ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ብዛዕባ ኣምላኽ ተገዳስነት ዘይነበራ፡ ጽቡቕ ስራሕ ድማ ዝነበራ ሰበይቲ፡ ከመይ ገይራ ናይ ሓቂ ዕላማ ህይወት ክትፈልጥ ክኢላ፧ ሓደ ካቶሊክ ዝነበረ መንእሰይ መገዲ ህይወቱ ኸም ዚቕይር ዝገበሮ፡ እንታይ ብዛዕባ ሞት እተማህሮ ነገር እዩ፧ ሓደ ብህይወት ተስፋ ዝቘረጸ መንእሰይከ፡ እንታይ ብዛዕባ ኣምላኽ እተማህሮ ነገር እዩ ክርስትያን ኣገልጋሊ ኪኸውን ዝደረኾ*፧ እዞም ሰባት እዚኦም እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ኣንብብ።

“ንሓያሎ ዓመታት፡ ‘ስለምታይ ኢና ኣብዚ እንነብር ዘለና፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ።”—ሮዛሊንድ ጆን

  • ዓመተ ልደት፦ 1963

  • መበቈል ሃገር፦ ብሪጣንያ

  • ታሪኽ፦ ጽቡቕ ስራሕ ዝነበራ

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብ ክሮይዶን፡ ደቡብ ለንደን፡ እየ ተወሊደ። ኣብታ ትሽዓተ ውሉዳት ዝነበርዋ ስድራ ቤት ከኣ ሻድሸይቲ ውላድ እየ ነይረ። ወለደይ መበቈሎም ካብታ ሰይንት ቪንሰንት እትብሃል ካሪበያዊት ደሴት እዮም። ኣደይ ናብ ቤተ ክርስትያን ሜቶዲስት ትኸይድ ነበረት። ኣነ ግና ብርቱዕ ህርፋን ፍልጠት እኳ እንተ ነበረኒ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ተገዳስነት ኣይነበረንን። ናይ ትምህርቲ ዕረፍተይ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ከባቢና ዚርከብ ቀላይ ኰይነ፡ ካብ ቤተ መጻሕፍቲ እተለቃሕክዎ መጻሕፍቲ ብምንባብ እየ ዘሕልፎ ነይረ።

ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ንመሳኪን ሰባት ክሕግዝ ደለኹ። ንግዳም ሓደርን ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ንዘለዎምን ክሕግዝ ጀመርኩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣትየ፡ ስነ ፍልጠት ጥዕና ተምሃርኩ። ምስ ተመረቕኩ፡ ኣብ ስራሐይ ብተኸታታሊ ዜደንቕ ዕቤት ገበርኩ፡ ምሹእ ናብራ ድማ ነበረኒ። ኣማኻሪት ምሕደራን ማሕበራዊ ተመራማሪትን ኰይነ ብውልቂ እዓዪ ስለ ዝነበርኩ፡ ንስራሕ ዜድልየኒ ነገራት፡ ላፕ ቶፕ ኮምፕዩተርን ኢንተርነትን ጥራይ እዩ ነይሩ። ንእተወሰነ ሰሙናት ናብ ወጻኢ እገይሽ፡ ኣብ ዝፈትዎ ሆቴላት አዕርፍ፡ ባህ ዜብል ከባቢታት እርኢ፡ ቍመናይ ንኽሕሉ ኸኣ ኣብ ስፓ እኣቱን ጂምናስቲክ እሰርሕን ነበርኩ። ንህይወት ዜስተማቕራ ዘለኹ ይመስለኒ ነበረ። እዚ ዅሉ ኪኸውን ከሎ ግና፡ ንግፉዓት ዝነበረኒ ሓልዮት ኣይጠፍአን።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ንሓያሎ ዓመታት፡ ‘ስለምታይ ኢና ኣብዚ እንነብር ዘለና፧ ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ግና ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክረክብ ኣይፈተንኩን። ብ1999፡ ሓደ መዓልቲ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ማርጋሬት ዝስማ ንእሽቶ ሓብተይ ምስ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት መሓዛኣ ኽትበጽሓኒ መጸት። እታ መሓዛኣ ኸኣ፡ ተገደሰትለይ። ምስኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ፍቓደኛ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ስራሐይን ኣነባብራይን ንመብዛሕትኡ ግዜይ ይበልዖ ስለ ዝነበረ፡ ቅልጡፍ ዕቤት ኣይገበርኩን።

ኣብ ክረምቲ 2002፡ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ዓዲ እንግሊዝ ገዓዝኩ። ኣብኡ ድማ፡ ኣብ መወዳእታኡ ዶክተርነት ምእንቲ ኽረክብ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብዛዕባ ማሕበራዊ ምርምር ብድሕረ ምረቓ ኽመሃር ጀመርኩ። ምስ ንእሽቶ ወደይ ከኣ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣዘውቲረ ኽእከብ ጀመርኩ። ዝለዓለ ትምህርቲ እፈቱ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ብዛዕባ ጸገማት ህይወትን ፍታሑን ብዝያዳ ኽርዳእ ዝሓገዘኒ ግና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ሓቅነት እቲ ንኽልተ ባሮት ክትግዛእ ከም ዘይትኽእል ዚገልጽ ኣብ ማቴዎስ 6:24 ዚርከብ ቃላት ተገንዘብኩ። ካብ ኣምላኽን ካብ ገንዘብን ሓዲኡ ኽመርጽ ነበረኒ። ኣብ ህይወተይ ቀዳምነት ብዛዕባ ዝህቦ ነገራት ምትዕርራይ ክገብር ከም ዘሎኒ ተረዳእኩ።

ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓመት፡ እታ ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ a እትብሃል መጽሓፍ ኣብ ቤት ውልቀ ሰባት ብጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጽናዕ ከላ፡ ብዙሕ ሳዕ እእከብ ነበርኩ። ንጸገማት ደቂ ሰብ ፍታሕ ኬምጽእ ዚኽእል፡ ፈጣሪና የሆዋ ጥራይ ከም ዝዀነ ድማ ኣመንኩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ግና፡ ህይወትካ ትርጕም ምእንቲ ኺህልዋ፡ ኣብ ፈጣሪ ምእማን ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ እየ ዝመሃር ነይረ። እዚ ኸኣ ኣበሳጨወኒ። ድሕሪ ኽልተ ወርሒ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርተይ ኣቋሪጸ ንመንፈሳዊ ነገራት ዝያዳ ግዜ ኽውፊ ወሰንኩ።

ኣነባብራይ ክቕይር ዝደረኸትኒ ጥቕሲ፡ ምሳሌ 3:5, 6 እያ። እታ ጥቕሲ፡ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ትብል። ብዛዕባ እቲ ፈቃር ኣምላኽ እትምሃሮ ትምህርቲ፡ ካብቲ ሃብትን መዓርግ ዶክተርነትን ዜምጽኦ ዓስቢ ንላዕሊ ዚኽሕስ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማን የሱስ ህይወቱ ምእንታና ብምስዋእ ዝኸፈሎ መስዋእትን ብዝያዳ ብእተምሃርኩ መጠን፡ ህይወተይ ንፈጣሪና ኽውፊ ዝያዳ ድሌት ሓደረኒ። ኣብ ሚያዝያ 2003 ድማ ተጠመቕኩ። ድሕሪኡ፡ በብቝሩብ ኣነባብራይ ኣቕለልኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ብዋጋ ዚሽነን ኣይኰነን። ንዕኡ ብምፍላጠይ፡ ናይ ሓቂ ውሽጣዊ ሰላምን ሓጐስን ረኺበ እየ። ምስ ካልኦት ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ብምሕባረይ እውን፡ ብዙሕ ሓጐስ ረኺበ እየ።

ፍልጠት ንምርካብ ዝነበረኒ ጽምኢ፡ በቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስን ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ዝምሃሮ ዝነበረኩ ትምህርቲ ኣጸቢቑ ረወየ። ብዛዕባ እምነተይ ንኻልኦት ምክፋል የሐጕሰኒ እዩ። እዚ ኸኣ ቀንዲ ስራሐይ ኰይኑ ኣሎ። በዚ ኣቢለ እውን፡ ሕጂ ሰባት ዝሓሸ ህይወት ንኺረኽቡን ኣብ ሓዳስ ዓለም ናይ ምንባር ዜደንቕ ተስፋ ንኺህልዎምን ክሕግዞም ክኢለ ኣለኹ። ካብ ሰነ 2008 ኣትሒዘ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እሳተፍ ኣለኹ፣ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኸኣ ሓጐስን ዕግበትን ኣሎኒ። ናይ ሓቂ ዕላማ ህይወት ፈሊጠ እየ፣ ነዚ ብምፍላጠይ ከኣ፡ ንየሆዋ ብዙሕ አመስግኖ እየ።

“ሞት ዓርከይ ኣመና እዩ ኣሰምቢዱኒ።”—ሮማን ኢርነስበርገ

  • ዓመተ ልደት፦ 1973

  • መበቈል ሃገር፦ ኦስትርያ

  • ታሪኽ፦ ተጣላዒ

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ብሮኖ ኣብ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ኦስትርያ እየ ዓብየ። እቲ ዝዓበኹሉ ኸባቢ ሃብታም እዩ ነይሩ፣ ብዙሕ ገበናት እውን ኣይነበሮን። ወለደይ ካቶሊክ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ሃይማኖት እቲ እየ ዓብየ።

ኣብ ቍልዕነተይ ዘጋጠመ ነገር፡ ኣብ ህይወተይ ብርቱዕ ጦብላሕታ ሓዲጉለይ እዩ። ብ1984፡ ወዲ 11 ዓመት ከለኹ፡ ምስ ሓደ ናይ ቀረባ ዓርከይ ኵዕሶ እግሪ ኽጻወት ይዝከረኒ። ድሕሪ ቐትሪ ግና ንሱ ብሓደጋ ማኪና ሞተ። ሞት ዓርከይ ኣመና እዩ ኣሰምቢዱኒ። ድሕሪ እቲ ሓደጋ ንነዊሕ ዓመታት፡ ‘ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ።

ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ፡ ኤለክትሪከኛ ዀይነ እዓዪ ነበርኩ። ብብዙሕ ገንዘብ ዝጣላዕ ልማደኛ ተጣላዓይ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ናይ ገንዘብ ጸገም ኣይነበረንን። ኣብ ስፖርት ብዙሕ ግዜ አሕልፍ፡ ሄቪ ሜታልን ፓንክ ሮክን ዚብሃል ዓይነት ሙዚቃ ድማ እፈቱ ነበርኩ። ካብ ቤት ትልሂትን ፓርትን ኣይፍለን እየ ነይረ። ደድሕሪ ተድላ እናሰዓብኩ ርኹስ ኣነባብራ እነብር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ባዶነት ይስምዓኒ ነበረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ብ1995 ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ቤተይ መጺኡ፡ ነታ ‘ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧’ እትብል ሕቶ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምልስ መጽሓፍ ኣርኣየኒ። ሞት እቲ ኣብ ሰዊት ዕድሚኡ እተዀልፈ ዓርከይ ይርብሸኒ ስለ ዝነበረ፡ ነታ መጽሓፍ ተቐበልኩዎ። ነታ ብዛዕባ ሞት እትገልጽ ምዕራፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብምልእታ እታ መጽሓፍ ኣንበብኩዋ።

እቲ ዘንበብክዎ ነገር ብዛዕባ ሞት ንዝነበረኒ ሕቶታት መለሰለይ። ኰይኑ ግና፡ ካብኡ ንላዕሊ እውን ተምሃርኩ። ካቶሊክ ኰይነ ስለ ዝዓበኹ፡ እምነተይ ብቐንዱ ኣብ የሱስ ዘተኰረት እያ ነይራ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበርኩዎ ዕቱብ መጽናዕቲ ግና፡ ምስቲ ኣቦ የሱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ዕርክነት ክምስርት ኣኽኣለኒ። የሆዋ ምስጢራውን ዘይቅረብን ከም ዘይኰነ፡ የግዳስ፡ ነቶም ዚደልይዎ ከም ዚርከበሎም ምፍላጠይ መሲጡኒ እዩ። (ማቴዎስ 7:7-11) ስምዒታት ከም ዘለዎ ኸኣ ፈለጥኩ። ኵሉ ሳዕ ቃሉ ኸም ዚሕሉ እውን ተምሃርኩ። እዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዓሚቝ ተገዳስነት ኣሕደረለይ፣ እዚ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ክምርምር ድማ ተለዓዓልኩ። እቲ ዝረኸብክዎ ፍልጠት፡ ኣብ ኣምላኽ ዘሎኒ እምነት ኣደልደለለይ።

ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ ኣብ ምሕጋዝ ልባዊ ተገዳስነት ዘለዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ምዃኖም ተገንዘብኩ። ነቲ ኣብ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተጠቕሰ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ናይ ካቶሊክ መጽሓፍ ቅዱሰይ ኣንበብክዎ። ብዝያዳ ብዝመርመኩ መጠን፡ ሓቂ ኸም ዝረኸብኩ ብዝያዳ ተገንዘብኩ።

ካብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ብስርዓታቱ ኽመላለስ ከም ዚደልየኒ ተምሃርኩ። ካብቲ ኣብ ኤፌሶን 4:22-24 ዘንበብክዎ ኸኣ፡ ነቲ ‘ቐደም እተመላለስኩሉ ኣረጊት ሰብ’ ቀንጢጠ፡ “ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ” ክለብስ ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ስለዚ፡ ርኹስ ኣነባብራ ሓደግኩ። ጠላዕ፡ ፍቕረ ንዋይን ስስዐን ስለ ዜተባብዕ ድማ፡ ምጥላዕ ክሓድጎ ኸም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ነዚ ለውጥታት እዚ ንምግባር፡ ካብ ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ ክርሕቕን ከምቲ ኣነ ዝስዕቦ ዓይነት ስርዓታት ምስ ዚስዕቡ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ክተዓራረኽን ከም ዘሎኒ ፈለጥኩ።

ነዚ ለውጥታት እዚ ምግባር ቀሊል ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክእከብ፡ ኣብኡ ድማ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ከጥሪ ጀመርኩ። ባዕለይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዕቱብ አጽንዕ ነበርኩ። ከምኡ ምግባረይ ከኣ፡ ናይ ሙዚቃ ምርጫይን ሸቶታተይን ክቕይር ሓገዘኒ፣ ትርኢተይ እውን ጽፉፍ ኰነ። ብ1995፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ሕጂ ብዛዕባ ገንዘብን ጥሪትን ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ዘሎኒ። ቍጡዕ እየ ነይረ፡ ሕጂ ግና ልኡም እየ። ብዛዕባ መጻኢ እውን እምብዛ ኣይጭነቕን እየ።

ኣባል እቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ ዓለምለኻዊ ጕጅለ ምዃነይ የሐጕሰኒ እዩ። ገለ ኻባታቶም ምስ ጸገማት ዚቃለሱ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንኣምላኽ ብተኣማንነት የገልግሉ ኣለዉ። ሕጂ፡ ኵሉ ግዜይን ጕልበተይን ትምኒተይ ንምዕጋብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ንምምላኽን ንኻልኦት ሰናይ ንምግባርን እጥቀመሉ ምህላወይ ባህ እዩ ዚብለኒ።

“ኣብ መወዳእታ፡ ህይወተይ ዕላማ ኺህልዋ ኽኢሉ እዩ።”—ኢያን ኪንግ

  • ዓመተ ልደት፦ 1963

  • መበቈል ሃገር፦ ዓዲ እንግሊዝ

  • ታሪኽ፦ ብህይወት ተስፋ ዝቘረጸ

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እየ ተወሊደ፣ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ኣቢለ ምስ ኰንኩ ግና፡ ስድራ ቤተይ ናብ ኣውስትራልያ ገዓዙ። ኣብቲ በጻሕቲ ዜዘውትርዎ ኣብ ኲንስላንድ፡ ኣውስትራልያ ዚርከብ ጎልድ ኮስት ዚብሃል ቦታ ኸኣ ተቐመጥና። ስድራ ቤተይ ሃብታማት እኳ እንተ ዘይነበሩ፡ ዜድልየና ዘበለ ጐዲሉና ኣይፈልጥን እዩ።

