ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ንዕዳ ብግቡእ ምሓዙ

ንዕዳ ብግቡእ ምሓዙ

ያኒስ፦ a “ቍጠባዊ ቕልውላው ግሪኽ ምስ ኣጋጠመ፡ ንግዳዊ ትካለይ ከሰረ፣ ስለዚ ድማ፡ ዕዳ ገዛናን ክፍሊት ክረዲት ካርድን ክንከፍል ኣይከኣልናን። ብሰንኪ ውጥረት፡ ድቃስ ኣበየኒ።”

ካተሪና፦ “ንገዛና ብፍቕሪ ኢና ሃኒጽናያ፣ ገዛና ምስኣን ዚብልዎ ሓሳብ ከኣ ኣመና እዩ ዚኸብደኒ። ኣነን ያኒስን ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ዕዳና ብዙሕ ሳዕ ተባኢስና ኢና።”

ዕዳ ኣብ መንጎ ስድራ ቤት ውጥረት ኪፈጥር፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ሓዳር ኪብትን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ጀፍሪ ዲው ዚብሃል ተመራማሪ፡ ዕዳ ዘለዎም ሰብ ሓዳር ብሓንሳእ ዜሕልፍዎ ግዜ ኸም ዚንኪ፡ ብዝያዳ ኸም ዚብኣሱ፡ ሓጐሶም እውን ከም ዚንኪ ገሊጹ ኣሎ። ብዕዳን ብገንዘብን ዚለዓል ክርክር፡ ካብ ካልእ መከራኸሪ ጕዳያት ንላዕሊ ናብ ቈየቛን መውቃዕትን ኬብጽሕ ይኽእል እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ እውን፡ ካልእ ጕዳያት የበግስ እዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ቀንዲ ጠንቂ ፍትሕ፡ እቲ ብዛዕባ ገንዘብ ዚለዓል ዘይምስምማዓት ምዃኑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

ብዙሕ ዕዳ፡ ከም ምስኣን ድቃስ፡ ሕማም ርእሲ፡ ቅርጸት፡ ድኻም ልቢ፡ ጭንቀት ዝኣመሰለ ጸገማት ጥዕና እውን የምጽእ እዩ። ማርታ ዝስማ ሰበይቲ፡ “ልዊስ ሰብኣየይ ብሰንኪ ዕዳና ናይ መንፈስ ጭንቀት ስለ ዘሕደረ፡ ኣብ መዓልቲ መብዛሕትኡ ሰዓታት ደቂሱ እዩ ዜሕልፎ ነይሩ። እቲ ዅሉ ሳዕ ዝተኣማመነሉ ዝነበርኩ ሰብኣይ፡ ዚገብሮ ሓርቢትዎ ነይሩ” በለት። ገሊኦም ነቲ ዜጋጥሞም ውጥረት ኪጻወርዎ ኣይከኣሉን። ንኣብነት፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ህንዲ እትነብር ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብድምር 840 ዶላር ኣመሪካ ዚኣክል ዕዳኣ ምኽፋል ምስ ሰኣነት፡ ርእሳ ኸም ዝቐተለት ቢ.ቢ.ሲ. ዜና ሂቡ። ነዚ ገንዘብ እዚ፡ ንሕክምና ደቃ ኢላ እያ ተለቂሓቶ ነይራ።

ስድራ ቤትካ ብሰንኪ ዕዳ ኣብ ውጥረት እንተላ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ሰብ ሓዳር ንዕዳኦም ኣብ ዚሕዙሉ መገዲ ዜጋጥሞም ብድሆታትን ነዚ ንምፍታሕ ኪሕግዝ ዚኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን እስከ ንርአ።

ብድሆ 1፦ ንሓድሕድና ንወቓቐስ ኢና።

ሉላሽ፡ “ንሰበይተይ መባኸኒት ከም ዝዀነት ገይረ ነቐፍክዋ፣ ንሳ ኸኣ ምሉእ ዓመት ዜስርሕ ስራሕ እንተ ዚህልወኒ ነይሩ፡ እኹል ገንዘብ ኪህልወና ኸም ዚኽእል ተማርር ነበረት” ኢሉ ተኣመነ። ሰብ ሓዳር፡ ዕዳ ኣብ መንጎኦም ኣትዩ ንኸየረሓሕቖም፡ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ዓወት ንምርካብ፦ ሓቢርኩም ምስ ዕዳኹም ተቓለሱ።

ዋላ እውን ነቲ ዕዳ ንስኻ እንተ ዘየምጻእካዮ፡ ቍጥዓኻ ኣብ መጻምድትኻ ምውጻእ፡ ዚዓብሶ የብሉን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ፡ እቲ ኣብ ኤፌሶን 4:31 ዚርከብ፡ “ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሐቕ” ዚብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ ይዓዪ እዩ።

ንሓድሕድኩም ዘይኰነስ፡ ምስቲ ዕዳ ተቓለሱ። ስተፋኖስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ “ንዕዳና ኸም ሓባራዊ ጸላኢ ጌርና ኢና ርኢናዮ” ብምባል ከመይ ገይሮም ንሱን ብዓልቲ ቤቱን ብሓባር ከም ዝዓየዩ ገለጸ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምትሕብባር፡ ምስቲ ኣብ ምሳሌ 13:10 ዚርከብ፡ “ካብ ትዕቢት ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዚቕበሉ እያ” ዚብል ምኽሪ ዚሰማማዕ እዩ። ብትዕቢት ተደሪኽካ ባዕልኻ ነቲ ጕዳይ ክትፈትሖ ኣብ ክንዲ እትጽዕር፡ ብዛዕባ እቲ ገንዘባዊ ጸገም ተዘራረቡ፡ ብሓደ ሰሚርኩም ድማ ስጕምቲ ውሰዱ።

ውሉዳትኩም እውን እጃሞም ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኣርጀንቲና ዚነብር ኤድጋርዶ ዝስሙ ኣቦ፡ ስድራ ቤቱ ዘሕለፈቶ ተመክሮ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ንእሽቶ ወድና ሓዳስ ብሽክለታ ደልዩ ነይሩ፣ ንሕና ግና ስለምንታይ ክንዕድገሉ ኸም ዘይንኽእል ገለጽናሉ። ኣብ ክንዳኡ፡ ናይ ኣባሓጎኡ ዝነበረት ብሽክለታ ሃብናዮ፣ ንሱ እውን ባህ ኢልዎ ይውጥሓ ነበረ። ብስድራ ቤት ሓቢርካ ምዕያይ ዘለዎ ጥቕሚ ተማሂረ እየ።”

ነዚ ፈትኖ፦ ብዛዕባ ዕዳኹም ብግህዶን ብህድኣትን እትዘራረቡሉ ግዜ መድቡ። ገጌጋኹም ተኣመኑ። ኣብ ሕሉፍ ኣብ ክንዲ እተተኵሩ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ገንዘብ እትገብርዎ ውሳነታት ዚመርሕ ስርዓታት ክትሰማምዑሉ ፈትኑ።—መዝሙር 37:21፣ ሉቃስ 12:15

ብድሆ 2፦ ካብ ዕዳ ምውጻእ፡ ዘይከኣል እዩ ዚመስል።

ኤንሪኬ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብሰንኪ ስራሐይ ብዙሕ ዕዳ እዩ ነይሩኒ፣ እዚ ኸኣ በቲ ኣብ ኣርጀንቲና እተፈጥረ ገንዘባዊ ቕልውላው ተጋደደ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ድሕሪኡ፡ ሰበይተይ መጥባሕቲ ኣድለያ። ካብ ዕዳ ፈጺመ ዘይወጽእ ኰይኑ ተሰምዓኒ” በለ። ኣብ ብራዚል ዚነብር ሮበርቶ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ናይ ርእሱ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ዝገበሮ ፈተነ፡ ኵሉ ገንዘቡ ሰኣነ፡ ካብ 12 ባንክ ከኣ ተዓድየ። “ገጽ ኣዕሩኸይ ምርኣይ ኣመና የሕፍረኒ ነይሩ። ድርባይ ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” ድማ በለ።

ብሰንኪ ዕዳኻ ብምቝራጽ ተስፋ፡ ብጣዕሳ፡ ወይ ብሕፍረት እንተ ተዋሒጥካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ዓወት ንምርካብ፦ ገንዘብካ ብግቡእ ኣመሓድር። b

 

1. ህሉው ባጀትካ ኽንደይ ምዃኑ ወስን። ንኽልተ ሰሙን፡—ወይ ዝሓሸ እንተ ዀይኑ፡ ንወርሒ፡—ኵሉ ኣታዊኻን ወጻኢኻን መዝግብ። ነዚ ድማ፡ ከም ናይ ግብሪ፡ መድሕን፡ ወይ ክዳውንቲ ዝኣመሰለ ሓሓሊፉ ዜጋጥም ወጻኢታት ናብ ወርሓዊ ገምጋም ብምቕማር ደምረሉ።

2. ኣታዊኻ ኸም ዚውስኽ ግበር። ኣብቲ እትሰርሓሉ ቦታ ተወሳኺ እብረ ኽትሰርሕ፡ ወቕታዊ ስራሕ ክትሰርሕ፡ ተመሃሮ ኣብ ገዛ ኽትምህር፡ ወይ ኣብ ቤት ክትሰርሖ እትኽእል ነገር ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። መጠንቀቕታ፦ ስራሕ ንኸም መንፈሳዊ ልማድ ዝኣመሰለ ኻልእ ዝያዳ ኣገዳሲ ንጥፈታት ከይደፍኦ ተጠንቀቕ።

ንዕዳኹም ብስድራ ቤት እትቃለሱሉ ግብራዊ መገድታት ርኸብ

3. ወጻኢታትካ ነኪ። ብሕሱር ዝረኸብካዮ ዅሉ ኣይትዓድግ፣ የግዳስ፡ ዜድልየካ ዘበለ ጥራይ ዓድግ። (ምሳሌ 21:5) ኤንሪኬ፡ “ቅድሚ ምዕዳግካ ትዕግስቲ ጽቡቕ እዩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ኣቕሓ ብሓቂ ዜድልየካ እንተ ዀይኑ፡ ወይ እትብህጎ ጥራይ እንተ ዀይኑ ኽትፈልጥ የኽእለካ እዩ” በለ። ገለ ተወሳኺ ምኽሪ ኸኣ እንሆ፦

  • ገዛ፦ እንተ ተኻኢሉ፡ ናብ ዝሓሰረ ኽራይ ዚኽፈሎ ገዛ ግዓዝ። ኤለክትሪክን ማይን መሞቝን ብምቝጣብ ወጻኢታት ነኪ።

  • ምግቢ፦ ኣዘውቲርካ ኣብ ደገ ኣብ ክንዲ እትምገብ፡ ምሳሕ ቋጺርካ ኺድ። ብሕሱር ዚዕደገሉ ኣጋጣሚታት ወይ ናይ ኣስቤዛ ኩፖን ተጠቐም። ኣብ ብራዚል እትነብር ዦየልማ፡ “ፍረታትን ኣሕምልትን ካብቲ ኣብ ጐደናታት ዚዝርጋሕ ዕዳጋ፡ ቀቅድሚ ምዕጻዎም ከይደ እንተ ዓዲገ፡ ወጻኢታት እቝጥብ እየ” በለት።

  • መጕዓዝያ፦ ዘየድሊ መጕዓዝያ ሽጥ፣ ዜድልየካ ዘበለ ኸኣ፡ ብሓደስቲ ቐልጢፍካ ኣብ ክንዲ እትቕይር፡ ተኸናኺንካ ሓዝ። ህዝባዊ መጕዓዝያ ተጠቐም፡ ወይ ኣብ እትኽእለሉ ዘበለ ብእግርኻ ኺድ።

