ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶ 1፦ ህይወተይ ዕላማ ኣለዋ ድዩ፧

ሕቶ 1፦ ህይወተይ ዕላማ ኣለዋ ድዩ፧

ሮዛሊንድ እትብሃል ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝዓበየት ጓል ኣንስተይቲ፡ ህርፋን ፍልጠት ነበራ። ንሰባት ክትሕግዝ እውን ትደሊ ነበረት። ትምህርታ ምስ ወድአት፡ ንግዳም ሓደር ክትሕግዝ ዜኽእላ ጽቡቕ ስራሕ ረኸበት፣ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ንዘለዎም ሰባት እውን ትሕግዝ ነበረት። ዜዕግብ ስራሕን ኣኺሉ ዚተርፍ ገንዘብን እኳ እንተ ነበራ፡ “ንሓያሎ ዓመታት፡ ‘ስለምታይ ኢና ኣብዚ እንነብር ዘለና፧ ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ” በለት።

ስለምንታይ ኢና ኸምዚ ኢልና እንሓትት፧

ንሕና ኸምቶም ዘይሓስቡ እንስሳታት ኣይኰንናን። ካብ ሕሉፍ ክንመሃርን ብዛዕባ መጻኢ ኽንምድብን ዕላማ ህይወት ከነናድን ተኽእሎ ኣሎና።

ገሊኦም እንታይ መልሲ እዮም ዚህቡ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ቀንዲ ዕላማ ህይወት ብሃብቲ ወይ ብዝና ኣቢልካ ሓጐስ ምርካብ ከም ዝዀነ ይስምዖም።

እዚ መልሲ እዚ እንታይ ይእምት፧

ኣብ ህይወት ቀዳምነት እንህቦ ነገራት ባዕልና ኸም እንሰርዕ ይእምት። ትምኒትና ኻብ ፍቓድ ኣምላኽ ንላዕሊ ዝያዳ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ይእምት።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህር፧

ንጉስ ሰሎሞን ብዙሕ ሃብቲ ኣኪቡን ደድሕሪ ተድላ ስዒቡን እኳ እንተ ነበረ፡ እዚ ነገራት እዚ ነባሪ ዕግበት ከም ዘየምጽእ ተረድአ። ናይ ሓቂ ትርጕም ህይወት ብኸመይ ከም ዚርከብ ኪገልጽ ከሎ፡ “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ” በለ። (መክብብ 12:13) ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው እንታይ የጠቓልል፧

ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ፡ ንህይወት ከነስተማቕራ እዩ። ሰሎሞን፡ “ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ንነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን። እዚውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ርኤኹ” ኢሉ ጸሓፈ።—መክብብ 2:24

ኣምላኽ ንስድራ ቤትና ኸነፍቅሮምን ክንሓልየሎምን እውን ይደልየና እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት እተዋህቦ ቐሊልን ግብራውን መምርሒ እስከ ርአ።

  • “ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ።”—ኤፌሶን 5:28

  • “ሰበይቲውን ንሰብኣያ ተኽብሮ።”—ኤፌሶን 5:33ትርጕም 1990።

  • “ኣቱም ውሉድ፡ . . . ንወለድኹም ብጐይታ ተአዘዝዎም።”—ኤፌሶን 6:1

ነዚ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ እንተ ዄንና፡ እተወሰነ ሓጐስን ዕግበትን ክንረክብ ኢና። ይኹን እምበር፡ ክንገብሮ እንኽእል ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገር፡ ንፈጣሪና ብእተኻእለና መጠን ክንፈልጦን ከም ዓርክና ጌርና ኽንቀርቦን ምኽኣል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ” ኢሉ እዩ ዕድመ ዜቕርበልና። “ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ኢሉ ድማ ቃል ይኣትወልና። (ያእቆብ 4:8) ነዚ ዕድመ እዚ እንተ ተቐቢልካዮ፡ ህይወትካ ናይ ሓቂ ዕላማ ኺህልዋ እዩ።

እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሮዛሊንድ፡ ሕጂ ዕላማ ህይወት ከም እተረድአት ኰይኑ እዩ ዚስምዓ። ኣተሓሳስባኣ ኽትቅይር ዝሓገዛ እንታይ ምዃኑ፡ ኣብ ገጽ 10 እዛ መጽሔት እዚኣ ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ።