረ፧ ዕዮኡ እንታይ የጠቓልል ነበረ፧ ካብቶም ጻዕረኛታት ጓሶት እቲኦምከ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ኣባጊዕን ኣጣልን

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ጓሶት ነተን ዓሌት ሶርያ ዝዀና ዓብዪ ዀልኰልን ብዙሕ ጸምርን ዘለወን ዓይነት ኣባጊዕ ይጓስዩ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ደዓውል እዘን ዓይነት ኣባጊዕ እዚአን፡ ኣቕርንቲ ኺህልዎም ከሎ፡ እተን ኣንስትዮ ኣባጊዕ ግና ኣቕርንቲ የብለንን። እዘን መሳኪን እንስሳታት እዚአን፡ ብቐሊሉ ዚምርሓ እየን፣ ኣብ ኣከባቢአን ካብ ዘጋጥም ሕማቕ ኵነታት ኰነ ኻብ ሃደንተን ዚከላኸላሉ መገዲ ኸኣ የብለንን።

ጓሶት ንኣጣል እውን ይጓስዩ ነይሮም እዮም። እተን ኣጣል፡ ምሉእ ብምሉእ ጸለምቲ ወይ ቡናዊ እየን ነይረን። ኣብ ኣኻውሕ ዝመልኦ ጎቦታት ኪሓዅራን ቈጥቋጥ ኪጠጥማን ከለዋ፡ እቲ ነዊሕ ኣእዛነን ብቐሊሉ ብእሾዅን ብዳንዴርን ይትርባዕ ነበረ።

ጓሳ ንኣባጊዕን ንኣጣልን ኵሉ ሳዕ ከም ዚእዘዛኦ ናይ ምግባር ኣጸጋሚ ዕዮ ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ሕያዎት ጓሶት ነተን ዚጓስይወን መጓሰ ይከናኸንወንን ስማት የውጽኡለንን እዮም፣ ንሳተን እውን ይሰምዓኦም እየን።—ዮሃንስ 10:14, 16

ወቕትታት ጓሳ

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ክረምቲ ምስ ሓለፈ ኣብ ዚመጽእ ወቕቲ፡ ጓሳ መዓልቲ መዓልቲ ንመጓሰኡ ኻብ ደምበ ኣውጺኡ፡ ካብ ቍሸቱ ኸይረሓቐ ሓድሽ ዝበቘለ ሳዕሪ ኸም ዚበልዓ ይገብር ነበረ። ኣብቲ ወቕቲ እቲ ዕያውትን መሓስኣትን ስለ ዚውለዳ፡ ቍጽሪ እተን መጓሰ ይውስኽ ነበረ። ኣብቲ እዋን እቲ እውን፡ ዓየይቲ ነቲ ኣብ ክረምቲ ዝዓበየ ጸምሪ ኣባጊዕ ይቕምቅሙ ነበሩ፣ እዚ ድማ እዋን ሓጐስ እዩ ነይሩ።

ሓደ ሃገረ ሰብ ሒደት ኣባጊዕ ጥራይ ኪህልዋኦ ይኽእል ነበረ። ስለዚ፡ ነተን ሒደት መጓሰኡ ምስ ካልኦት ሓዊሱ ንዚጓሲ ብዓል ዓስቢ ዝዀነ ጓሳ ይህብ ነበረ። ሰብ ዓስቢ ዝዀኑ ጓሶት፡ ንመጓሰኦም ጽቡቕ ገይሮም ኪከናኸኑ ኸለዉ፡ ንመጓሰ ኻልኦት ግና ጽቡቕ ገይሮም ከም ዘይሕዝወን ይዝረበሎም ነበረ።—ዮሃንስ 10:12, 13

ኣብ ጥቓ ቝሸት ዘሎ ግራውቲ ምስ ተዓጽደ፡ ጓሳ ንኣባጊዑ ናብቲ ግራውቲ ኣትየን ነቲ ዝተረፈ ሓሰርን ኣብ መንጎኡ ዚበቍል ሓድሽ ሳዕርን ኪበልዓ ይፍንወን ነበረ። ሓጋይ ኰይኑ ሙቐት ምስ ወሰኸ፡ ጓሶት ንመጓሰኦም ናብቲ ኣብ በረኽቲ ቦታታት ዚርከብ ዝሕል ዝበለ መገሃጫ ዘለዎ ኸባቢ ይወስድወን ነበሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ጓሶት ኣብ መሮር እዮም ዚጓስዩን ዚሓድሩን ነይሮም። እተን መጓሰ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ጎቦታት ኪበልዓ ይውዕላ ነበራ፣ እቶም ጓሶት ከኣ ለይቲ ለይቲ ኣብ ቃልዕ ደምበ ኣእትዮም ኪሕልውወን ይሓድሩ ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ ጋውሕታን ዝብእን ዕቝባ ምእንቲ ኺረኽባ፡ ለይቲ ኣብ በዓቲ የሕድርወን ነበሩ። ብጸላም ለይቲ ንቅዋ ዝብኢ ነተን መጓሰ ኣባጊዕ እንተ ኣሰምቢድወን፡ እቲ ህዱእን ዜጸናንዕን ድምጺ ጓሳአን የህድአን ነበረ።