ወጻኢታትካ ድሕሪ ምንካይካ፡ ነቲ ዝተረፈ ገንዘብካ ብዝበለጸ ንምጥቃም ተዳሊኻ ኣለኻ ማለት እዩ።

4. ዕዳኻ መርሚርካ ስጕምቲ ውሰድ። ፈለማ፡ ንነፍሲ ወከፍ ዕዳ ኽንደይ ወለድ ከም ዘለዎ፡ ክንደይ ተወሳኺ ኽፍሊት ከም ዜኽፍለካ፡ ደንጒኻ ምኽፋልካ ዜስዕቦ መቕጻዕቲ፡ ከምኡ ድማ ገሊኡ ኽፍሊት ግዜኡ ዝሓለፎ ኸይከውን መርምር። ኣለቃሕቲ መታለልቲ ኪዀኑ ስለ ዚኽእሉ፡ ንውዕል እቲ ልቓሕ ተጠንቂቕካ መርምሮ። ንኣብነት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ሓደ ንሓጺር እዋን ዜለቅሕ ትካል፡ ወለዱ ልዕሊ 400 ሚእታዊት ክነሱ፡ 24 ሚእታዊት ምዃኑ ጠቒሱ እዩ።

ድሕሪኡ፡ ዕዳታትካ ኻበየናይ ጀሚርካ ኸም እትኸፍል ወስን። ሓደ ሜላ፡ ካብቲ ዝለዓለ ወለድ ዘለዎ ዕዳታት ጀሚርካ ምኽፋል እዩ። ካልእ ሜላ ኸኣ፡ በቲ ዝወሓደ ዕዳታት ጀሚርካ ምኽፋል እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ወወርሒ ኽንደይ ክትከፍል ከም ዘሎካ ዚገልጽ ወረቓቕቲ እናነከየ እንተ መጺኡ፡ ሞራል ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ልዑል ወለድ ዘለዎ ዕዳታት እንተ ኣሎካ፡ ንዕኡ ንምኽፋል ዝተሓተ ወለድ ዘለዎ ልቓሕ ክትረክብ ትኽእል ትኸውን።

ኣብ መወዳእታ፡ ዕዳኻ ኽትከፍል እንተ ዘይክኢልካ፡ ብዛዕባ ኽትከፍለሉ እትኽእል ሓድሽ መደብ፡ ምስቶም ኣለቃሕትኻ ኸም ብሓድሽ ተዘራረብ። እትኸፍለሉ ግዜ ኼናውሑልካ ወይ ወለድ ኪንክዩልካ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም፡ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ኣለቃሕቲ ነቲ እትእውዶም ብሓንሳእ እንተ ኸፊልካዮም፡ ብዝተሓተ ወለድ ኪቕበሉኻ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ ቝጠባዊ ዅነታትካ ኸተዘራርቦም ከለኻ፡ ብቕንዕናን ብኣኽብሮትን ተዛረብ። (ቈሎሴ 4:6፣ እብራውያን 13:18) ኵሉ ስምምዓት ግና ብጽሑፍ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ፈለማ ዘቕረብካዮ ሕቶ እኳ ተቐባልነት እንተ ዘይረኸበ፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ምትዕርራይ ኪግበር ደጋጊምካ ሕተት።—ምሳሌ 6:1-5

ገንዘብካ ኸተመሓድር ከለኻ፡ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ትጽቢት ኪህልወካ ኣለዎ። ገንዘብ “ከምቲ ንሰማይ ኣቢሉ ዚነፍር ንስሪ፡ ብርግጽ ኣኽናፍ የውጽእ እዩ” እሞ፡ ብሉጽ መደብ እውን ከይተረፈ ኻብ ቍጽጽርካ ወጻኢ ብዝዀነ ረቛሒታት ኪፈሽል ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 23:4, 5

ነዚ ፈትኖ፦ ባጀት ምስ ኣዳሎኻ፡ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤትካ ብኸመይ ወጻኢ ኺንክዩ ወይ ኣታዊ ኺውስኹ ኸም ዚኽእሉ ተመያየጡሉ። ኵላትኩም እትገብርዎ መስዋእትታት ምርኣይኩም፡ ኣብቲ ምስ ዕዳ እትገብርዎ ቓልሲ ንኽትሓብሩ ኺድግፈኩም ይኽእል እዩ።

ብድሆ 3፦ ዕዳ ንኣተሓሳስባና ይቈጻጸሮ።

ምስ ዕዳ ዚግበር ቃልሲ ንዝያዳ ኣገዳሲ መዳያት ህይወት ኪደፍኦ ይኽእል እዩ። ዮርዮስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ “ኵሉ ህይወትና ኣብቲ ዕዳና ምትኳሩ፡ እቲ ዝዓበየ ጸገም እዩ ነይሩ። ቀዳምነት ኪህልዎ ዚግባእ ነገራት፡ ንድሕሪት ተደፊኡ ነይሩ” በለ።