ጽቡቕ ኣተዓባብያ እኳ እንተ ረኸብኩ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣይነበረንን። ብህይወት ተስፋ ቘሪጸ ነበርኩ። ኣቦይ ሰታይ እዩ ነይሩ። ንዕኡ ብዙሕ ፍቕሪ ኣይነበረንን፣ ከምኡ ዚስምዓኒ ዝነበረ ኸኣ፡ ብዓብዪኡ ብሰንኪ ናይ ምስታይ ልማዱን ንኣደይ ዝነበሮ ኣተሓሕዛን እዩ ነይሩ። ወተሃደር ኰይኑ ኣብ ማለያ ዘሕለፎ ነገራት ምስ ፈልጥኩ ግና፡ ስለምንታይ ከምኡ ይገብር ከም ዝነበረ ኺርድኣኒ ጀመረ።

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ብዙሕ ክሰቲ ጀመርኩ። ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ትምህርቲ ኣቋሪጸ፡ ምስ ሓይሊ ባሕሪ ተጸምበርኩ። ሓሽሽ ክወስድ ጀመርኩ፡ ሽጋራ ድማ ተወለፍኩ። ኣብ ኣልኮል ዝያዳ ኽጽጋዕ ድማ ጀመርኩ። ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መዓልቲ መዓልቲ እውን ብዙሕ ክሰቲ ጀመርኩ።

ኣብ መወዳእታ 10ታትን ኣብ መጀመርታ 20ታትን ዕድመይ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ክጠራጠር ጀመርኩ። ‘ኣምላኽ ብሓቂ እንተ ኣልዩ፡ ሰባት ኪሳቐዩን ኪሞቱን ዚፈቅድ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢለ ሓሰብኩ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ዓለም ዚርአ እከይ ንኣምላኽ ብምውቃስ ድማ ግጥሚ ገጠምኩ።

ወዲ 23 ምስ ኰንኩ፡ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ወጻእኩ። ድሕሪኡ፡ እተፈላለየ ስራሕ እሰርሕን ናብ እተፈላለያ ሃገራት እገይሽን እኳ እንተ ነበርኩ፡ ካብ ተስፋ ምቝራጽ ክናገፍ ግና ኣይከኣልኩን። ሸቶ ኸውጽእ ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ደረጃ ኽበጽሕ ባህጊ ኣይነበረንን። ዋላ ሓንቲ ዚስሕበኒ ነገር ኣይነበረን። ገዛ ምጥራይን ውሕስነት ዘለዎ ስራሕ ምርካብን ኣብ ስራሕ ዕቤት ምርካብን ትርጕም ዘይብሉ ዀይኑ ተራእየኒ። ሓደ “ዝጸናንዓሉ” መገዲ ኣልኮላዊ መስተን ሙዚቃን ጥራይ እዩ ነይሩ።

ዕላማ ህይወት ከናዲ ሓያል ባህጊ ዝሓደረኒ መዓስ ከም ዝዀነ ብልክዕ እዝክሮ እየ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ፖላንድ ነቲ ፍሉጥ መዳጐኒ ደምበ ኦሽዊትዝ እበጽሕ ነበርኩ። ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዘጋጠመ ግፍዒ ኣንቢበ ነይረ እየ። ኰይኑ ግና፡ ናብኡ ኸይደ ንግዝፊ እቲ ደምበ ምስ ረኣኹ፡ ስምዒተይ ኣዝዩ ተተንከፈ። ሰባት ኣብ ልዕሊ ሰባት ስለምንታይ ከም ዚጭክኑ ኺርድኣኒ ኣይከኣለን። ኣብቲ ደምበ ክዘውር ከለኹ፡ ንብዓት ቅጽርጽር ኢሉኒ፡ ‘ስለምንታይ፧’ ኢለ ኽሓትት ይዝከረኒ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ብ1993 ካብ ስግር ባሕሪ ምስ ተመለስኩ፡ መልሲ ንምርካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ጀመርኩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤተይ መጻ፡ ኣብቲ ኣብ ከባብየይ ዚርከብ ስታድዩም ኣብ ዚግበር ኣኼባ ኣውራጃ ኽካፈል ከኣ ዓደማኒ። ኣነ ድማ ክኸይድ ወሰንኩ።