ምሸት ምሸት፡ ጓሳ ንኣባጊዑ ይቘጽረን፡ ጥዕናአን እውን ይምርምር ነበረ። ንግሆ ንግሆ ኸኣ፡ ጸዊዑ የውፍረን፡ እተን መጓሰ ድማ ናብ መገሃጫ ይስዕባኦ ነበራ። (ዮሃንስ 10:3, 4) ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ጓሶት ንመጓሰኦም፡ ማይ ናብ ዚሰትያሉ ሓጽብታት ይመርሕወን ነበሩ። እቲ ሓጽብታት ምስ ነጸፈ ኸኣ፡ ናብ ዒላ መሪሖም፡ ገሊሎም የስትይወን ነበሩ።

ሓጋይ ኣብ ዚዛዘመሉ እዋን፡ ጓሳ ንመጓሰኡ ናብቲ ኣብ ገማግም ዚርከብ ጐላጕልን ናብ ስንጭሮታትን ይወስደን ነበረ። ቍርን ዝናምን ምስ ጀመረ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ምእንቲ ኪዀና፡ ናብ ቤቱ ሒዝወን ይምለስ ነበረ። እንተ ዘይኰይኑ፡ እተን መጓሰ በቲ ብርቱዕ ዝናምን በረድን ውርጭን ኪሞታ ይኽእላ ነበራ። ካብ ሕዳር ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ኽረምቶም ዚውድኣሉ እዋን፡ ጓሶት ንመጓሰኦም ናብ ግዳም ኣየውጽእወንን ነበሩ።

ንዕዮ ዕጡቕ

ክዳን ጓሳ ቐሊልን ድልዱልን እዩ ነይሩ። ካብ ዝናም ከም መዕቀሊ፡ ካብ ቍሪ ለይቲ ኸኣ ከም መሞቚ ምእንቲ ኪዀኖ፡ ኣጐዛ ይድርብ ነበረ። ብውሽጢ ድማ፡ ቀምሽ ይኽደን ነበረ። ሳእኑ ንኣእጋሩ ኻብ በላሕቲ ኣእማንን ካብ እሾኽን ይከላኸለሉ ነበረ፣ ንርእሱ ድማ ብዓለባ ጸምሪ ይጥምጥሞ ነበረ።

ጓሳ ዚጥቀመሎም ናውቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ዚስዕብ የጠቓልል ነበረ፦ ከም እንጌራን ኣውልዕን ዝነቐጸ ፍረታትን ጅብናን ዝኣመሰለ ስንቂ ዚሕዘሉ ቝርባብሻ (1)፣ ንምጥቃዕ ዚጥቀመላ ዝነበረ መብዛሕትኡ እዋን ሓደ ሜተር ዝምንዋሓ፡ ኣብቲ ርጕድ ዘበለ ሸነኽ ጫፋ ጽንጽሕለ ዘለዋ ሻፎ (2)፣ ካራ (3)፣ እቲ ጓሳ ኪኸይድን ኪሓኵርን ከሎ ዚምርኰሳ በትሪ (4)፣ ናይ ብሕቱ መትሓዚ ማይ (5)፣ ብቘርበት እተሰርሐት ካብ ዒላ ማይ ዚግልለላ መገለሊት (6)፣ ካብ መጓሰአን እተፈልያ ኣባጊዕ ወይ ኣጣል ንምምላስ፡ ወይ ከኣ ዚቃጸዉ ኣራዊት ንምብራር ዚጥቀመላ ወንጭፍ (7)፣ ገዛእ ርእሱ ንምዝንጋዕን ነተን መጓሰ ንምህዳእን ዚጻወታ ሻምብቆ (8)።

ከም ውሬታ እቲ ጓሳ ንመጓሰኡ ዚገብረለን ክንክን፡ እተን መጓሰኡ ንህይወት ዜድልዮ ኸም ጸባን ስጋን ዝኣመሰለ ውጽኢት ይህባኦ ነበራ። ነቲ ጸምረንን ቈርበተንን ከኣ ብኻልእ ይልውጦ ወይ ከም ክዳንን ከም ሓርብን ገይሩ ይጥቀመሉ ነበረ። ጸጕሪ ኣጣል ተኣሊሙ ኽዳን ይኸውን ነበረ፣ ኣባጊዕን ኣጣልን እውን ንመስዋእቲ ይቐርባ ነበራ።

ኪሰዓብ ዘለዎ ኣርኣያ

ሕያዎት ጓሶት ትጉሃትን እሙናትን ተባዓትን እዮም ነይሮም። ንመጓሰኦም ንምዕቋብ፡ ህይወቶም እውን ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ የእትዉ ነይሮም እዮም።—1 ሳሙኤል 17:34-36

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን፡ ጓሳ ንክርስትያን ሓለውቲ ኣርኣያ ኸም ዝዀኖም ገይሮም ምጥቃሶም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (ዮሃንስ 21:15-17፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:28) ሎሚ ዘለዉ ሓለውቲ ጉባኤ፡ ከምቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሕያዎት ጓሶት፡ ‘ነቲ ምሳታቶም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ብፍታው፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓ እውን ዘይኰነስ፡ ብታሕጓስ ኪጓስይዎ’ ይጽዕሩ እዮም።—1 ጴጥሮስ 5:2