ዓወት ንምርካብ፦ ንገንዘብ ኣብ ግቡእ ቦታኡ ሓልዎ።

ዝጸዓርካ እኳ እንተ ጸዓርካ፡ ንኣለቃሕትኻ እትኸፍሎ ኽፍሊት ንሓያሎ ዓመታት ኪቕጽል ይኽእል እዩ። እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ብዛዕባ ዅነታትካ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዚህልወካ ኽትውስን ትኽእል ኢኻ። ሓሳብና ብገንዘብ ወይ ብስእነት ገንዘብ ኣብ ክንዲ ዚውሓጥ፡ ነቲ፡ “ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ፡ ንሱ ይእከለና” ዚብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ ኽንስዕብ ኣሎና።—1 ጢሞቴዎስ 6:8

ብዘሎካ ምዕጋብ፡ ጥሪት ኬምጽኦ ዘይክእል ሓጐስ የምጽእ

ብዘሎካ ገንዘብ እንተ ዓጊብካ፡ ‘እቲ ዚሐይሽ ንኽትምርምር’ ኣጋጣሚ ኪኽፈተልካ እዩ። (ፊልጲ 1:10) እዚ “ዚሐይሽ” ተባሂሉ ዘሎ ኸኣ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽን ምስ ስድራ ቤትካን ዘሎካ ርክብ የጠቓልል። እቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዮርዮስ፡ “ዕዳና ብምሉኡ ኸፊልና እኳ እንተ ዘይወዳእና፡ ህይወትና ግና ኣብኡ ኣየተኵርን እዩ። ምስ ደቅናን ኣብ ንሓድሕድናን ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታትን ብሓባር ዝያዳ ግዜ ኸነሕልፍ ብምኽኣልና፡ ሕጂ ሓዳርና ዝያዳ ሓጐስ ኣለዎ” በለ።

ነዚ ፈትኖ፦ ንዓኻ ብዙሕ ዋጋ ዘለዎ፡ ግናኸ ገንዘብ ኪዕድጎ ዘይክእል ነገራት ዘርዝር። ድሕሪኡ፡ ንዅሉ እቲ ንዝዘርዘርካዮ ነገራት እትውፍዮ ግዜን ጕልበትን ብኸመይ ክትውስኽ ከም እትኽእል ወስን።

ዕዳ፡ ውጥረት ይፈጥር እዩ፣ ብግቡእ ንምሓዙ ኸኣ መስዋእትታት ይሓትት እዩ። ውጽኢቱ ግና ዚኽሕስ እዩ። ኣብ ፖላንድ ዚነብር ኣንጄ ዝስሙ ሰብኣይ፡ “ሰበይተይ ንሓንቲ መሳርሕታ ብዙሕ ገንዘብ ክትልቃሕ ከላ ኸም እተውሓሰታ፡ ንሳ እውን ከይኸፈለት ከም ዝጠፍአት ምስ ፈለጥኩ፡ ብውሑዱ ኣብ ቤትና ውጥረት ሰፊኑ ነይሩ” ኢሉ ተኣመነ። ንሱን ሰበይቱን ነቲ ጕዳይ ብዛዕባ ዝሓዙሉ መገዲ ኺዝክር ከሎ ግና፡ “ከም ሓቂ፡ ብዝያዳ ሓድነት እዩ ፈጢሩልና፣ እዚ ግና በቲ ጸገም ባዕሉ ዝመጸ ዘይኰነስ፡ ንምፍታሑ ብሓባር ብምዕያይና እዩ መጺኡ” በለ።

a ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሕተም መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ናይ 1 ሰነ 2011 ሕታም ዝወጸት፡ “ከም ቤትካ ምንባር—ብኸመይ ኪግበር ይከኣል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

  • ንስድራ ቤተይ ካብ ዕዳ ንኽትወጽእ ብኸመይ ክሕግዛ እኽእል፧

  • ዕዳና ንርክብና ኸየበላሽዎ ወይ ከይበትኮ ብኸመይ ክንጥንቀቕ ንኽእል፧