ቅድሚ እተወሰነ ኣዋርሕ፡ ግጥም ክርኢ ኣብቲ ስታድዩም ኣትየ ነይረ እየ። ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ እቲ ዝረኣኽዎ ግና ኣመና እተፈልየ እዩ ነይሩ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትሑታትን ጽቡቕ እተኸድኑን እዮም ነይሮም፣ ደቆም እውን ስርዓት ዘለዎም እዮም ነይሮም። በቲ ኣብ እዋን ምሳሕ ዝረኣኽዎ እውን ደንጽዩኒ እዩ። ኣማእታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ሜዳ ዀይኖም በልዑ፣ ናብ መንበሮም ምስ ተመልሱ ግና ኣብቲ ሜዳ ዋላ ሓንቲ ጓሓፍ ኣይረኣኹን። ልዕሉ ዅሉ ድማ፡ እቲ ኽረኽቦ ሃረር ዝብሎ ዝነበርኩ ዕግበትን ሰላምን ነበሮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ዝቐረበ መደረታት ዋላ ሓንቲ ኣይዝክርን እየ፣ ኣካይዳ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ነባሪ ጦብላሕታ ኣሕደረለይ።

ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብብን እተፈላለያ ሃይማኖታት ዘጽንዐን ወዲ ኣሞይ ዘከርክዎ። ቅድሚ ዓመታት፡ የሱስ ንናይ ሓቂ ሃይማኖት ብፍሪኣ ኸተለልይዋ ኢኹም ከም ዝበለ ነጊሩኒ ነይሩ። (ማቴዎስ 7:15-20) እንተ ወሓደ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ካልኦት ፍሉያት ዚገብሮም እንታይ ምዃኑ ኽምርምር ከም ዘሎኒ ድማ ሓሰብኩ። ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ እዋን፡ ቍሩብ ተስፋ ኽረክብ ጀመርኩ።

ኣብታ እትቕጽል ሰሙን፡ እተን ናብ ኣኼባ ኣውራጃ ዝዓደማኒ ኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመሊሰን መጻኒ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ዓደማኒ፡ ኣነ ኸኣ ተሰማማዕኩ። ምስአን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክእከብ እውን ጀመርኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዘጽናዕኩ መጠን፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝነበረኒ ኣረኣእያ ምሉእ ብምሉእ ተቐየረ። ምንጪ እከይን መከራን ንሱ ኸም ዘይኰነ፡ በቶም ሕማቕ ነገራት ዚገብሩ ሰባት ድማ ከም ዚጕሂ ፈለጥኩ። (ዘፍጥረት 6:6፣ መዝሙር 78:40, 41) ንየሆዋ ፈጺመ ንኸየጕህዮ ዚከኣለኒ ኽገብር ወሰንኩ። ንልቡ ኸሐጕሶ ድማ ደለኹ። (ምሳሌ 27:11) ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይን ሽጋራ ምትካኽን ኣብ ርኹስ ተግባራት ምክፋልን ኣቋረጽኩ። ኣብ መጋቢት 1994 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ሕጂ ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ኣሎኒ። ንጸገማተይ ፍታሕ ንምርካብ እውን ከም ቀደመይ ናብ ኣልኮላዊ መስተ ኣይኰንኩን ዝጐዪ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ጾረይ ናብ የሆዋ ምድርባይ ተማሂረ እየ።—መዝሙር 55:22

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ንሓንቲ ካረን ዝስማ ጽብቕቲ ናይ የሆዋ ምስክር ተመርዓኽዋ፣ ንሳ ኣቐዲማ ዝወለደታ ኔላ ዝስማ ጓል ድማ ኣላትና። ሰለስቴና ንኻልኦት ብዛዕባ ኣምላኽ ኪፈልጡ ንምሕጋዝ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብዙሕ ግዜ ምሕላፍ የሐጕሰና እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ህይወተይ ዕላማ ኺህልዋ ኽኢሉ እዩ።

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።